ትሽዓተ ዓመት ይገብር ር.ሊ.ጳ ኣብ ላምፐዱሳ! ክትርሳዕ ዘይብላ ደሴት!
ዜና ቫቲካን!
ትሽዓተ ዓመት ድሕሪት ምልስ ኢልና ነቲ ኩነታት እንክንዝክር ቅዱስነቶም ማንም ዘይሓሰቦ ጉዳይ ንክገብሩ ላምፐዱሳ ክበጽሕ እየ! ምንም ዓይነት መሰነይታን ተቅባላትን ኣይደልን! ኣነን ባሕርን እቶም ኣባኡ ዘለው ግዳያት ስደትን በይንና ጉዳይ ኣሎና ኢሎም! ንበይኖም ናብቲ ባሕሪ ከይዶም ናይ ግሊ ጸሎቶም ኣዕሪጎም ስለ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ድሕሪ ጸልዮም ንዝኽሪ ሕቋፍ ዕምባባ ናብቲ ባሕሪ ክድርብዩን ስዒቡ ዘመሓላለፍዎ ንልቢ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ዘበለ ዝትንክፍ ‘ሓውካ ኣበይ ኣሎ’ እንክብሉ ነቲ ንዓለም ምሉእ ጐቢኡ ዝነበረ ሸለልትነት ዘወገዙሉ ቃላትን ቃናን ከም ስእሊ ሲነማ ይቅጀል።
ቅዱስነቶም ድሕሪ ሲመቶም መጀመርያ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ናብታ ሓንሳእ ምስ ወጹ ዘይተመልስዋ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ብወነስ ኣየርስ ዶ ይኸውን ወይስ ኣብ ካልእ ዓቢ ፍጻሜ እናተባህለ ብሃንደበት ናይ መጀመርያ ሓዋርያዊ ጒዕዞኦም ናብታ ዓለም ብዓለማ ረሲዓታ ዘላ ሕይወት ብዙሓት ዝቀዘፈትን ነቶም ንእስክላ ዝደሓኑ እትቅበልን ደሴት ላምፐዱሳ ገበሩ። እዛ ደሴት እዚኣ ኣብ መንጎ ክልተ ኣህጉር ዓለምና ማለት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ትርክብ ኰይና ገና ሎሚ እውን ዕለት ዕለት ብዙሓት ስደተኛታት ትቅበል ኣላ። ናይ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ትእምርቲ ኰይና ኣላ ክንብል ንኽእል። ብዙሓት እንክዝክርዋ ኣብ ልቦም ሸቅ ዘብል እሾኽ ኰይና ትስምዖም ከመይ እንተ ብቀጥታ እንተ በተዘዋዋሪ ስለእትትንክፍ።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ንዝኽሪ ኩሎም ሙታን ኢሎም ኣብ ኣረና ዝበሃል ሜዳ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ስብከቶም እንክጅምሩ ‘ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተናታት! እቲ ሞት ከኣ በቲ መንገዲ ተስፋ ክኾና ዝነበረን ናብ መንገዲ ጥፍኣት ዝተለወጣ ጀላቡ! እዚ ቅድሚ ዕለታት ንዜና ናይቶም ሕይወቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍአት ስደተኛታት ኣብ ሓደ ጋዜጣ ከንብብ እንከሎኹ ዝረኣኽዎ እዩ፣ ሓንሳእ ጥራይ ከይከውን ብዙሕ ግዜ ተደጋጊሞ፣ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ልበይ ከም በሊሕ እሾኽ ጸጸኒሑ ሸቅ የብለኒ፣ብማለት ዝተሰምዖም ይገልጹ እሞ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቅድሚ ኣምልኽ ክንሕተተሉ ምዃና በዘን ዝስዕባ ተረርቲ ቃላት ጻውዒት ኣቅሪቦም ነበሩ።
ሎሚ እውን እንተኾነ ሓሲሙ እምበር ኣይሓወየን። ገና ዕለት ዕለት ብኣማኢት ዝቊጸሩ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ሕይወቶም ይስእኑ ኣለው። ቅልውላው ሊብያን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን የመንን ሲርያን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘሎ ግጭታትን ዓጸቦን ውሕስነቱ ካብ ናይ ቅድሚ ትሽዓተ ብዝለዓለ መንግዲ ኣንቈልቊልሉ ኣብ ዘሎ ገና በተን ናይ ሞት መጋበሪ ዝበልወን ጃልባታት ይቅጽል ኣሎ። ኣብ ካሪታስ ናይ ሃገረ ጣልያን ንስደተኛት ዝድግፍ ክፍሊ ዘገልግል ኦሊቭየሪ ፎርቲ ከማኡ እውን ኣብ ኣስታሊ ዝበሃል ክፍሊ ከተማ ሮማ ንስደተኛታት ሓገዝ ኣብ ዘበርክት ብኢየሱሳውያን ዝመሓደር ሓላፊት ክፍሊ ርክባት ዶናተላ ፓሪዚ እዚ ጉዳይ እዚ ገና እናሓሰመን ቊጽሪ ስደተኛታት እናበዝሔን ይኸይድ ስለዘሎ እቲ ቅዱስነቶም ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ሓደራ ዝበልዎ ሎሚ እውን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ስለዘድሊ ዓለም ብዓለም ነዚ ቊስሊ እዚ ንክፍውስ ክተሓባበርን ዝተኻእሎ ከበርክትን ከምዘለዎ ይገልጹ። እቲኦም ግዳይ ስደት ኰይኖም እናረኣዩ ኣብ ሓደጋ ዚኣትው ካልእ ምርጫ እንተዝህልዎም ኣብዚ እምበይምወደቁን ዘጋጥሞም ሞትን ጥፍኣትን ምዝመዛን ምጒዳል ፍትሕን ካብቲ ዝሃድምዎ ጸገማት ከምዘይሓስም ኣሚኖም እዮም ነዚ ስጉምቲ ዝወስዱ ነዚ እታ እንኮ ፍታሕ ከኣ እታ ቅዱስነቶም ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ዘቅረብዋ ጻውዒት ሎሚ እውን እግዚአብሔር ንነፍስወከፍና እዚ ደሙ ናባይ ዘእዊ ዘሎ ሓውካ ኣበይ ኣሎ ይብለና ኣሎ እሞ ካብ መንገዲ ቃኤልን ሸለልትነትን የድሕነና፣ ከመይ ጽባሕ ኣብ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ስደተኛ ኰይነ ተቀቢልና ወይ ኣይተቀበልካንን ዝብል ናይ መወዳእታ ቃል ኢና ክንሰምዕ።