ድለ

2022.07.02 Il cardinale Segretario di Stato, Pietro Parolin, a Kinshasa per il viaggio in RD Congo e Sud Sudan 2022.07.02 Il cardinale Segretario di Stato, Pietro Parolin, a Kinshasa per il viaggio in RD Congo e Sud Sudan 

ዲሞክርስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን፡ ካቶሎካዊት ቤተ ክርስትያንን ምስ ምብጻሕ ልዑል ካርዲናል ፓሮሊን ናይ ስምምዕ ፈርማ ይፍርሙ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዲኣርሲ ኣብ ዝበጽሑሉን ምስ ላዕለዎት ኣካላት ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ኣብ ዝተራኸቡሉ፡ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ንሕጋዊ ኣከያይዳን ናይ ቤተ ክርስትያን እጃምን ብዝርኢ ፈርማኦም ኣቀሚጦም፡ እዚ ከኣ ኣብ ጽላት ጥዕናን፡ ፋይናንስን፡ ሓዋርያዊ ሓልዮትን፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዘተኩረ ስምምዕ ኢዩ።

በዚ መሰረት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዲኣርሲ ነዛ  ዕለት እዚኣ፡ ማለት ሓምለ 2 ከም “ታሪኻት ዕለት” ክዝክራ ኢያ።

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል  ፓሮሊን ብስም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኪንሻ ኣብ ዝበጽሑሉ ዘለዉ እዋን፡ ካቶሊካዊ ጉባኤ ጳጳሳት ኮንጎ፡ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር 5ተ ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ስምምዕ ክታም ከቲሞም። እዚ ማለት ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዕሊ ኣፍልጦ ሂቦማ ኣለዉ፡ ምኽንያቱ ቅድሚኡ ተመዝጊባትሉ ዝነበረት ኩነት ከም መኽሰብ/ትርፊ ዘይብላ ማሕበር ኢያ ተመስጊባ ኔራ።

እዚ ጽንብል እዚ ከኣ ቀዳም ብፁዕ ካርዲናል ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ድሕሪ ናይ ብሕቲ ርክብ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ናይታ ሃገር (ጀን ሚካኤል ሳማ ሉኮንደ ስዒቡ  ዝተገረ ኢዩ።

ብቅድሚ እዚ ብ2016 ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ዲርስን ዝተገብረ መጻውር ስምምዕ ኔሩ ኢዩ።

እቲ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ብሚንስተራት ወጻኢ ጉዳይን፡ ብናይ ትምህርቲ ሚኒስተርን ኮይኑ ብወገን ቤተ ክርስትያን ከኣ ብዋና ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ኮንጎ ሊቀ ጳጳሳ ማርሰል ኡተማ ታፓ፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘነጻጸረ ኔሩ።

ናይታ ሃገር ቀዳምይ ሚኒስተር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ እዚ መስርሕ እዚ ካብ 2016 ጀምሩ ብ2019 ወግዓዊ ናይ ውዕል ፈርማ ዝተነብረሉን፡ ብ2020 ከኣ ኣብ ትግብረ ክውዕል ዝጸደቀሉን ኔሩ፡ እንተኾነ ግን እዚ መጻውር ስምምዕ ብምልኣት ኣብ ትግባረ ኣይወዓለን። ኣብ ዝሓለፈ ሰኔ ከኣ ብቀዳማይ ምኒስተር ሳማ ሉኮንደ ኣብ ትግባረ ክውዕልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከኣ ወግዓዊት ኣካል ዲአርሲ ከምዝኾነት ኣፍልጦ ረኸበት።

እዚ መስርሕ እዚ ከኣ ፍረ ቀጻሊ ዘተን ተጸምዶ ጉባኤ ጳጳሳት ዲአርሲን ወኪል ሓዋርያ ር.ሊ.ጳጳሳትን መራሕቲ መንግስትን ዝተረኽበ ናይ ሓባር ጥምረት ኢዩ። እዚ ሓባራዊ ጥምረት ከኣ 5ተ (ሓሙሽተ) ንጹራት ስምምዓት ምሕደራ ኣብ መቃን ሃይማኖታዊ ትካላት ዘነጻጸረ ኢዩ፡ እዚ ማለት ኣብ ጽላት ትምህርትን፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ፍቅሪ ኣገልግሎታትን፡ ሓዋርያዊ ኣገልግሎታትን ናይ ሕክምማ ትካላትን፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ርስትን ዘነጻጸረ ስምምዕ ኢዩ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
05 July 2022, 21:11