ድለ

ካርዲናል ሳንድሪ፥ “እቲ ካብ ምስራቕ ዚምጽእ ንፋስ ውግእ ፍርሂ የዕቢ ኣሎ” ካርዲናል ሳንድሪ፥ “እቲ ካብ ምስራቕ ዚምጽእ ንፋስ ውግእ ፍርሂ የዕቢ ኣሎ” 

ካርዲናል ሳንድሪ፥ “እቲ ካብ ምስራቕ ዚምጽእ ንፋስ ውግእ ፍርሂ የዕቢ ኣሎ”

ካርዲናል ሳንድሪ ድሕሪ ዝተቐበልዎ ናይ ክብሪ ማዕርግ ሊቕነት ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “እቲ ካብ ምብራቕ ዚነፍስ ዘሎ ንፋስ ውግእ ነቲ ኣብዚ ዓመታት እዚ ዘሎ ዘይምርግጋእን ቝጠባዊ ቅልላውን ከም ዜዛየዶ ፍርሂ እውን ክዓብይ ከም ዝገበረን

ናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ምስቶም ናይታ ኣብ ሮማያ ናይ እትርከብ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ንኽራኸቡ ኣብ ሮማንያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉን ብጹዕነቶም ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ካብ መንበረ ጥበብ ባበሽ - ቦልያ ብቲዮሎጊያ ናይ ክብሪ ሊቕነት ማዕርግ ከም እተቐበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ዕለት 1 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ክሉጅ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብናይ ክሉጅ ገርላ ኤጳርቅና ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ክላውዲኡ ሊቺያን ፖፕ ብናይ መላእ ኣብ ሮማንያ ናይ እትርከብ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክርስቲያን ክርሳን ብወከለቲ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣቀባብላ ተገይሩሎም ድሕሪ እዚ እቶም ብብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ዝተመርሑ ልኡካን ናብ ገዳመ ማሕበር ደናግል እኖ ኣምላኽ ከም ዝኸዱን ኣብኡ እውን በቲ ናይቲ ገዳም ጠቕላሊት ሓለቓን ድናግልን ኣቀባብላ ከም እተገበረሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ዕለት 2 ሰነ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ህንጸት ዘሎ ሓድሽ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካቴድራል ምብጻሕ ኣካይዶም ድሕርዚ በቲ ኣብ ክሉጅ ካብ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያ ባበሽ - ቦልያ መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ናይ ክብሪ ሊቕነት ከም እተቐበሉ ኣፍሊጡ።

ብቐጻሊ ብዛዕባ ሰላም እንሓስበሉ ቦታ የድልየና

ካርዲናል ሳንድሪ ድሕሪ ዝተቐበልዎ ናይ ክብሪ ማዕርግ ሊቕነት ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “እቲ ካብ ምብራቕ ዚነፍስ ዘሎ ንፋስ ውግእ ነቲ ኣብዚ ዓመታት እዚ ዘሎ ዘይምርግጋእን ቝጠባዊ ቅልላውን ከም ዜዛየዶ ፍርሂ እውን ክዓብይ ከም ዝገበረን ብዙሓት ዘኽታማት ቈልዑን መበለታት ኣዴታትን ኣቦታትን ቤቶም ንብረቶምን ዛሕዚሖም ክስደዱ” ይገብር ምህላዉ ገሊጾም፡ “ብዛዕባ ሰላምን ሓድነትን ብቐጻልነት እንሓስበሉ ከምኡ እውን ነዚ ህያባት እዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንነብረሉ ቦታ የድልየና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣሰር ዓዋዲ መልእኽቲ “ኵላትና ኣሕዋት” ምስዓብ

በቲ ዕዉር ኣንጻር ሰብኣዊ ዝኾነ ርእየተ ዓለም ዝውለድ ውግእ መስጐጒቲ ኣብ ዝረኣየሉ ዓለም ነታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ክንስዕብ ኣተሓሳሲቦም፥ ምእቲ እዚ ኣብዚ ህልው ኵነታት እዚ ባዶ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ክልተ መልሓስ ምዃን ንሓቅነት ህልው ኵነታት ዝሓባብእ ብናይ ግሊ ጥቕምታት መሰረት ምንባብን ምግጣምን ንዝብል ኣካይዳ ቦታ ክህሉ የብሉን፡ እቶም ኣብቲ ዘሎ ግጭት ቀንደይና ተዋሳእቲ ብንጹርን ግልጽን ኣብ ሓቂ ተመርኵሶም ክዝትዩ ይግባእ። . . . ካብ ምድንጋራትን ወይ ዘይምዕጋብን ሓራ ዝዀነ መጻኢ ኣብ ምህናጽ ክተግሁ ሓደራ ቢሎም ካብቲ ታሪኻዊ ሓቅታት ጥራይ ኢና ንሓድሕድና ንክንረዳዳእን ንጥቕሚ ኵሎም ሓድሽ ጽማሬ ንኽንከፍት ዝገብር ጽኑዕን ነባርን ጻዕሪ ክንገብር እንኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበረ ክርስቲያብ ብቐጻሊ መስጐጒቲ የጓንፎ ኣሎ

“ኣብዚ መበል 11 ዘመን እዚ ናይ መጀመርታ መርኣያ ንእምነት ብምጽላእ ዝፍጸጸም መስጐጒቲ እዩ፥ ይቕጽል እውን ኣሎ፡ ብመሰረት ርሑው መዓጹ እተሰመየ ትካል ግብረ ሰናይ ጸብጻብ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 5,110 ኣቢያተ ክርስቲያን መጥቓዕቲ ከም ዝወረደንን 6,175 ኣባላት ማሕበረ ክርስቲያን ከም ኣተኣስሩን ልዕሊ 300 ሚሊዮን ዝዀኑ ክስቲያናት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ጽንኵርን ልዕሊ መጠን መስጐጒቲ ኣብ ዝረኣየሉ ኵነታት ዝነብሩ እያቶም” ቢሎም፥ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ኢእግዚኣብሔራዊ ስርዓታት ኰነ ኣብቶም ብዛዕባ ሃይማኖታቶም ጸንፈይናዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎም መኽረርቲ ሃይማኖት ኣብ ዝርከቡሉ ዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን  ንኣሳዶን ህላወኦም ንሓደጋ ሞትን ተቓሊዖም ይርከቡ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሰማዕትነትን ስደትን

ናይ ምብራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኣብ መወዳእታ፥ “ኣብዚ ግዜና ግን ካልእ ዓይነት ሰማዕነትን ምስቲ ከም ኣካል ክርስቶስ መጠን ክንህቦ ዘሎና ምስክርነት ኣተተሓሓዘ እዩ ዝመስል” እዚ ኸኣ ናይቶም “ብምኽንያት ወግእን ዓፈናን ወይ ንናጽነቶም ንህይወትቶም ብዘስግእ ነጋራት ዝተኸቡን ወይ ካብ መሬቶም ዝስደዱ ታሪኽ እዩ። ኣብዚ ግዜና እዚ ሰማዕትነት ውዕውነት መስቀል እዩ። ማሕበረሰብ ክስቲያን ከም ብሓድሽ መባዅዕቲ ክርስቶስ ብምዃን ንዓለም የድሕኑ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

06 Jun 2022, 09:26