ድለ

2022.07.03 Angelus 2022.07.03 Angelus  (Vatican Media)

ቅድስት መንበር ምስ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዝቃዶ ሓዲስ ፖሎቲካ ምውፋር ርእሰ ማል ተተኣታቱ!

ናይ ቅድስት መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ወፍቲ ርእሰ ማል ቊጠባ ብዝምልከት ካብ ዝመጽእ ባሕቲ መስከረም ጀሚሩ ሓዲስ ኣሃዳዊ መምርሒ ከምዝጅመር ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ። እዚ መምርሒ እዚ ነቲ ቅድስት መንበር ንጥፈታታት ንምክያድ ዘድልያ ገንዘብ እተረኽበሉ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ብዝኽተል መንገዲ ወፍሪ ርእሰ ማል ምክያድ ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝተቀበሉሉ ዕለት ጀሚሮም ሕዳሴን ምምሕያሽን ክግበረሎም ብቀዳምነት ውራይ ቢሎም ዝተተሓሓዝዎ ጉዳይ ቊጠባ ነበረ። ንመጀመርያ ዝቆመ ፍሉይ ቤትጽሕፈት እውን ቤትጽሕፈት ቊጠባ ነበረ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ምስ ጋዜጠኛታት መክሲኮ ኣብ ዝገበርዎ ቃለምልልስ ዝገለጽዎ ከኣ እቲ ቀንዲ ጸገም ብክኢላታት ቊጠባ ዘይኮነ ብሕያዎት ውሉደ ክህነት ይመሓደር ብምንባሩ እቶም እንዶ ቊጠባ ዘይብሎም ውሉደ ክህነት ከኣ ይሕግዙና እዮም ንዝበልዎም ብዓርከይ ዓርክኻ ብደገ ሓገዝ ይሓቱን ብውሽጢ ግን ዘድሊ ቊጽጽር ንምግባር ዓቅሚ ከምዘይነበረ ብምግላጽ ነዚ ጸገምዚ ንምፍታሕ ብቀዳምነት ጉዳይ ቊጠባ ቅድስት መንበር ብክኢላታት ንክምራሕ ሕዳሴ ክግበሮ ግድነት ስለዝነበረ ብምሕደራ ፍሉይ ክእለት ንዝነበሮም ብፁዕ ካርዲናል ፐል ካብ ኣውስትራልያ ጸዊዖም ቤትጽሕፈት ኣቊሞም ዕቱብ መምርሒ ብምሃብ ነቲ ዘጸግም ዝነበረ ዕንቅፋታት ንምእላይ ነዊሕ ጒዕዞ ከምዝተገብረን ኣብዚ ሕጂ ኣብ ዝተኣማምን ደረጃ ከምዝበጽሔ ገሊጾም ነበሩ። እዚ ጒዕዞ ትሽዓተ ዓመት ምስ መመላእታ ግን ክንደይ ውረድ ደይብ ክንደይ ዕንቅፋትን ክሳብ ማእሰርትን ዝተጠናነገ ጸለመን ውንጀላን ከምዝሓለፈ ገና ገሊኡ ጉዳያት ኣብ ፍሉይ ቤትፍርዲ ቅድስት መንበር ይምርመር ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ዝተገልጸ እዩ።

ቤተክርስትያን ብምጽዋት ደኣ ትንበር እንበር ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ምሕደራን ተልእኮን ገንዘብ ከምዘድልያን ርእሳ እትኽእለሉ መንገዲ ብምንዳይ ከከም ግዜኡ ካብቲ ዝተሓተ ሕርሻን ሸቀጣ ሸቀጥን ጀሚራ ብዓቅማ ምስ ግዜ ንክትጐዓዝ ከም ባንኪ ቫቲካን ዝፍለት ዮር ዝበሃል ንተግባራት እምነት ዘገልግል ተቊዋም ሠሪታ እንክትጐዓዝ እዚ ተቊዋም እዚ እውን ካብቲ ቅዱስነቶም ዝበልዎ ጸገም ብቅዓት ቊጠባዊ ምሕደራን ኣፍልጦን ብዙሕ ሓርጎጽጎጽ ሓሊፉ እዩ።

ዓለምና ሎሚ ምውፋር ርእሰ ማል ቀንዲ ምንጪ እቶት ገሩ ኣብ ንግዲ ገንዘብ ክትብሎ ዘድፍር ኣብ ሸርፍን ናይ ዕለት ዕለት ምንቅስቃስ ቊጠባ ዓለምን ዝተመሥረተ ሥርዓተ ቊጠባ ኣተኣታትዩ ገለን ዝኸስብ ገለን ዝኸስር እናኾነ ከም ቀንዲ ምንጪ ኣታዊታት ይጥቀመሉ ኣሎ። ቤተርክስትያን እውን ምስ ግዜ ብምጒዕዝ ርእሳ ክትክእል ንእትገብሮ ጻዕሪ ሓደ ስጒሚ ንቅድሚት ብምድፋእ ነዚ ዘመናዊ ምህዞ እዚ ክትጥቀም ግድን እዩ። ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ንዝብል መልሲ ንምሃብ ከኣ ኣብ መንጎ መንፈሳውን ንዋታውን ዓለም ንዘሎ ህላዌ ምእመናና መምርሒ ንምሃብን ምስ ዓለም ኣብ ምውሳእ ኣቊዋማ እትገልጸሉን ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዝብል ብእንግሊዘኛ ሶሻል ዶክትሪን ዝበሃል ኣብ ማሕበረሰብስ ይኹን ኣብ ፖሎቲካ ከማኡ እውን ኣብ ቊጠባ ንጹር ትምህርቲ ኣስፊራ ስለዘላ ቅድስት መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ብቊጠባ ርእሶም ክኢሎም ዝንቀሳቀሱሉ ኣብዚ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዝተመርኰሰ ምውፋር ርእሰ ማል ብምጥቃብ በቲ ዝተረኽበ መኽሰብ ግድነታቶም ክሽፍኑ ዝእዝዝ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ ኣላ። እቲ ወፍሪ ነተን መሠረታውያን መሰላት ደቂሰባት እንብለን ጥዕና ሕይወትን ክብሪ ደቂሰባት ሓባራዊ ሠናይ ነገርን ዘይጻረር ክኸውን ከምዘለዎ ብምስማር ኣልማዕን ኣፋራይን ኣብ ዝኾነ ወፍሪ ብምትኳር ካብቲ እስፐኩለይሽን ዝብልዎ ብሓሳብ ጥራይ ዝካየድ ወፍሪ ክቊጠቡ ተዘኻኽር። እዚ ወፍሪ እዚ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት በቲ ሓዲስ ቤትጽሕፈት ቊጠባ ንፈተነ ተጀሚሩስ ኣብቲ ንጉዳያት እምነት ንምሕጋዝ ዝቆመ ብዮር ዝፍለጥ ተቊዋም ወይውን ብዙሓት ከምዝብልዎ ባንኪ ቫቲካን ብስም እቲ ንብረት ቅድስት መንበር ዝቆጻጸር ኣስፓ ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ማሕበር ግዝያዊ ናይ ቊጠባ ሕሳብ ብስም እቲ ቤትጽሕፈት ብምኽፋት ኣብዚ ዝተጠቅሰ ወፍሪ ብምሥራሕ ኣዕጋቢ ውጽኢት ስለዝረኸበሉ ነቲ ሕዳሴ መላእ ቤተክርስትያን ብሕልፊ ኣብ ምሕደራ ቅድስት መንበር ዝነጥፍን የማናይ ኢድ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኑ ብምኽሪ ዝሕግዝ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ብዝተፈላለዩ ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ዝቆመ ትካል ንምሕዳስ ተባሂሉ ንትሽዓተ ዓመት ምስ መመላእታ ዝተሰርሓሉን ዝሓለፈ ጰራቅሊጦስ ተኣዊጁ ኣብ በዓለ ጴጥሮሰ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሓዋርያዊ ኣዋጅ ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ብዝእዝዞ ዝቆመ ንምውፋር ርእሰ ማል ዝቆመ ግዝያዊ ኮሚቴ ክምራሕ እዩ። እዚ ኮሚቴ እዚ በቲ ንብረት ቅድስት መበርን ሃገረ ቫቲካንን ዘመሓድር ብኣፕሳ ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ተማኺሩ በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ መምርሒታትት ቤተክርስትያን ተቀይዱ ኣብ ምንታይ ገንዘቦም ከዋፍሩ ከምዘለዎም ኣብ ምምራጽስ ይኹን ኩለን ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስት መንበር ዘለወን ርእሰ ማል ብምትእምማን ኣብዚ ወፍሪ እዚ ከሳትፋን ዝመክር እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ ቤትጽሕፈት ቊጠባ ቅድስት መንበር ዘመልከቶ ካልእ ጉዳይ እዛ ኮሜቴ ትመሓደረሉ ቅዋም እውን ምስ ዝርዝር መምርሒታቱ ዕላዊ ከምዝኾነ ዕዮ ገዛ ናይታ ኮሚቴ ከኣ ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ነዚ መምርሒ ኣብ ግብሪ ተውዕል ዝብልን ንምውፋር ርእሰ ማል እትመርጾ መንገድታት ምንጻርን ኩሉ ከምቲ ዝድለ ከምዝሰርሕን ኣድማዕነት ክህልዎ ውሕስነት ምንዳይን ምዃኑ ሓቢሩ። ምስዚ መምርሒ እዚ ብዝሰማማዕ መንገዲ ከኣ ከምቲ ቅዋም ዘመልክቶ እዛ ኮሚቴ እዚኣ ነቲ ብኣፕሳ ዝፍለጥ ተሓዝ ንብረትን ተቆጻጸሪ ንብረትን ቅድስት መንበር ዝኾነ ዝህቦ ተልእኮ ከነጽርን ከሕደስን ንኩሉ ኩሉ ንተቆጻጻሪ ከቅርብ ትሒዝ ምዃኑ የመልክት። ነቲ ኮሚቴ ውሽጣዊ ቊጽጽር ዘካይድ ሓላፊ ብዋና ሓላፊ ቤትጽሕፈት ቊጠባ ቅድስት መንበር ከምዝሽየምን እዚ ሥራሕዚ ከኣ ንግሉጽነት ናይቲ ስራሕን ጽቡቅ ምሕደራ ንብረትን ፈተነ ግላዊ ረብሓን ሓደጋን ዝቆጻጸር ኰይኑ ውሕስነት ዝሕሉ ምዃኑ እውን ተመልኪቱ። ነቲ ኮሚቴ ዝቆጻጸርን ኣብ ልዕሊኡ ልዑል ሓላፍነት ዘለዎን ቤትጽሕፈት ቊጠባ ቅድስት መንበር ምዃኑ እንክምልከት ብዛዕባ ንጥፈታቱ ዓመታዊ ጸብጻብ ንቤትምኽሪ ቊጠባ ክህብ እውን ትሑዝ ምዃኑ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።    

ብድምጺ ንምክትታል!
21 July 2022, 02:03