ድለ

2019.02.011 tutela del minore, abuso su minori, tratta di persone 2019.02.011 tutela del minore, abuso su minori, tratta di persone 

ንትሕቲ ዕድመ ዝግበር ምክልኻል ነባርን ምሉእን ኣድማዕን ይኹን! ቅድስት መንበር

ኣብ ቭየና ኣውስትርያ ዝመደበሩ ንትሕቲ ዕድመን ሕጻናትን ካብ ንግድ ደቂሰባትን ምዝመዛን ጭቆናን ንምክልኻል ዝቆመ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለምና ሎሚ ገኒኑ ዘሎ ንግድ ደቂሰባት ግዳይ ካብ ምዃን ንምክልኻል ብዝብል ተማ ሳልሳይ ጉባኤኡ እንከካይድ ተጻይ ንግድ ደቂሰባት ንዝቆመ ሕግታት ምሕዳስን ምትራርን ከማኡ ኣውን ንናብራ ሕጻናት ንምሕጋዝ ንስድራቤታት ሓገዝ ብምብርካትን ነዚ ዝሕግዝ ቅርዑይ ፖሎቲካዊ መምርሒታት ምሕንጻጽን ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ዘመንና ካብ ዝፈጠሮም ዓበይቲ ጸገማት ሓደ ነቲ ቀደም ቀደም ተሪፉ ዝበሃል ዘመነ ባርነት ብሓዲስ መልክዕ እንደገና ከምዝቅልቀል ብምግባር ብንግድ ደቂሰባት ዝፍለጥ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ንሰብ ጅሆ ሒዝካ ክንድዚ እንተዘይከፈልካ ካብ ዝብል ጀሚርካ ክሳብ ኣካላት ደቂሰባት ምንጋድን ባርነት ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ምዝመዛን ምናዳ ኸኣ ንሕጻናትን ደቂኣንስትዮን ብዙሕ ዘስካሕከሐን ዘዛረበን ናይ ዘመና ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ቭየና ዝመደበሩ ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ደቂሰባት ምናዳ ኸኣ ንትሕቲ ዕድመ ብዝምልከት ንመላእ ዓለም ዘገልግል ጨንፈር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓምለ 18 ‘ምክልኻል ግዳያት ንግድ ደቂሰባት’ ብዝብል ተማ ተዛትዩ። ኣብዚ ቤትጽሕፈት እዢ ቀዋሚ ተልእኮ ቅድስት መንበር ስለዘሎ ቅድስት መንበር እውን ኣብዚ ጉባኤ እዚ ሓሳባ ‘ትሕቲ ዕድመ ኣብቲ ተወሊዶም ዚዓብዩሉ ኣከባቢ ብሰላም ክነብሩሉ ዝኽእል ሃዋሁ ንምፍጣን ዝተኻእለ ኩሉ ክግበር ኣለዎ። ብቀንዱ ኣብ ክንክንን ሓለዋን ትሕቲ ዕድመ ዝዋስኡ ስድራቤታት ስለዝኾኑ ከምቲ ዓለምለኸ ውዑላትን ዞባዊ መምርሒታትን ቈጺርካ ዘይውዳእ ሃገራውያን ሕግታትን ሓደራ ዝብሎ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመን ጉዳይ ሕጻናትን ልዕሊኡ ምንም ዘየሎ ጉዳይ እዩ ይብሉ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ንሕጻናት ካብዚ ናይ ዘመና ባርነት እንብሎ ንግድ ደቂሰባት ዝከላኸል ዚኣክል ውሕስነት ኣይተገረን። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ደጋጊሞም ከምዝበልዎ ሓደ ሕጻን ነዛ ሩሑ ዝነብረላን ንመጻኢኡን ብምትእምማን ርእዩ ንክኽእል ሰላማዊ ዘመን ሕጻንነት የድልዮ ዝበልዎን፣ ነዚ ናይ ተስፋ ህርመት ልቢ ሕጻናት ዝቆጺ ወይልኡ ቢሎም ዘጠንቀቅዎን ንዘክር፣ እዚ ከኣ ኩሉ ኣብ ስድራቤት ስለዘመልክት ንስድራቤት ከነሐይል ስድራቤት ምስ ሓየለ ከኣ ንሕጻናትን ትሕቲ ዕድመን ክንዮ ስድራቤት ዝከላኸለሎምን ውሕስነት ዝህቦምን ከምዘየለ ንምልከት’ እንክብሉ ቅድስት መንበር ህልው ኩነታ ፖሎቲካን ፕሮግራማትን ዓለምና ናብ ስድራቤት ከተኩር እሞ ስድራቤት ደቆም ንክከላኸሉን ንክቅልቡን ዘድሊ መጋብሪ ክምዝረኽቡ ምውሓስ እዚ ከኣ፣ ሓገዝ ሓለዋ ጥዕና ክብሪ ሰብ ዝሓለወ መንበሪ ገዛን ትምህርትን ኲስኰሳን ምውሓስ የድሊ ኢሎም።

ቀዋሚ ኣባል ቅድስት መንበር ዘረባኦም ብምቅጻል ነቲ ኣብ ወረቀት ጥራይ ሰፊሩ በብግዜኡ ብዓለምለኻውን ሃገራውን ደረጃ ዝእወጁ ሕግታትን ስምምዓትን እንኮላይ እቲ ብተደጋጋሚ ዝቀርብ ንንግድ ደቂሰባት ዘወግዝን ዝቃወምን ሕጊ ከይተረፈ ዳግመ ግምት ክግበረሉን ክሕደስን እዚ ምስ ዝግበር ንትሕቲ ዕድመ ካብ ጾታዊ ዓመጽስ ይኹን ምዝመዛ ጒልበታዊ ስራሕ ከናግፍ ይኽእል በዚ ከኣ እቲ ዝግበር ምክልኻል ነባርን ምሉእን ኣድማዕን ይኸውን ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ዘዛኻኸርዎ ብሓፈሻ ንግድ ደቂሰባት ዓመጽ ትሕቲ ዕድመ ምዝመዛ እናበልካ ይዝረብ እንተኾነ ኣበይ ኣበይ ከምዝኾነ ምጽናዑን ኣብቲ ጸገም ዘለዎ ቦታ ጭቡጥ ተግባር ምፍጻምን ከምዘድሊ እንከዘኻኽሩ ከኣ ብቀንዱ ውግእን ውግእ ዘስዕቦ ጸገማትን እንክምልከት ሳዕቤን ውግእን ካልእ ጸገማት ዓለምና ዝኾነ ከኣ ጒዕዞ ስደት ስለዝኾነ ነዚ ከድካን ቈጺርካን ዘይውዳእ መተሓላለፊ ስደተኛታት ምምልካት ከምዘድሊ ጽጹይ መጽናዕቲ ገርካ ከኣ ዘድሊ ስጉምታት ምውሳድ የድሊ ምስ እንተ ንግዳይ ናይዚ ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ምሕጋዝ ግን እዞም ትሕቲ ዕድመ እዚኦም ኣብቲ ተወሊዶም ዚዓበዩሉ ኣከባቢ ምስ ስድራኦም ኮይኖም ክነብሩሉን ብሰላም ዝጐዓዙሉን መንገዲ ንምምሃዝ ዝመስሎ የልቦን እንክብሉ መርገጺ ቅድስት መንበር ብምስማር ስድራቤት ከም ስድራቤት መጠን ዘይገሓስ መሰል ወላዲ ስለዘለዎም ንሕጻናት ክንዮኦም ዝሓልፈሎምን ዝሕለቀሎምን ክህሉ ስለዘይክእል ቀዳሞት ተዋሳእቲ ኣብ ሓገዝን ምክልኻልን ሕጻናትን ትሕቲ ዕድመን ኰይኖም ንክርከቡ ፖሎቲካዊ መምርሕስ ይኹን ዓለምለኸን ሃገራውን ሕግታት ንስድራቤት ክሕግዙ ሓደራ ብማለት ቃሎም ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 July 2022, 02:31