ድለ

2022.07.03 La Messa del cardinale Pietro Parolin a Kinshasa (RD Congo) 2022.07.03 La Messa del cardinale Pietro Parolin a Kinshasa (RD Congo) 

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ደቡብ ሱዳን ‘ዘመነ ስቃይ ናይታ ሃገር የብቅዕ’

ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ንር.ሊ.ጳ ወኪሎም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዛዚሞም ብዕለት 4 ሓምለ እንክሰናበቱ ‘ንዕርቅን ስምምዕን ተኽእሎ ክርከብን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዚካየድ ምርጫ 2023 ብሰላም ኪካየድን በዓል ተስፋ እየ’ እንክብሉ ዘመነ ስቃይ ደቡብ ሱዳን ከብቅዕ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሳልቫ ኪርን ምክልት ቀዳማይ ሚኒስተር ርየክ ማቻርን ክራኸቡ ትጽቢት ከምዘሎ እውን ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ብፁዕነቶም ንቀዳማይ እብረ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዓወት ብምፍጻሞም ንዝተሰምዖም እንክገልጹ ‘ኣብ ዲሞክራስያዊት ኮንጎ ዝቀሰምክዎ ተመኲሮ ምሉእ ሓይሊ ሂቡኒ ብስም ር.ሊ.ጳ ንዝገብሮ ዘሎኹ ካልኣይ እብረ ደቡብ ሱዳን ነባሪ ሰላም ንምንጋስን ንዕርቅን ስምምዕን ተኽእሎ ክርከብን ነዚ ናይ ስቃይ ዘመን ደቡብ ሱዳን ዛዚምና ንዚመጽእ ዓመት 2023 ሓፈሻዊ ምርጫ ብሰላም ኪካየድን በዓል ተስፋ እየ’ ኢሎም።

ብፁዕነቶም ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ገጾም ኣብ ዝጐዓዙሉ ዝነበረ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ናይ ምስግጋር ግዜ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብዛዖባ ጽዑቅን ኣድካምን እኳ እንተነበረ በቲ ሕዝቢ ንር.ሊ.ጳ ዘርኣይዎ ፍቅርን ኣኽብሮትን እታ ብ ዓቢ ሃንቀውታ ትጽበዮ ዝነበረት ቤተክርስትያን ብስሞም ዘርኣየቶ ታሕጓስን ተቅባልን ፍሉይ መቀረትን ኣዎንታዊ መንፈስን ከምዘዕጠቆም ብምግላሽ ኣብ ደቡብ ሱዳን እውን ከማኡ ክቅበሎም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

መደባት ጁባ!

ብቀዳምነት ምስ ፕረሲደትን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ስዒቡ ድማ ምስ ቀዳማይ ምኽትል ፕረሲደንት ርየክ ማቻር ዘተ ከካይዱ፣ ኣማስያኡ ምስ ጳጳሳት ደቡብ ሱዳን ክራኸቡ መደብ ተሓንጺጹ ኣሎ፤ ዕለት 6 ሓምለ ኣብ በንትዩ ዝበሃል መዓስከር ክበጽሑን ምስቶም ብዙሕ ጸገማት ከምዘለዎም ዝንገረሎም ተፈናቀልቲ ቅሲሴ ከዕርጉ ምዃኖምን ኣባኡ ምስ ዘገልግሉ ወከልቲ ውድብ ሕብራት መንግሥታት ክራኸቡ መደብ ተሓንጺጹ ኣሎ፤ ዕለት 7 ሓምለት ብስም ቀዳማይ ፕረሲደትን እታ ሃርገ ነፍሰኄር ጆን ጋራንግ ዝተሰምየ ጐልጐል ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። ቅዱስነቶም ክቅድሱሉ ተመዲቡ ዝነበረ እዩ፤ ብድሕሪኡ ንመንበሪ ሓዋርያዊ ኑንስዮ ናይቲ ዓዲ ተመዲቡ ናይ ዘሎ ህንጻ እምኒ መሠረት ከንብሩን ምስ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ናይቲ ዓዲ ክራኸቡ ትጽቢት ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓዲ ካቶሊካዊ ዪኒቨርሲትን ማእከል ሕጻናት ኡስራቱናን ክበጽሑ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ከኣ ዕለት 8 ሓምለ ምሸት ነቂሎም ንጽባሒቱ ንሮማ ክምለሱ ይሕሰብ።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 July 2022, 21:02