ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኪንሻሳ ይቅድሱ፣ (ሰላም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ክምለስ ንምነ።)

ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ኣብ ኪንሻሳ ዋና ከተማ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምቅዳስ፣ ካብ መንጎ ደቂ ኮንጎ ምክፍፋልን ሻርነትን ጠፊኡ ኩሎም ምእንቲ ሰላም ክሰርሑ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን!

ብምኽንያት ኩነታት ጥዕና ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝተናውሐ ሓውጾተ ኖልዎ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ከም መታካእታ ቅዱስነቶም ኣብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ዕለታት ቅዳሴ ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ሰንበት ዕለት 3 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ብዙሕ ሕዝቢ ኣብ ዝተረኽበሉ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ እንክምልከት፣ ብፁዕነቶም  ኣብቲ ኣብ ከተማ ኪንሻሻ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት “ስስዔ ኣብ ቁሳዊ ነገራትን ህርፋን ገንዘብን፣ ጎነጻዊ ሓይሊ ምርጋጥ ኣፍደገታት ሰላም መሪሕነትን፣ መጥቃዕቲ ኣብ መሰል ሕዝብታትን፣ ሰላም ኣብ መሬት ደቂ ኮንጎን፣ ኣብቲ ናይ ቅድምኩም ተመሊስኩም ናይ ኣሕዋት ሕይወት ከምእትደልዩን ከም እትምስርቱን ይግበርኩም።” እንክብሉ ሠናይ ምንዮቶም ብምግላጽ ስፍሕ ዝበለ ኣስተንትኖ ኣቅሪቦም።

ማዕረ ከባቢ 100,000 ዝኾኑ ምእመናን ደቂ ኮንጎ ኣብ ዝተሳፉሉ ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ብተመሳሳሊ ሓሳብ ቅዳሴ ኣዕረጉ። ካርዲናል ፓሮሊን ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ምስ ሕዝቢ ዲሞክራስያዊት ኮንጎን ኣብ ሽግሮም ምስኦም ከም ዘለዉ መልእኽቲ ብምሕላፍ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ክበጽሑ መዲቦሞ ዝነበሩ ንኻልእ ግዜ ብሰንኪ ናይ ብርኪ ቃንዛ ከምዘመሓላለፍዎ ሓበሩ። ብፁዕነቶም ኣብ ቅርዓት ፓርላማ ብኣቡናትን፣ ካህናትን መጀመርያ ቁርባን ክገብሩ ብዝተሰናደዉ ሕጻናትን ተዓጂቦም ድሙቅ ተቅባል ተገብረሎም።

ብፁዕነቶም ኣብ መንበረ ታቦት ብዘደንቅ ሊጡርግያዊ ሙዚቃ ተዓጂቦም ቀረቡ። ስብከት ክጅምሩ ከለዉ “ሰላም፣ ሕውነት፣ ሓጎስ” ብዝብላ ቃላት ፈረንሳይ ፈለሙ። ቀጺሎም “ኣብ ቅድሜና ተስፋታትን ሕልምታትን እቶም ክንረኽቦም እንደልዮም ኣለዉ።” ብምባል “እንተኾነ ግን ኣብዚ ዘይርጉእን ናይ ግጭትን ግዜ እንሓልፈሉ ዘሎና እዋን ኢና ዘለና ኢሎም። እዚ ከኣ ተስፋን መብጽዓን መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ምልኣት ክንደሊ ከለና፣ ብውሽጣና እንረኽቦ ኢዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ደለይቲ/ተመነይቲ ሰላም ጌሩ ኢዩ ፈጢሩና። ነዚ ካብ ምምናይን ንሰላም ካብ ምድላይን ዓዲ ክንውዕል የብልናን።

ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊካዊት ኮንጎ እትነብሩ ሕዝቢ፣ ኣዝዩ ከቢድ ግዜ ተሕልፉ ከምዘሎኹም ርዱእ ኮይኑ ካብዚ ከኣ ስእነት ስራሕ፣ ምብካል ኣየር፣ ከምኡ’ውን ብምስራቃዊ ወገን እታ ሃገር ዘሎ ሓያል ዝኾነ ዓመጽን ሞትን ቅትለትን ኮይኑ፣ በዚ መሰረት ንኹሎም ደቂ ኮንጎ ዝተማሕጸንዎ፣ ፈጺሞም ኢዶም ክህቡን ተስፋ ክቆርጹን ከምዘይብሎም ኣተሓሳሲቦም።

“ናይ ሎሚ ፈተና፣ ንጸገማት ኣብ ቅድሚ ክውንነት ኢድካ ምሃብን፣ ንገዛእ ርእስኻ ካብ ክውንነት ምርሓቅን፣ ብፍላይ ከኣ ብዘይ ግንዛበ ካብ ሓላፍነትካ ምህዳምን፣ ኣደዳ ኮይንካ ምትራፍን፣ ንካልኦት ውሑዳት ጾር ገዲፍካሎም በይኖም ፍታሕ ከምጽኡ ምግዳፍ ኣይግባእን።” ኢሎም።

ቀጺሎም ካርዲናል ፓሮሊን ዝበልዎ፣ ኣብ ክንዳኡስ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይዓዪ ኣሎ” ንኹሉ ስምዒት በይናውነትን፣ ትካዘን፣ ሓዘንን ንጎድኒ ክንገድፍ  ይሕግዘና። “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኩልና ንመጻኢ ገጽና ክንጥምት ኢዩ ዝጽውዓና፣ ንኹሉ መንፈስ ሻርነት ብምስዓርን` ንኹሉ ምክፍፋል ዓሊታውነትን ክንሰግር ይጽውዓና።” ኢሎም።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንዝኾነ ፈተና ክንስዕር ይሕግዘና ኢዩ፣ ምኽንያቱ ንሱ ካባና ርሑቅ ኣይኮነን፣ ምሳና ኢዩ ዝጎዓዝ። ስጉምታቱ ድምጺ ዝበሃል የብሉን፣ እንተኾነ ግን ጎደናታት/መንገድታት ይኸፍት። ናብቲ መብጽዓታት ሰላምን ርግኣትን ገጹ ኢዩ ዝስሕበና።” ኣብ ምስራቃዊ ከባቢ ዲሞክራያዊት ኮንጎ ሰላም ተነፊጉ ኣሎ። ኣብዚ ከባብ እዚ “ሰላም ብቀጻሊ   ምዝመዛን ዝምታን ረብሓ ሃገር ብዕጡቃት ጉጅለታት ተዘሪጉ ኣሎ” ኢሎም።

ካርዲናል ፓሮሊን ብተወሳኺ ዝበልዎ፣ ህርፋን ሃብትን ቁሳዊ ነገራትን ጽምኢ ገንዘብን ስልጣንን ብምቅዳም ኣፍ ደገታት ሰላም ብምዕጻው መሰል ደቅሰባት ምጥቃዕን ምርጋጽ ኢዩ እቲ ጸገም ኢሎም።

ኣብዚ ከምዚ ኩነታት ካርዲናል ፖሮሊን ከም ዘተሓሳሰብዎ፣ ኢየሱስ ብቀጻሊ ሓዋርያቱ ኢዩ ዝሰደልና፣ ተመሳሳሊ ቃላት ክደግሙና ምእንቲ፣ “ሰላም ነዛ ቤት ይኹን! ክብሉና። ሰላም ንደቂ ኮንጎ ይኹን፣ ኣብቲ ሕውነታዊ ባይታ ንመለስ” ብምባል ልባዊ ማዕዳ ለገሱ።

ብድሕር’ዚ እቶም ካርዲናል ንኹሎም ክርስትያን ነቲ ዓብላሊ ቁጽሪ ሕዝቢ ዲሞክራስያዊት ኮንጎ ዝውክል ብምጽዋዕ፣ ምስ መራሕቶም ሓቢሮም ንሰላም ክሰርሑ ኣተሓሳሰቡ። ነዛ ብጽባቄ ተፈጥሮ ዝተባረኸት ዓባይ ዓዲ፣ ልዕሊ ኩሉ ግን ብሃብቲ ኣብ ከርሳ ብዘሎ ሕዝቢ ንዝተባረኸት ሃገር ብሓብር ክሰርሑ ጸዊዖም። ካርዲናል ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ቅዱስ ኣቦና ምስቲ ሕዝቢ ብመንፈስ ቀረባ ምስኦም ከምዘለዎ ሓቢሮም ስብከቶም ዛዘሙ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
04 July 2022, 17:48