ድለ

2022.07.03 Il cardinale Pietro Parolin incontra le Congregazioni religiose di Kinshasa 2022.07.03 Il cardinale Pietro Parolin incontra le Congregazioni religiose di Kinshasa 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኪንሻሳ ምስ ድኻታት ከምዝተራኸቡ 'ካብ ሞት ናብ ሕይወት ኢኹም ሓሊፍኩም'።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ኣብ ዲሞርክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ምብጻሕ፡ ደጊሞም ዝበልዎ ናይ ቅዱስ ኣቦና መንፈስ ቅርበትን ሓልዮትን ምስ ኣካላት ውፉይ ሕይወትን ምስቶም ዝሕግዝዎም ድኻታትን ከምዝኾነ ኣረጋገጹሎም። ኣብ ርክቦም ብፁዕነቶም፡ ነቶም ተሳተፍቲ ንስኻትኩም መርትዖ እቲ ዘይውዳእ ፍቅሪ ኣምላኽ ኢኹም ኢሎም።

ኣብቲ ዝቀረበ ምስክርነት ብቀዳምነት ምስክርነተን ዘቅረባ ደናግል ቅዱስ ልቢ ኮይነን፥ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ መዓልቲ ቀዳም ስዑር፡  ሓደ ጉይ ዝበሃል ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ገዝአን ደቂሱ ረኸብኦ። እቲ ዝረኸብኦ ሰብ መላእ ሰብነቱ ብቁማልን ቁስልን ተሸፊኑ ነበረ። ወለዱ ኣብ ጎደና ክነብር ዝዳረግዎ መንእሰይ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ብምኽንያት ናይ ጥንቆላ መንፈስ ብምኽሳስ ኮይኑ፡ ክልተ ኣሕዋቱ ኣብ መንጎ ውሑዳት መዓልታት ስለዝሞቱ ኢዩ። ጉይ ክሳብ ፈርሱ ዝወጽእ ተኸትኪቱን ማይ ውዑይ ከኣ ፈሲስዎን ኢዩ። ኣብዚ ሕጂ ግዜ ጉይ ናይ ቋንቋ ፈረንሳይ መምህር ንመንእሰያት ኮይኑ፡ ወትሩ ከኣ ወለዱ ካብቲ ሕማቅ መንፈስ ክልወጡ ይጽሊ ኣሎ።

ታሪኽ ምንጻልን ስቃይን

ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ጉይ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ኣብ ሓዋርያዊ ኑንስያቱር ኪንሻሳ፡ ምስ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምስቶም ዝሕግዝዎምን ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ኣብ ገጹ ፍሽኽታ ዓሲልዎ ይርአ ነበረ።

ኣብቲ ረፋድ ኣብ ዋና ከተማ ኪንሻሳ ብብፁዕ ካርድናል ፓሮሊን ንዝተገብረ መስዋዕተ ቅዳሴ ስዒቡ፡ ብፁዕ ካርዲናል ነዚ መስዋዕቲ ቅዳሴ ንድኻታትን ንዝሓመሙን፡ ከምኡ’ ውን ቅዱስ ኣቦና ንዓበይቲ ኣቦታትን ኣደታትን፡ ሕጻናትን፡ በይነን ዝነብራ ኣደታትን፡ ሰብ ሓዳርን፡ መንእሰያትን፡ ኮታ ኩሎም ኣብ ተመኩሮ ስቃይ ንዘለዉ፡ ቀረባ ብመንፈስ ምስኦም ከምዘለዉን ኣብ ዝኽሮም ከምዘለዉን መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ካብ ሓዘን ናብ ሓጎስ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን እዞም ሰባት እዚኦም ከማና ደቅሰብ ኢዮም ብምባል “ካብ ሞት ናይ ሕይወት ዝተሳገሩ ኢዮም” እንክብሉ፡ ምስኦም ሕውነታዊ  ፍሽኽታን ሰላምታ ኣእዳው ብምግባር፡ ንኹሎም ኣብ ዓረብያ ዝተደነሱ ቡራኬን ፍቅርን ለጊሶም። ናይዚ ግብረ መልሲ ከኣ ምስጋናን፡ ጥዑም ዜማታትን፡ ኣብ ክሳዶም ወይናይ መቁጸርያ ፍሉይ ናይ ህንዳውያን ህያብ ብደናግል ሰብ ውፉይ ሕይወት ተለገሰሎም።

ታሪኽ ኣገልግሎት ንድኻታት

ከም ክፋል ርክብ ምስ ብፁዕነቶም፡ ወከልቲ ኩሎም ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣብ ዝተረኽቡሉ ነፍስ ወከፎም ታሪኽ ሕይወት  ኣገልግሎቶም መስከሩ።

እናቴ ማርያ ቺመነ፡ ኣባል ማሕበር ደቂ ቅዱስ ዮሴፍ በዓል ጀኖኒ፡ ካብተን ኣቀዲመን ዝተዛረባ ኮይና ማሕበራ ንኹሉ ሓገዝ ዝደሊ ብኸምይ ከምዝቀበላን ከምዝገልግላን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጎደናታት ንዝነብሩ ሕጻናት፡ ብኣጸዋዕዔን “ደቂ እግዚኣብሔር ኣምላኽ” ከም ዘገልግላ መስከራ።

ብመንፈስ ጥንቆላ ንዝተኸሱ ምሕጋዝ

ብተመሳሳሊ ኣብ ምሕጋዝን ምክንኻንን ኣብ ጎደና ንዝቅመጡ ዝሕግዛ ካልእ ማሕበር፡ ደናግል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ኢየን። እዘን ማሕበር እዘአን ነቶም ብመንፈስ ጥንቆላ ንዝተኸሱን ዝሕመዩን ዝከናኸናን ኢየን። በዚ መሰረት ሓደ ማእከል (ተለማ ዝበሃል) ከፊተን ይርከባ፡ እንካብ እዚኣቶም፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ጉይ ዝቅመጠሉ ቦታ ኢዩ።

ኣብ ርእሲ እዞም ዝጠቀስናዮም ካልኦት ሰብ ውፉይ ሕይወት’ውን ናቶም ኣበርክቶን እጃምን ኣወፍዮም ኢዮም። ንኣብነት ካብ ዝተጥቅሱ፡ ደናግል ሓገዝቲ ድኻታት ኮይነን ን46 ዓመታት ንድኻታት ከም ዘገልገላን፡ ብፍልይ ዝበለ ከኣ ዓጸቦ ንዘለዎም ቆልዑን፡ ዘኽታማትን፡ መጽለሊ ንዘይብሎምን፡ ኣረገውትን ይሕግዛ።

ካልኦት ንኣግልግሎት ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝተወፈያን ምስክርነት ዝሃባን ከኣ ሚስዮናውያን ፍቅሪ ኢየን። እዚ ማሕበር እዚ ብ1987 ብማዘር ተረዛ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ተኸፊቱ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ኢዩ። እዘን ደናግል እዚኣተን ናይ ኣገልግሎተን ነጸብራቅ ንዝኾነ ወዲ 18 ዓመት ኣብ ጎደናታት ዕራቁ ብኣቁሳል ተሸፊኑ ዝንቀስቀስ ዝነበረን ኣዝዩ ቁጡዕ ባህርይ ዝነብሮን፡ ሕጂ ግን ብኹሉ ሓውዩ፡ ኣብ ቤቱ ተመሊሱ ዝቅመጥ ዘሎን፡ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ሙዚቃ ዝሃርምን፡ ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ተዋፊሩ ዘሎን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክምርዖ መደብ ምስ ዘለዎ ኣላልየንኦም። ብፁዕ ካርዲናል ነዚ ዝተባህለ መንእሰይ’ውን ብኣካል ረኺቦም ሰላምታ ከምዝተለዋወጡን ከምዝባርኽዎን ተገብረ።

ብተወሳኺ ኣብ ተጸምዶ ኣገልግሎት ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብዚ ከባቢ ዝሰርሑ፡ ማሕበር ቅዱስ ኢጂድዮ ኮይኖም ምስ ሕሙማት ኤይድስ ከምዝነጥፉን ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 1,700 ምስ ኤይድስን፡ ስእነት መግብን፡ ደም ብዝሕን፡ ሕማም ሽኮርን፡ ዓሶን ብነጻ ከምዝተሓከሙን ከምዝሓገዙን መስከሩ።

ኣብ መጨረሻ በዚ ምስክርነትን ኣገልግሎን ድኻታትን ብምምሳጥ ብፁዕ ካርዲናል ልቦም ብምትንካፍ፡ ብተራኦም ኣብ ገጾም ብዘንጸባርቅ ስምዒታት ክምልሱ ከለዉ፡ ንኹሉ ዝተዋህበ ምስክርነትን ኣገልግሎትን ናብ ቅዱስ ኣቦና ከምዘቅረቡሎም ተመባጽዑ። ኣብ መዛዘሚ ዘቅረብዎ ደምዳሚ ቃላት፡ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ስለ ኩሉ ምስክርነትኩምን ኣገልግሎትኩምን ተመስግነኩምን ነዚ ብትብዓት ክትቅጽልዎ ሓደራ ትብለኩምን። ቀጺሎም ብፁዕነቶም “ኣብ መዓልታዊ ሕይወትኩም፡ ፍቅሪ ብኸመይ እተፍቅሩን፡ ብኸመይ እትህብዋን፡ ከይተመቅለትን ከይጎደለትን፡ እንታይ ደኣ እናተራብሔት እትዓቢ ፍቅሪ ኢኹም ወፊኹም።” ብምባል ኣተባቢዖምን ኣመስጊኖምን።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 July 2022, 21:06