“ፍቕሪ ስድራ ቤት፥ ጸዋዕታን ፍኖት ቅድስናን”፡ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ
እቲ ካብ ዕለት 22 – 26 ሰነ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓስራይ ዓለም ለኻዊ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ መደብ ዕለት 31 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ብወግዒ ከም ዝቐረበን፥ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ክኽፈት ምዃኑን ስዒቡ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ ክካየድን ቀዳም ዕለት 25 ሰነ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ኵሎም ተጋባእያን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ኣብቲ ዝካየድ ዓውደ ጒባኤ ከም ዩክረይን ዝኣመሰላ ጸገም ካብ ዘለሉ ስፍራ ዝመጹ ተጋባእያን ቃል ምስክርነት ክህቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ወርሒ ሰነ ከተማ ሮማ ነቲ ኣብ 2018 ዓ.ም.ኣብ ዱብሊን ንመወዳእታ ግዜ እተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ከተእንግድ እያ። ነዚ መሰረት ብምግባር ዕለት 31 ግንቦት ብዛዕባ እዚ ኣብ ሮማ ዝእንገድ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ዝርዝር መደባቱ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተወሃበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ዶክተር ጋብሪየላ ጋምቢኖ ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃባ ኣፍሊጡ።
ዓውደ ኣዋርሕ ፍጻሜታት
እቲ “ፍቕሪ ስድራ ቤት ጸዋዕታን ናብ ቅድስና ዝመርሕ መገዲ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ፡ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ዕለት 22 ሰነ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብወግዒ ምስ ተኸፍተ፡ ካብ ሓሙስ ዕለት 23 - ቀዳም ዕለት 25 ሰነ ኣብቲ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ክቕጽልን ቀዳም ምሸት ር.ሊ.ጳ. ዕለት 25 ሰነ ተጋባእያን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰሩዑን ዕለት 26 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘዕርግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክሓብሩ እዮም።
ጒባኤ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ - ጒስነት
እዚ ናይ ለምዘበን 10 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ - ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘተኰረ ከም ዝዀነን ካብቶም ዝሓለፉ ዓውደ ጒባኤታት ፍልይ ዝበለን ቲዮሎጊያዊ - ሰረተ እምነት ትሕዝቶ ዘለዎ ዘይኰነስ ናይ ዘተን ምስማዕን እዋን ምዃኑ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ጋምቢኖም ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ሓቢረን፡ ኣስዒበን፥ “ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዓውደ ጒባኤ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ናይ ለምዘበን ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ መርሕ ቃል ክኸውን ዝመረጽዎ ሓሳብ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝብል መርሕ ቃል መሰረት ንዝቕጽሉ ዓመታት ዘገልግል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤትን ኣንፈት ምቕራብ ዝብል እዩ፡” እቲ ዓውደ ጒባኤ ኣብ ከም ናይ ሎሚ ሕብረተሰብን ስድራ ቤትን ጸገማት ዝኣመሰለ እተፈላለየ መሰረታዊ ኣርእስታት ኣብ ሓሙሽተ ቀንዲ ኣኼባታትን ክህነጽ እዩ። ዛዕባ ንምስጢረ ተክሊል ምድላዋትን ስድራ ቤትን ህልው ኵነታት እውን ዝምልከት እዩ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጽምብል ኣባይቲ ስድራ
ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ ዝተሳተፉ ናይ ሰበኻ ሮማ ናይ ማሕበራዊ ርክባት ጒዳይ ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ዋልተር ኢንሰሮ፥ እዚ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ እዚ ጽምብል ኣባይቲ ስድራ እዩ፡ ስለዚ ናይቲ ዓውደ ጒባኤ መኽፈቲ ኣብ “ጽባቔ ስድራ ቤት” ዘተኰረ ከም ዝኸውን ገሊጾም፡ ኣብዚ ጽምብል ኣባይቲ ስድራ መላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ማዕከናት ናይ ኢጣሊያ ረዲዮን ተለቭዥንን ማዕከናት ክዋስኣ ከም ዝኾናን ዝተፈላለዩ ኣብ ስድራ ቤት ዘተኾረ ስነ ጥበባዊ ስራሕ እውን ክቐርብ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ንኣባይቲ ስድራ፥ ምትሕብባርን ምእንጋድን
ካብ ድኻታት ሃገራትን ከም ዩክረይን ካብ ዝኣመሰላ ኣብ ከቢድ ኵነታት ካብ ዝርከባ ሃገራት ንዝመጹ ተጋብእያን ምትሕብባርን ምእንጋድን ዝረኣየሉ ምዃኑ ፕሮፈሰር ጋምቢኖ ሓቢረን፡ ብዛዕባ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምልከት ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽቡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ናይ ውሽጥን ወጻእን ማዕከናት መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ንዘቕረበለን ሕቶ፥ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ጒዳይ እዚ በቲ ስልጣናዊ ትምህርቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣቢላ እያ እትምልከቶ፡ ስለዚ ምሕረት ኣምላኽን ኵሉ ብፍቕሪ ኣቦ ሕቝፍ ምዃኑን ኵለን ኣባይቲ ስድራ እውን ቤተ ክርስቲያን ከም እተሰንየን ምርግጋጽ እዩ ከም ዝበላ የመላኽት።
ሓለውቲ ቅዱሳን
ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ናብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓስራ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ሓለውቲ ቅዱሳን ኣብ ቀረባ እዋን ብጽዕና ክእወጀሎም ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ልዊጂ በልትራመ ኳትሮኦኪን ማሪያ በልትራመ ኳትሮኦኪ እያቶም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።