ድለ

ኣብቲ ዘብዕል ማሕበረሰብ ምስ ህያው ኢየሱስ ምርኻብ! ኣብቲ ዘብዕል ማሕበረሰብ ምስ ህያው ኢየሱስ ምርኻብ!  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብቲ ዘብዕል ማሕበረሰብ ምስ ህያው ኢየሱስ ምርኻብ!

ፍራንቸስኮ፥ "ሊጡርጊያ ወይ ስርዓት ቅዳሴ ናይ ክትዓትን ግጭትን ማእከል ምግባር ነቲ ብካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝቐርበላ ራእይ ቤተ ክርስቲያን ዘይማንጋድ እዩ ዝኸው”

ዕለት 29 ሰነ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ሊጡርጊያ - ስርዓተ ኣምልኾ ዝምልከት ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ መሰረት፥ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ “ሊጡርጊያ ብቐዳምነት ንኻልእ ቦታ ምሕዳግ ነቲ ናይቲ ብዕሎት ማእከል ንዝኾነ ቦታ ምሃብ ማለት እዩ፡ እዚ ኸኣ ንዅሉ ዓይነት ዘይብቑዕ ኣበዓዕላ ፍቱን ፈውሲ እዩ” ዝብል ቅዱስ ኣቦና ብኣጽንዖት ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘጒልሕ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መበቈል ናይታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ካብ በዓል ዝኽሪ ጀሚሮም ነቲ ናይ ሊጡርጊያ ጽባቕን ኣድናቕነትን ዳግም ክረኽብዎ፡ እቶም ኣብዚ ዚሳተፉ ከኣ ኣብቲ ቅዱስነቶም ዝገልጽዎ “ንዅሉ በዓላት ዘዕለቕልቕ ውቅያኖስ ጸጋ” ክጥሕሉ ዘለዎም ባህጊ ዘመላኽት እዩ።

ቅዱስነቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ቅድሚ ምሕራዮም ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ዕለት 1 መጋቢት 2005 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ፥ ብዛዕባ ስነ ጥበብ ጽምብል ክዛረቡ እንከለዉ፥ “ኣብ ቅድሚ ዘደንቕ ምስጢር ምርኻብ” ኣድላዪ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ እዚ ኸኣ ኣብ መዐቀንታት ሕግን ስነ ስርዓትን መስፈርቲ ጥራሕ ዘይተማእከለ ምዃኑ ዝገልጽ ጽሑፍ ካብ ቅዱስ ማሕበር ከቐርብ ተስፋ እግበር ከምዝበሉን፡ ስለዚ ናይ ትእዛዝ ጥራሕ ዘይኮነስ ነስተንትኖን ንመንፈሳውነትን ዝሕግዝ “ቃና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ” ዝኾነ ሰነድ ከቕርብ ሓቲቶም ከም ዝነበሩ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽሩ።

ቅዱስነቶም ኣብታ ዕለት 29 ሰነ ወግዓዊ ዝገበርዋ ሓዋርያዊት መልእኽቶም፥ ናብ ማእከል ጽምብ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ኣብ ዚመርሕ ጒዕዞ የሰንዩና። እዚ ጒዕዞ እዚ ኸኣ “ናብቲ ቤተ ክርስቲያን እትወስዶ ስጒምቲ ጫፍ ዚመርሕ” ከምኡ እውን ከምቲ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካንዚምህሮ “ኵሉ ጸዓት ዘውሕዝ ምንጪ እዩ።” ኣብዚ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ መልእኽቲ እዚ በነዲክቶስ መበል 16 ኣዚዮም ዘፍቅርዎ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ሮማኖ ጓርዲኒ ዝብልዎ ሓሳብ ከም መወከሲ ይጥቀሙ።

ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘዳለውዎ ሓድሽ ብዛዕባ ሊጡርጊያ ዝምልከት ሰነድ ብቐዳምነት ነቲ ካባኻ ንእተፈልየ “ካልእነት” ቦታ ዝገድፍ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘዘኻኽር እዩ፥ “ቅድሚ እቲ ንዘቕርበልና ዕድመ መልሲ ምሃብና ኣብኡን ብኣኡን ዝተደለና ምዃንና ክንፈልጥን ናብ ቅዳሴ ክንከይድ እንከሎና በቲ ንሱ ንዓና ዘለዎ ባህጊ ስለ እንስሓብ ምዃንና ክንፈልጥ ኣሎና፡ ከምቲ ኵሉ ሳዕ ንፍቕሩ ኢድካ ምሃብ ብእኡ ክትስሓብ ምድላይ” ማለት እዩ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናብ ኢየርሳሌም እንተንኸይድን ብዛዕባ ኢየሱስ ናዝራዊ ሓበሬታ ክንሓትት ዘይኮነስ እንደገና ክንረኽቦ ባህጊ እንተ ዝሓድረና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቓላቱ ካብቶም ናቱ ዝነበሩ ንኽንሰምዕ ካብ ምድላይ ካልእ ኣጋጣሚ ኣይምሃለወናን ነይሩ። ምስኡ ናይ ሓቂ ምርኻብ ካብቲ ዜብዕል ማሕበረሰብ ንላዕሊ ካልኣ ኣጋጣሚ ኣይምሃለወናን ነይሩ።” ይብሉ።

ካብዚ ምስትውዓል እዚ ተበጊስካ ጽባቐ እቲ ናይ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዳግም ንምርካብ ገዛእ ራስና ምኽፋት ብኣኡ ንኽንሕነጽ ምፍቃድ ነቲ ግራት ካብ ዝቡሕ ጒድሎታት ንምጽራይ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣብቲ በዓል ምስታፍ ክበሃል እነክሎ “ንቓላት ኢየሱስ ምስማዕ” ከምኡ እውን “ንወስታታቱ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህያው ምዃኑ ምርኣይ” ማለት እንተ ኰይኑ ርእሰ ተመላኽነት ወይ ንስርዓተ ሊጡርጊያ ናብ ትያትራዊ ምርኢት ንምቕያርን ኣኽራርነትን ወይ ዕሽሽ በሃሊ ምዃን ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይክዕወትን እዩ፡ ሊጡርጊያ ወይ ስርዓት ቅዳሴ ናይ ክትዓትን ግጭትን ማእከል ምግባር ነቲ ብካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝቐርበላ ራእይ ቤተ ክርስቲያን ዘይማንጋድ እዩ ዝኸው” ብዝብል ናይ ቅዱስነቶም ሓሳብ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

30 June 2022, 15:22