ድለ

2022.07.07 La Messa del cardinale Pietro Parolin a Juba, in Sud Sudan 2022.07.07 La Messa del cardinale Pietro Parolin a Juba, in Sud Sudan 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣትዮም! ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ልቦም ኣሎኹም፡ ወትሩ ከኣ ንሰላም ይጽልዩ!

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ኣብ ረፋድ ሰሉስ ኣትዮም፡ እዚ ከኣ ካልኣይ ዕላማ ምብጻሕ ድሕሪ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኢዩ።

ዜና ቫቲካን

ኩሎም ተጓዓዝቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ እታ ኣየር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጁባ ክትዓልብ ኣብ እተቀራረበሉ ህሞት፡ ድሙቅ ተቅባል ዝግበረሉ ዘሎ ኣካል መን ኢዩ እናበሉ እጸናተዉ ነበሩ።  እታ ኣየር ገና ኣብ መሬት ከይዓለበት ከላ ህርመት ከበሮ ንጎማንን ናይ ኣእጋር ረምታን፡ ኣደታት ደቡብ ሱዳን ዘስምዖዖ ዝነብራ እልልታ ብቋንቋኦም “ዛግሮታህ” ኣዝዩ መሳጢ ነበረ። ብፁዕነቶም ብመስኮት እታ ነፋሪት እናጠመቱ “ከመይ ዝኣመሰለ ተቅባል ኢዩ” እናበሉ ገና ከይዓለቡ ተመሰጡ።

እቲ ኩነታት ኣቀባብላ ኣዝዩ ደስ ዘብል ነበረ። ኣብቲ ምርር ዝበለ ጽሓይ ረፋድ ዝነበረ ክሊማ፡ ካርዲናል ካብታ ነፈራት ኣብ ዝወረዱሉ ብዕንባባን ብባህላዊ ኣዕናቁ ዝተሸለመ ሓብል ኣብ ክሳዶም ብምውዳይ ተቀበልዎም። ካብቶም ዝተቀበልዎም ብፁዕ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ሁበርቱስ ማቲው ማሪያ ቫን መጋንን፡ ካርዲናል ገብርኤል ዙበር፡ ልሂቅ ልቀ ጳጳስ ካርቱምን፡ ከምኡ’ውን ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ጻዕዳ ቀሚሽ ዝለበሱ ኣቡናትን ተቀበልዎም።

ድሙቅ ተቅባል ካብ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስትያን ደቡብ ሱዳንን

እቲ ዝነበረ ድሙቅ ሙዚቃን ሆጭታ ሕዝብን፡ ሰላምታ ንኽለዋወጡ እኳ ዕድል ዝህብ ኣይነበረን። እዚ ከምዚ ኢሎ ከሎ ግን፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንሰበልጣን እታ ሃገር ንጀነራል ኩዎል ማንያንግ ጁኩን፡ ንፕረሲደንት ሳልቫ ኪር ወኪሉ ኣብ  መዕርፎ ነፈርቲ ዝተረኽበ ሓጺር ሰላምታ ክለዋወጡ ከኣሉ። ምስ ክቡር ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝራኸቡሉ ግዜ ድሕሪ ቀትሪ መደብ ተታሒዙ ነበረ፡ ከምኡ’ውን ምስ ምኽትል ፕረሲደንት ሪክ ማቻርን ጉባኤ ጳጳሳት ደቡብ ሱዳንን መደብ ተታሒዙ ነበረ።

ሰላምታ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን

“ኣብዚ ምሳኻትኩም ምህላወይን፡ ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ምሳኻቱኩም ሓቢረ፡ ቅዳሴ ክንቅድስን፡ ክጽልን፡ ሕዝቢ ሰላም ክብልን ድምጾም ክሰምዕን፡ ነዚ ኩሉ ከኣ ብስም ቅዱስ ኣቦና  ፍራንቸስኮስ ኮይነ ኣብዚ ምስኻም ምህላወይ ደስ ይብለኒ።” ኢሎም። ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ኣብ ልቦም፡ ምስኦም ብቀረባ ኣብ ሓሳቦም ኣሎኹም። ቀጺሎም ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክምዝበልዎ “ብፍልይ ከኣ ብዛዕባ ሰላምን ዕርቅን ደቡብ ሱዳን፡ ንዕኡ ስዒቡ ከኣ ዕቤትን ጽቡቅ ርክብን ክስስን ብምምናይ - ንዝገበርኩምልና ተቅባል ብዙሕ የመስግን ክብሉ ዘረባኦም ደምደሙ።

ቀጺሎም ቃሎም ዘስምዑ - ክቡር ጀነራል ማንያንግ ጁክ “ጁባ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ትብለኩም” “ሰላም እመጽእ ኣሎ” ክብሉ ተቀበልዎም።

ኣዝዩ ሕሉፍ ድኽነት

ብድሕርዚ ብፁዕ ካርዲናል ናብ መንበሪ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ጁባ ከም ግዜያዊ ናይ ክራይ ገዛ ኣምርሑ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ እምነ መሰረት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ከንብሩ ኢዩም። ካብዚ ቀጺሎም ኣብ ጂፕ ዝዓይነታ መኪና ታሳፊሮም ነቲ ከባቢ ቃነዩ፡ ምኽንያቱ ከኣ ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋምን ሓጎጽጎጽ ዝበዝሖ መንገድታት ጁባ ቀዪሕ ሓመዱ እንተለገበካ እኳ ዘይለቅቅ ንምስናይ ዝተገብረ ምርጫ ኢዩ። ኣብቲ ጉዕዞ ነዊሕ ከይተጓዕዙ ንድኽነት እቲ ሃገር ቀልጢፎም ተዓዘቡ። ብፁዕ ካርዲናል ነዞም ብሓለንጊ ድኽነትን ዘይርጉእ ኩነታት ብሰንኪ ንዓመታት ዝቀጸለ ውግእን ዓመጽን ዝተበደሉን ዝሳቀዩን ሕዝቢ፡ ሓልዮትን ብቀረባ ድምጾም ክንሰምዑ ተረኽቡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 July 2022, 14:21