ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ጁባ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ፡ ‘ውግእን ብልሽውናን ሰላም ከምጽኡ ኣይክእሉ'
ዜና ቫቲካን
ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ንኹሉ ናይ ክፍኣት ኣጽዋር ኣውሪዱ ብናይ ሕድገት መንፈስ ክትክእን፡ ንኹሉ ናይ ዓመጽ መንፈስ ብፍቅሪ ከዝሕል፡ ንብልሽውና ብመንፈስ ህድኣት ዓቅልን ክከላኸል፡ ምኽንያቱ ከኣ ክፍኣት ብናይዚ ዓለም ኣጽዋር ኣይሰዓርን፡ ሰላም ከኣ ብውግእ ፈጺሙ ኣይርከብን ኢሎም።
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፡ ነዚ ምሕጽንታ ኣብ ጁባ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መናፈሻ ጆን ማውሶሉም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኢዩ። ዝናም ኣብ ዝዘንበሉ ዝነበረ ግዜ፡ ብፁዕ ካርዲናል ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቡራኬ ኣብ ደቡብ ሱዳን ለመኑ፡ ነታ ሃገር ከምዚ ይብልዋ፡ ‘ብኹሉ ባህርያዊ ትሕዝቶን ትኽሎታትን ሃብታም ኢያ’ በቲ ካልእ መዳዩ ከኣ “መንፈስ ዓመጽ ዘንጸላለዋ” ኢያ ኢሎም።
“ድሕሪ ሕጂ ፍጹም ሞትን ቅትለትን ኣይሃሉ፡ ድሕሪ ሕጂ ቅትለት ኣሕዋት ኣይሃሉ፡ ድሕሪ ሕጂ ውግእ ዝበሃል ኣይሃሉ።”
ክቡር ርእሰ ብሔር ሃገረ ደቡብ ሱዳን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም
ክቡር ርእሰ ብሔር ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ኣብ ግዜ ቅዳሴ ኣብቲ ቀዳማይ መስመር ኮይኖም ቅዳሴ ተሳተፉ። ቀዳማይ ምኽትል ርእሰ ብሔር ሪክ ማቻር’ውን ኣብ ጎድኒ ርእሰ ብሔር ተቀሚጡ ነበረ። ኣብታ ቀቅድሚ መወዳእታ መዓልቲ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ምብጽሑ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቶም ኣስታት 15,000 ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተሳተፉ ሕዝቢ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ንስኹም ኣርዑት ጭቆናን ድኽነትን ዝኸበደኩም” እናበሉ ቃላት ነቢይ ኢሳይያስ እንደገሙ “እንተኾነ ግን ብሓርነት ክትሕጎሱ እትደልዩ’ ኢኹም ኢሎሞም።
ምዕሩግ ሓዋህው
መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተፈጸመሉ ቦታ፡ ኣብ መናፈሻ ጆን ጋራንግ ማውሶሉም፡ እዚ ከኣ ንዝኽርን ክብርን ንናጽነት ኣሕዛብ ዝተቃለሰ መራሒ ሰውራ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተወፈየ ቦታ ኢዩ።
ሕብርታት ባንዴራ ደቡብ ሱዳን (ጻዕዳ፡ ቀዪሕ፡ ቀጠልያን ብጫን) ነቲ መንበረ ታቦት ከቢብዎ ነበረ። ዝናምን መስታ በርቅን ነጎዳን ንፋስን፡ ንመንፈስ እቶም ጥራሕ እግሮም ዝዝምሩን ዝስዕስዑን ዝዝምሩን ዝነበሩ መንእሰያት ደው ከብሎም ኣይከኣለን።
ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ኩሎም ኣቡናት ደቡብ ሱዳን ተሳተፉ። ኣብቲ ቀዳምይ መስመር ከኣ ኣንግሊካንን፡ ፔንተኮስታልን፡ ወንጌላውያንን፡ ናይ ካልኦት ክርስትያን ማሕበራትን ነበሩ፡ እዚኣቶም ቅድሚ ቅዳሴ ኩሎም ምስ ብፁዕ ካርዲናል ብግሊ ተራኺቦም ኢዮም።
ንክፉእ ብኽፉእ ኣይትመልሱ
ብጹዕ ካርዲናል ኣብ ቅድሚ ህላዌ ኩሎም ናይ ደቡብ ሱዳን ሕዝቢ፡ ንብድሆታቶምን ጸገማቶምን ብምግንዛብ ኣብ መጻኢ ገጾም ክጥምቱ ኣስተንተኑ። ኣብ ቅድሚኦም ንዘሎ መንገዲ እናሓበሩ፡ ወንጌላዊ መንገዲ ካብቲ ካልእ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ዝህብ ኢዩ፡ እዚ ከኣ “ንኽፉእ ብኽፉእ ዘይምምላስ።” ኢዩ።
“ሕነ ምፍዳይ ኣወግዱ፡ ወትሩ ኣብ ፍቅሪ ተጸመዱን ይቅረ በሃልቲ ኩኑ።” ብፁዕ ካርዲናል ንሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ንዓመታት ብውግእ ሕድሕድ ንዝቆሰለ ልቦም፡ ነዚ ምሕጽንታ ኣቅረቡ። “ሥጋዊ ባርያትና ብብዙሕ መዳያቱ ንሕማቅ ነገራት ክንምልስ ኢዩ ዝደፋፍኣና፣” እንተኾነ ግን ክርስቶስ ገዛእ ርእስና ክንከፍት ይዕድመና “ናብ ትብዓት ፍቅሪ” ገጹ ይጽውዓና። መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዕድመና ፍቅሪ “ኣብ ስነ ኣእምሮ ዓይኒ ንዓይኒ፡ ስኒ ንስኒ ኣብ ዝብል ዝተኣስረ ኣይኮነን፣ ንክፉእ ከኣ ብምብቃል ዝምልስ ኣይኮነን፡ ንግጭት ከኣ ብዓመጽ ኣይምልስን ኢሎም።
እንተኾነ እዚ ማለት ልኡማት፡ ሰለባ ዓመጽን ሽግርን ምዃን ወይ ድኹማትን ኣደዳ ዓመጽ ምዃን ማለት ኣይኮነን። ኣብ መንጽሩ ንኹሉ ክፍኣት ዘበለ ምእላይን፡ ንዓመጽ ምኹናን፡ ንጭቆና ምክልኻልን ኢዩ።”
ርክብ ምስ ሃገራዊ ሓገግቲ ኣካላት
ድሌት ሰላም ኣብ ረፋድ ሓሙስ፡ ምስ ኣካላት ዳግም ንምሕዳስ መሰጋገሪ ሓጋጊ ኣካል ዝተጋብኡ ብተደጋጋሚ ይግለጽ ነበረ።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሮቡዕ ምሸት ኣብ ጉባኤ እታ ሃገር ንኽሳተፉ ዕድመ ተቀበሉ።
“እቲ ዕድመ ምስ መጸኒ ብቅልጡፍ ኢየ ተቀቢለዮ፡ እዚ ከኣ ብዛዕባ ዲሞክራስያዊ ኣከያይድኻኩም የንቅሓካ።”
ብፁዕ ካርዲናል ንኣባላት እቶም ፓርላማ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ “ንስኻትኩም ወከልቲ ሕዝቢን ረብሓታቱን ኢኹም። እቲ ሕዝቢ ዝሓቶ ዘሎ ከኣ “ፍትሕን፡ ነጻነትን፡ ብልጽግናን ኢዩ ኢሎም”
ዘተ ምስ ኤኮሚኒካዊ ሓለፍቲ ማሕበር ኣብያተ ክርስትያን
ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሩ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ወከልቲ ማሕበር ኣብያተ ክርስትያን ብምርኻብ 3ተ ምኽርታት ለጊሶም።
እታ ቀዳመይቲ፡ “ነቲ ንብሕቱ መልሲ ናይ ኩሉ ትጽቢታትናን ድሌታትን ሕልሚ ሕዝብን፡ ንዝኾነ ክርስቶስ ስበኹ።
ብድሕርዚ ምንም እኳ ፍልልይ እንተሎ ኣብ ሓድነት ኣተኩሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ዘቅረብዎ ምሕጽንታ “ሕዝቢ ንዝደልዮ ፍትሕን ሰላምን ምዕባለን ርዓሙ በልዎም።