‘ሓድሽ መንበሪ ቤት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ’ ኣብ ጁባ፡ ምልክት ፍቅሪ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ደቡብ ሱዳን ኢዩ።
ዜና ቫቲካን
እቲ ሓድሽ መንበሪ ሓዋጺ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሰሜናዊ ከተማ ጁባ ክኸውን ኢዩ፡ ኣብ ዝርጋሔ ሓምላይ ለምዒ ንዘርኣ ክህነት ስዒቡ ብጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ዝተመጠወ ቦታ ክህሉ ኢዩ። እዚ ህያብ ኣምላኽ ኢዩ፡ ንርክብ ደቡብ ሱዳንን ቅድስቲ መንበርን ዘራኽብ ድልድል ከኣ ኢዩ፡ ልዕሊ ኩሉ እዚ ቦታ ኣነጺሩ ዝምስክሮ ግን “ፍቅሪ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት” ነዛ ሃገር ብቅልጡፍ ክበጽሕዋ ንዘለዎም ዘርኢ ፍቅሪ ኢዩ።
ኣብቲ ሓሙስ ዝነበረ ጽንብል፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ሲቪላውያን ሰበስልጣንን፡ ካርዲናል ፓሮሊን ንእምነ መስረት እቲ ሕናጻ ብስነ ጥበበኛ ፓስኳለ ጋንዶሊፊ ካብ በርጋሞ ዓዲ ጣልያን ንዝተነድፈ ባረኹ።
እቲ ሃዋህው ጽንብል
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓዋርያዊ ሓዋጺ ቅድስቲ መንበር ኣብ ጁባ ብግሊ ኣብ ዝውነን ሕንጻ፡ ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ኣብ ዝተኣትወ ውዕል ኢዩ ዘሎ።
ምሕያል ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦናን ዘቤታዊት ቤተ ክርስትያንን
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊኒን፡ ተራ ሓዋጼ ቅድስቲ መንበር እንክገልጹ፡ ኣብ መንጎ ጳጳሳትን ቅዱስ ኣቦናን ንዘሎ ምትእስሳር ምሕያል ኢዩ፡ ንርክባት ብምሕያልን ንተጸምዶ ሰላም ብምውፋይን፡ ዕቤትን፡ ሰላምን ንድሕነትን ክንክንን እቲ ሕዝቢ ይሰርሕ ኢሎም ። ቀጺሎም ብፁዕነቶም ነቶም ኣብቲ ጽንብል ዝተረኽቡ፡ እዚ ሕንጻ ተወዲኡ ኣብ መዓላ ክውዕል ንጸሊ ኢሎም።
ቤት ጸሎት
ወኪል ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ሊቀ ጳጳስ ሁበርት ማትዩስ ማርያ ቫን መጋን ኣብ ደቡብ ሱዳን ኮይኖም ምቅማጦም ግን ኣብ ናይሮቢ ዝኾኑ፡ ብዛዕባ እዛ ታሪኻዊ ዕለት ቃሎም ኣስምዑ። እቲ ዝተመነናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓሉ ሓልዮት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኢዩ፡ ከምቲ ንሶም ዝበልዎ፡ ኣብዚ ወሰን ከተማ ጁባ ስለዝሓበረና ነመስግኖ ኢሎም፡ እዚ ቦታ እዚ ምልክት መንግስተ ሰማይ ኣብ ማእከል ከተማ ጁባ ክኸውን ኢዩ ኢሎም። እዚ ቦታ እዚ ዲፕሊማሲያዊ ጉዳያት ዝውክል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ቤት እግዚኣብሔር ኣምላኽ’ውን ክኸውን ኢዩ። ኣብዚ ዝቅመጡን ኣብዚ ዝሰርሑን ብፍሉይ ኣገባብ ንሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጸሎት ክጽመዱ ኢዮም ኢሎም።
ንሶም ወሲኾም ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ተራ ኑንስዮ፡ እቶም ኣባላት ንርእሰ ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ክርስቶስ ከምዝሕግዙን ነቶም ወኪል ጎይታ ኮይኖም ዝዓዩ ር.ሊ.ጳጳስት ከምዝሕግዙን ከምዝሓብሩን ዝገብሩን ሰንሰለታዊ ታሪኻዊ ጥምረት ፍቅሪ ዝሕልዉን ዘዕብዩን ኮይኖም በዚ ከኣ እዚ ዝኽፈት ዘሎ ቤት ጽሕፈት ወኪል ጳጳስ መግለጺ ዓለም ለኻዊ ፍቅሪ ንሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ይኹን። ከምኡ’ውን መግለጺ ፍቅሪ ር,ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ይኹን።
ወኪል መንግስቲ ደቡብ ሱዳን
ኣብቲ ጽንብል ንሃገራዊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ወኪሉ ቃሉ ዘስምዔ፡ ባርናባስ ማሪያል በንጃሚን፡ ንሱ ንፕረሲደንታዊ ጉዳያት ዝሓሊ ሚንስተር ኮይኑ፡ ኣስሚሩ ዝተዛረበሉ ጉዳይ ላዕለዋይ መራሒ ሃገር ነዚ ስራሕ ይምጉስ፡ እዚ ከኣ ንርክብን ምስትሕብባርን ሃገርን ቤተ ክርስትያንን ደቡብ ሱዳን ኣጸቢቁ ዘራጉድ ኢዩ ኢሎም።
ካብ ቅዱስ ማዕጾ ዝተወስደ ሕጡብ
ድሕሪ ንባብ ወንጌል ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ብጥርሙስ ዝተሰርሔ ሳንዱቅ ብጻዕዳን ብጫን ባንዴራ ቫቲካን ንዝተሸፈነ ከፈትዎ፡ እዚ ከኣ ነቲ እምነ መሰረት እቲ ሕንጻ ንምብራኽ ኢዩ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ መስትያት ሳንዱቅ ኣብ ምዝዛም ኢዮቤል 2000፡ ኣብቲ ቅዱስ ማዕጾ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ተዓጽዩ ዝነበረ ሕጡብ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ብቅዱስ ር.ሊ,ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝተኣወጀ ኢዩ። እዚ ሕጡብ ጸኒሑ ካብቲ ቅዱስ ማዕጾ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብ2016 ንኢዮቤልዩ ዓመት ምሕረት ምስ ከፈትዎ ዝተወስደ ኢዩ።