ድለ

2020.01.08 Foto Rosarno 2020.01.08 Foto Rosarno 

ንስደተኛታት ሰፊሕ ምክልኻል ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ!

ንስደተኛታት ዝሓሊ ክፍሊ ቅድስቲ መንበር፡ ኣብታ ናይ ቀረባ ሕታም መጽሔቱ፡ ኣብ ምትብባዕ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ፡ ዋላ’ኳ ኣንጻር ባርነት ዝብል ሕጊ እንተሎ፡ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ብቀጻሊ ኢዮም ዝምዝመዙ። እዛ መጽሔት ኣስሚራ እትዛረበሉ ኩነት፡ ኣብ መላእ ዓለምና ካቶሊካዊ ተቅዋማት ዘካይድኦ ፕሮጀክታት ንስደተኛታት ክብሮም ክሕልዋ የስምረሉ።

ዜና ቫቲካን

ንስደተኛታት ዝሓሊ ክፍሊ ቅዱስ መንበር፡ ኩሎም ስደተኛታ ኪኖ ናይ ስደት መንነቶም፡ መሰሎም ኣብ ስራሕ ክኽበር ከምዘለዎ ኣስሚርሉ። 

ኣብዚ ቀረባ ግዜያት ኣብ ሓምለ ዝወጸ ሕታሙ ዝገልጾ “ምንም እኳ ንባርነት ዝቋወም ሕጊ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት እንተሎ፡ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ናይ መዝመዝቲ ኣስራሕትን፡ ናይ ደላሎን ከተርትን ግዳያት ኮይኖም ኢዮም።

ብተወሳኺ ዘስምረሉ ኩነት፡ ለበዳ ኮቪድ “ነቶም ኣቀዲሞም ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ምዝመዛ ንዝነበሩ፡ ናብቲ ዝተሓተ ዝጉድኡሉ ደረጃ ኣውሪድዎም ኣሎ።” ይብል።

ኣብ ቅድመ ግንባር ዝዋስኡ ካቶሊካውያን  

እዛ መጽሔት እትሕብሮ ካብ ምጅማር መሪሕነት እዚ ዘሎ ጳጳሳዊ ምሕደራ፡ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ንኩነት ንግዳዊ ጭውያ ደቅሰብ ኣብ ማእከል ትምህርተ መለኮታዊ ዓንቀጾም ጌሮሞ ኢዮም። ብተወሳኺ ዘስምረሉ፡ ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካዊ ሰብኣዊ ትካላትን ነዚ ጉዳይ ኣብ ቅድመ ግንባር ክሰርዖ ከምዘለዎ ኢዩ።

ኣብቲ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣንጻር ንግዲ ጭውያ ደቅሰብ፡ ጸሎትን ንቅሓትን ኣብ 2022፡ ዓለምለኻዊ ካሪታስ ንኹሎም ኣባላቱ ዓዲሙ ኣንጻር እዚ ገበን ክጽዕሩ ጸዊዑ ኔሩ።

ብተወሳኺ ዝተዋህበ ምሕጽንታ፡ ኩሎም ኣመሓደርቲ ሃገራት “ንምክልኻልን ምሕጋዝን  ኣገልግሎታት፡ ንግዳያት ንግዳዊ ጭውያ ምሕያልን ከምኡ’ውን ኣንጻር ጠለፍቲ ዝኾኑ መደባት ከዋድዱ ኣለዎም ኢሎም።

እታ መጽሔት ኣነጺራ እትገልጾ፡ ኣብ መንጎ እቶም ትክላት፡ ኣንጻር ሓለንጊ ሰብኣዊ ምጥላፍ ዝሓበሩ ከምዘለዉን፡ ንኣብነት ንስደተኛ ሰራሕተኛታት ኣብ ተልዕኮ ዝተዋፈረ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝማእከሉ ኮይኑ፡ እዚ ትካል እዚ ንልዕሊ 380,000 ዘቤታውያን ሰራሕተኛታት ተራድኦ ይገብር።

ኣብ ሃገረ ዛምብያ ዝርከባ ደናግል’ውን ኣንጻር ሰብኣዊ ንግዳዊ ጭቅያ ይጣበቃ፡ ነዚ ከኣ ናይ ረድዮ ዝርርብ ብምእንጋድን፡ ዓውዲ ዘተ ብምግባርን ናይ ንቅሓት ርድኢት የበርኻ፡ እዚ ከኣ ኣብ ዙርያ እዚ ዘሎ ስቅታ ኣብ ቅርጽታትን ተቋማትን ነዚ ገበናት ዓቂቡ ንዘሎ ኩነታት ምእንቲ ክውዳእ ይሰርሓ።።

ከምኡ’ውን ኣውስትራልያዊ ካቶሊካዊ ኣንጻር ባርነት ዝነጥፍ ስርዓተ መርበብ (ኣካን) ከኣ ካልእ ጥርናፈ ንካቶሊካውያን ኣካላት ፈልዩ ንዘመናዊ ባርነትን ስግኣታቱን ፈልዩ ኣብ ዕዮታቶም ዝሕግዞምን ሰንሰለታዊ ንጥፈታት ዝዕንግልን ኢዩ።

ምስክርነታትት

እዚ ኩነታት ምእንቲ ክኽሻሕን ኣፍልጦ ክበርኽን ምእንቲ፡  ብርክት ዝበሉ  ተብዓት ሰባት፡ ብታሪኽ ሰብኣዊ ምጥላፍ ዝሓለፉን ናይ ኣስራሕቲ ምዝመዛ ኣደራዕ ወሪድዎም ግዳይ ዝኾኑ፡ ታሪኽ ሕይወቶም ዘካፍሉ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብ ተልዕኮ ዝዓዩ ማሕበር ቅዱስ ኮሉባን ኣብ መጽሔቶም፡ ታሪኽ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፍ ኢንዶነዥያዊ ኣስኩሪ ጸብጻብ ኣቅሪቡ ኣሎ። ኣስኩሪ ብኣካልን ብቃልን ተገፊዑ ኢዩ፡ እዚ ከኣ ኣብቲ ቃልዕ ባሕሪ ክሳብ 20 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ይሰርሕ ነበረ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኩሉ ደሞዙ ናብ ስራሕ ዝደልዩ ናይ ድለላ ትካላትን፡ ስራሕ ክረክብ ኣብ ዝሓገዝዎን ንመግብን መደቀስን ጠፊኡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ሂስንቹ  ናይ ስደተኛታት ተራድኦ ኣገልግሎት ማእከል ክሕገዝ ተገይሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 July 2022, 17:02