ድለ

2022.05.20 VN Ucraina Gallagher 2022.05.20 VN Ucraina Gallagher 

ር.ሊ.ጳ ኣብ ርወሒ ነሓሰ ናብ ርእሰ ከተማ ኡክራይና ክየቭ ክበጽሑ ዚከኣል እዩ! ጋላገር

ኣብ ምምሕዳር ቅድስት መንበር ምስ መንግሥታትን ሃገራትን ንዘሎ ርክብ ዝከታተሉን ዋና ጸሓፊ እቲ ክፍልን ዝኾኑ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ጋላገር ቲጂ1 ምስ ዝበሃል ኣገልግሎት ተለቪዥን ሃገረ ጣልያን ኣብ ዘካየድዎ ቃለምልልስ ‘ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብዛ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገር ምብጻሕ ኣዎንታዊ ውጽኢት ከምዝህልዎ ጽኑዕ ኣለዎም’ እንክብሉ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ንከተማ ክየቭ ኣብ ወርሒ ነሐሰ ክበጽሑ ከምዝከኣል ገሊጾም፤ ብካልእ መዳይ ከኣ ብመቅተልቲ ርእሰ ብሔር ነበር ሃገረ ጃፓን ሺንዞ ኣበ ጽንዓት ይሃብ ከምዝበሉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ብፁዕነቶም ምስ ቲጂ1 ዝበሃል ናይ ራይ ተለቪዥን ሃገረ ጣልያን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ እቲ ጉዳይ ብጣዕሚ ከቢድን ብዙሕ ሥራሕ ዘድልዮ ምዃኑ እኳ እንተዘይሓብኡ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ዕለታት ናብ ሃገረ ካናዳ ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ምስ ፈጸሙ ብዝቀልጠፈ ክገብርዎ ዝድለ ናብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ኡክራይና ክየቭ እንክኾን ናብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ሩስያ ሞስኮ ክበጽሑ እውን ሃረርታ ከምዘለዎም ኣይሓብኡን። ንእግረ መንገዶም ብመቅተልቲ ርእሰ ብሔር ነበር ሃገረ ጃፓን ሺንዞ ኣበ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግልጽ ናይ ጽንዓት ይሃብ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎ።

ር.ሊ.ጳ ዋላ ሓንቲ እውን ትኹን ምብጻሕ እንተፈጺሞም ኣዎንታዊ ውጽኢት ክርከቦ ከምዝከኣል ጽኑዕ እምነት ኣለዎም፤ ናብ ኡክራይና ክኸይድ እየ ይብሉ ኣለው ከማኡ ናብ ሃገረ ሩስያ ከይዶም ንመራሕቲ እታ ሃገር ኣብ መስኮ ክረኽቡ ዘለዎም ሃረርታ እውን ወትሩ ምስ ገልጹ እዮም ኢሎም።

ኣብ ኣገልግሎት ዜና ሃገረ ጣልያን ብዛዕባ ጒዳያት ቫቲካን ዝሰርሕ ኢግንጽዮ ኢንግራዎ ሕቶታቱን እንተታቱን ብምቅጻል ንብፁዕነቶም እዚ ምብጻሕ እዚ ግን ካብ ሓውጾቶ ኖልዎ ካንዳ ምስ ተመልሱ እዩ ማለት ድዩ ቢሉ ምስ ሓተቶም ‘እወ ካብ ካናዳ ምስ ተመልሱ እቲ ነዚ ክውን ንምግባር እነካይዶ መጽናዕታት ክጽዕቅ እዩ’ ቢሎም ምስ መለሱ ኣልግብ ኣቢሉ ከኣ ኣብ ወርሒ ነሓሰዶ ክንጽበ ንኽእል ምስ በሎም፤ ‘ምናልባት እዚ እውን ዝከኣል እዩ፤ ኩሉ ካብቲ ናብ ካናዳ ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ እዩ ዝውሰን፤ ብከመይ ከምዝፍጽምዎ ክንር ኢ ኢና ከመይ እቲ ናይ ሓውጾተ ኖልዎ ካናዳ መደባት ዕጽቅ ዝበለ፤ ብድሕሪኡ ከኣ ን ር እዮ’ እንክብሉ ኣብ ዝመጽ እ ወርሒ ነሐሰ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንከተማ ክየቭ ክበጽሑ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 Jul 2022, 18:19