ድለ

2022.07.01 ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን 2022.07.01 ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን 

ፓሮሊን፥ ቅርበትን ፍቕርን ር.ሊ.ጳ. ናብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ከብጽሕ ክብሪ ይስምዓኒ

“ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ከይደ ነቶም ህዝብታት ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍቕርን ቅርበትን ከብጽሕን ኵነታት ምስ ፈቐደ ብፍላይ ኵነታት ጥዕናኦም ምስ ፈቐደ ድማ ቅዱስ ኣቦና ባዕሎም ነዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ከም ዝፍጽምዎ ንቶም ህዝብታት ንኸረረጋግጽ ብስሞም ክለኣኽ ክብሪ እዩ ዝስምዓኒ”

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ንር.ሊ.ጳ. ወኪሎም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ እዮም። ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ። ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 2 – 7 ሓምለ ኣብተን ክልተ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ከካይድዎ ዝነበሮም ሓዋርያዊ ምገሻ ድሕሪ ምድንጓዩ ክሳዕ ሽዑ ምስቶም ፍቑራት ኮንጐኣውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዎም ንምርግጋጽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ኪንሻሳን ጁባን ከም ዝለኣኹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ከይደ ነቶም ህዝብታት ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍቕርን ቅርበትን ከብጽሕን ኵነታት ምስ ፈቐደ ብፍላይ ኵነታት ጥዕናኦም ምስ ፈቐደ ድማ ቅዱስ ኣቦና ባዕሎም ነዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ከም ዝፍጽምዎ ንቶም ህዝብታት ንኸረረጋግጽ ብስሞም ክለኣኽ ክብሪ እዩ ዝስምዓኒ” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 1 ሓምለ ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ምንቃሎም ኣብ ዛሃብዎ መግለጺ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንር.ሊ.ጳ. ዝውክል ምብጻሕ

ቅዱስነቶም ነቲ እቶም ሓኻይም ዘቕረብዎ ሕቶ ብምቕባል ውጽኢት ናይቲ ገና ዝግበረሎም ዘሎ ሕክምና ብርኪ ምእንቲ ከይፈሽል ነቲ መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ካብ ዕለት 2 – 7 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ኣብተን ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ከካይድዎ ዝነበሮም ሓዋርያዊ መገሻ ከም እተናወሐን መዓዝ ከካይድዎ ገና ዚግለጽ ኮይኑ፡ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንቕዱስነቶም ወኪሎም ፍቕርን ቅርበትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ንኸረጋገጹ ድሮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ መገሻኦም ምስ ናይ ስኮትላንድ ፕረስቢተራዊት ቤተ ክርስቲያን ሓፈሻዊ ባይቶ ኣወሃሃዲ ያይን ግሪንሻይልድስን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ወልባይን ብሓባር ከካይድዎ መደብ ከም ዝነበሮም ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፡ ቅዱስነቶም እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ኵነታት ጥዕናኦም ምስ ዝፈቅድ ከካይድዎ ምዃኖም እውን የመላኽት።

ኣብ እምነት ንምትብባዕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ህዝብታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን “ኣብ እምነቶምን ብክርስቲያዊ ምስክርነቶም ንቕድሚት ክስጒሙ ንምትብባዕ” ክበጽሕዎም ምዃኖም ተመባጺዖም እዮም፡ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ተናዊሑ ማለት ተሰሪዙ ማለት ከም ዘይኮነን ብስም ቅዱስነቶም ነዚ ምብጻሕ እዚ ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ሰበ ስልጣናትን ብፍላይ ምስታ ኣብተን ሃገራት እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ጳጳሳትን ካህናትን ክራኸቡ እዮም።

ዝርዝር መደባት ናይዚ ምብጻሕ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 3 ሓምለ ኣብ ኪንሻሳ ከምኡ እውን ዕለት 7 ሓምለ ኣብ ጁባ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። በተን ኣብተን ክልተ ሃገራት ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓርያዊ ልኡካን መሰረት ድማ ዝተፈላለዩ መደባት ርክባቶም ከም እተሰናደወን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ መረበቶም ምስ እተመዛበሉ ናብ ዝእለይሉ ኣብ በንቲዩ ናብ ዝርከብ ማእከል ኣብ ኡዝራቱና ናብ ዝርከብ መእለዪ ኣካለ ስንኵላን ህጻናትን ክበጽሑን፡ ኣብ ኪንሻሳ ዕለት 2 ሓምለ ምስ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ መራሔ መንግስቲ ፈሊክስ ሺሰኬዱ ከም እተራኸቡን ዕለት 3 ሓምለ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉሉ ተወሲኑ ዝነበረ ኣብ ቅርዓት ናይታ ሃገር ናይ ህዝባዊ ባይቶ ህንጻ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጒ እዮም፡ ምስተን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ናይ ዝተፈላለየ ማሕበራት ደናግል ኣባላት ኪራኸቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕለት 4 ሓምለ ናብ ደቡብ ሱዳን ክነቕሉን ኣብ ጁባ ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ድቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ማያርዲት ምስ ቀዳማይ ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪየክ ማቻርን ክራኸቡን ድሕሪ ቀትሪ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ክራኸቡ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 5 ሓምለ ብጹዕነቶም በንቲዩ ኣብ ዝርከብ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ዜጋታት ዝርከብሉ መእለዪ ማእከል ምብጻሕ ከካይዱን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ልኡካን ምስ ኣመሓደርቲ ዞባታት ክራኸቡ እዮም። ዕለት 7 ሓምለ ኣብ መናፈሻ ጆን ጋራንግ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጒን ኣብ ጁባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንዝስራሕ ሓድሽ ሕንጻ መሰረተ እምን ከንብሩን ክባርኹን እዮም ምስ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ኣባላት ማሕበር ደናግልን ክራኸቡን ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ምብጻሕ ከካይዱን ኣስዒቦም ኣብ ኡስራቱና ኣብ ዝርከብ መእለዪ ኣካለ ስንኵላን ቈልዑ ክበጽሑ ምዃኖም ሓቢሩ ዕለት 8 ሓምለ ድሕሪ ቐትሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞን ንምምላሶም ናብ ኢጣሊያ ክነቕሉን ዕለት 9 ሓምለ ሮማ ክኣትዉ መደብ ከም ዘለዎም ኣፍሊጡ።

02 July 2022, 15:35