ድለ

ወግዓዊ መለለዪ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ወግዓዊ ኮይኑ ወግዓዊ መለለዪ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ወግዓዊ ኮይኑ 

ወግዓዊ መለለዪ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ወግዓዊ ኮይኑ

ነቲ ናይ 2025 ዓ.ም. ዓመት ኢዮቤል መለለዪ ዘብርሁ ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ፥ ካብ ኣርባዕተ ኵርናዕ ዓለም ዝመጹ ነጋድያን ዝውክሉ ሕውነትን ሓድነትን ዝጒልሕ ንሓድ ሕዶም ተተሓሒዞም ዘርእን

ናይቲ “ነጋዲያን ተስፋ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ 2025 ዓ.ም. ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል መለለዪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምኡ እውን ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፊዚከላ ኣብ ዘሳተፈ ዓውደ ርክብ ብወግዒ ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰሉስ ዕለት 28 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ንጒሳዊ ኣዳራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን 2025 ዓ.ም. ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ወግዓዊ መለለይኡን መደባቱን ንምልላይ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ እቲ ናይቲ ቅዱስ ዓመት መርሕ ቃል ዓለም ክትምከሮ ዘለዋ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ትሕዝቶ እዩ ቢሎም፡ እቲ ኣብዚ ዓመታት እዝን ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕን ዘጋጠመ ፍጻሜታት ንቤተ ክርስቲያን ኣብቲ መሰረት ክርስቲያናዊ ህይወት ዝኾነ ተስፋ ከምኡ እውን ኣብቲ ንዅሉ ሰብ ዝሓሸ ዓለም ክሃንጽ ዝጠልብ ሓላፍነት ዘዘኻኽር ቲዮሎግያውያን ክብርታት ማለት እምነትን ፍቕርን ንኸተተኵር ዘተሓሳስባ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ይብሉ ብጹዕነቶም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንሕና ( . . . ) ኵሉ ሰብ ነቲ ንመጻኢ ብኽፉት ኣእምሮ ናይ ምጥማት ብርታዐን ርግጸይናነትን ምእንቲ ክረኽቡ ኵሉ ነገር ንግበር” እንክብሉ ነቲ ዝኣወጅዎ 2025 ዓ.ም. ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ምዕዳን ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ናይ እምነትን ባህልን ፍጻመ

ነቶም ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ምድላዋት መደባት ብእተፈላለየ መድን ደረጃ ዕድመን ዝውደቡ ብውልቅን ብማሕበረሰብን ዝነጥፉ ዘለዉ ኵሎም ኣመስጊኖም ብመሰረት ጥንታዊ ልምዲ ኢዮቤል ነቶም ናብ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝነግዱ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪን ፍረ ዘለዎ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ እቶም ብምኽንያት ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ናብ ሮማ ዝነግዱ መንፈሳውያን ነጋዶን ንዅሎም በጻሕትን ንምእንጋድ ንኢጣሊያ ብፍላይ ከኣ ንሮማ ከተማ ዓቢይ ኣጋጣሚ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ 2025 ዓ.ም. ዓመት ኢዮቤል መለለዪን ቲዮሎጊያዊ ትርጒሙን

ነቲ ናይ 2025 ዓ.ም. ዓመት ኢዮቤል መለለዪ ዘብርሁ ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ፥ ካብ ኣርባዕተ ኵርናዕ ዓለም ዝመጹ ነጋድያን ዝውክሉ ሕውነትን ሓድነትን ዝጒልሕ ንሓድ ሕዶም ተተሓሒዞም ዘርእን መስቀል ናይዚ ሓድነትን ሕውነትን ምልክት እምነት ምዃኑን ኣብ ትሕቲ እቲ ምስሊ ድማ ኣብ ህይወት ዘሎ ማዕበላት ዝውክልን መስቀል ዘህድኦ ከም ዝኾነን ብውልቅን ብማሕበርን ዘጋጥም ነውጺ ዘህድእ መስቅል እዩ ዝብል መልሕቅና መስቀል እዩ ዝብልን እቲ ቀይሕ ሕብሪ ፍቕርን ተግባርን እቲ ብጫን ብርቱካናዊ ሕብሪ ድማ ሰብኣዊ ውዕዉዕ ስምዒት እቲ ቀጠልያ ሰላምን ሚዛናውነትን ዘለዓዕል እቲ ሰማያዊ ብርሃንን ድሕንነትን ዕቝባን ዝውክል እዩ። በቲ ክላእ ሸነኽ ከኣ እቲ ኣብ ታሕቲ እቲ መስቅል ዘሎ ቅርጺ መልሕቕ ስልጣናውነትን ውሽጣዊ ኵነትን ዝሕብር ክኸውን እንከሎ፡ ነጋዳይ ኵሉ ብሓባር ናብ መስቀል ገጹ ዝጓዓዝ ምዃኑ ዘርእይ እዩ ቢሎም ናብቲ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ዝሰንዩ ነቲ መርሕ ቃል መሰረት ዝገበረ መዳባት በቢ እዋን ክቐርብ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ዓመት ኢዮበል 2025 ዓ.ም. ዘሎ ክልተ ዓመት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ዘሎ እቲ ክልተ ዓመት እቲ ቀዳማይ 2023 ዓ.ም. ኣብቲ ዕለት 11 ጥቅምቲ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ዘብዕል ኣብ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ብፍላይ ኣብቲ ኣርባዕተ ዓበይቲ ቅዋም ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን እቲ 2024 ዓ.ም. ከኣ ኣብ ጸሎት ዘተኮረ ዓመት ክኸውን ከም ዝሓተቱን፡ እዚ ኸኣ ናብቲ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ገዛእ ርእስና ብጸሎት ከነሰናድው ዘተባብዕ እዩ ቢሎም፥ በዚ መሰረት እውን ኣብቲ 2025 ዓ.ም. ዓመት ኢዮቤል ንስድራ ቤትን ቈልዑን መንእሰያትን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣካለ ስንኵላንን ሰራሕተይናታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን መናብርተ ጥበባትን ናይ ስራሕ ዓለምን ኣናጒስጢስን ካህናትን ውፉያን ሰብ ሕይወትን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተሉ ካቶሊካውያንን መምሃራትን ትምህርተ ክርስቶስን ድኻታትን እሱራትን ማእከል ዝገበሩ ፍጻሜታት ከም ዝካየድ ድማ ኣብሪሆም ነዚ ብጥልቂ ዝገልጽ ምሉእ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክቐርብ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 June 2022, 16:33