ድለ

ዛናሪ፥ ነታ ከቢድ ሰብኣዊ ዕንወት ዘጋጥማ ዘላ ሶርያ ንሓግዝ! ዛናሪ፥ ነታ ከቢድ ሰብኣዊ ዕንወት ዘጋጥማ ዘላ ሶርያ ንሓግዝ! 

ዛናሪ፥ ነታ ከቢድ ሰብኣዊ ዕንወት ዘጋጥማ ዘላ ሶርያ ንሓግዝ!

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ዩክረይን ቀጻሊ ዝዀነ ዘሕዝን ፍጻመ ብምዅናን ኣብ ቀረባ ግዜ እውን እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከይርሳዕ ተማሕጺኖም እዮም። ሶሪያ ድማ ሓንቲ ካብዘን ዝተረስዓ ሃገራት እያ . . . ሶሪያ ተረሲዓ እያ። ካብ ራዳር ኣህጉራዊ መራኸቢብዙሓን እውን ዝወረደት እያ ትመስል . . .

ምስ ር.ሊ.ጳ. ንምርኻብን ኣብ መጋባእያ ብኣሕጽሮት ቃል ROACO - ሕብረት ገባሬ ሰናይ ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ትካል ረድኤት ኣብ ዝጠለቦ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኽሳተፉ ሮማ ዝርከቡ ብጹዕ ካርዲናል ዘናሪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ምግምማዕን ኵነታት ሶርያ ኣዚዩ ዘሰክፍ ክነሱ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ኰነ ካብ ራዳር ዓለም ሃሲሳ ትርአ። እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ነቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ቅልውላው የግድዶ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ደማስቆ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ን13 ዓመት ዘገልግሉ ዘለዉን ዕለት 18 ሰነ 2022 ዓ.ም. ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተራኸቡ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ፥ “ነቲ ንሶሪያ ዘሳቕይ ዘሎ መቝሰልትን ድኽነትን ክንለማመዶ ኣይግባእን። ድሕሪ 12 ዓመት ውግእ ኵለ መዳያዊ ኵነታት ሶሪያ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ምስ እዚ ዅሉ ጸገማታ እዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ከምኡ እውን እቲ ኣብ ዩክረይን ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ተወሲኽዎ ናብ ዝኸፍአ ሓሳርን መከራን ተንቆልቁል ኣላ፡ ድሮ ካብ መንጽር መራኸቢ ብዙሓንን ዓለምን ርሒቓ ተረሲዓ ክትርእይ ዘሕዝን ዘሳቕን እዩ” ይብሉ።

ሶሪያ ሎሚ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት እያ ዘላ?  ሶሪያ ሓንቲ ካብተን ኣብ ጽንኵር ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከባ ሃገራት እያ። ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ውግእ ዘስዓቦ ማእለያ ዘይብሉ ሞትን ካብቲ 23 ሚሊዮን ብዝሒ ህዝቢ እቲ 14 ሚሊዮን ካብ ኣባይቶም ኣቝሻቶም ከተማታቶም ወጻኢ ይርከቡ፡ ኣስታት 7 ሚሊዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን ኣብ ዝተፈላለዩ ተንዳዊ መዕለዪ ተዓቝይቦም ዝርከቡ እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶሪያ ዘሎ ኵነታት ኣየር ኣዚዩ ቈራሪ ብምዃኑ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ቋቖ - ውርጪ እቲ ብቴንዳ ዝቖመ ግዚያዊ መእለይ መብዛሕቲኡ ፈሪሱን ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብዙሓት ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ኣብ ጉረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ይርከቡ። ኮታ ሶሪያ ኣብ ጽንኵር ሰብኣዊ ቅልውላው ትርከብ ኣላ።

ምምሕያሽ ከም ዚህሉ ዝሕብር ምልክታት ወይ ተስፋ ኣሎዶ? ናይ ተስፋ ጩራ ኮነ መደብ ዳግመ ህንጸት ቝጠባዊ ምምሕያሽ ዘይረኣየላን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ኵለ-መዳያዊ ጸገማት ንምእላይ ዝፍትን ጻዕሪ ኣደስኪልዎ ይርከብ። ብፍላይ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዘንበረኦ እገዳታት ነቲ ጸገም እታ ሃገር ኣዚዩ የጋድዶ ኣሎ፣ በዚ ዅሉ እዚ ህዝቢ ኣልቦ ተስፋ ኮይኑ መንእሰያት ክስደዱን ልዕሊ ፍርቂ ብዝሒ ክርስቲያን ንስደት ተዳሪጉ እዩ። እዚ እውን ንናይታ ሃገር መውሃቢ ኣገልግሎት ትምህርትን ሕክምናን ኣዚዩ ይሃስዮ ኣሎ። እቲ ልዕሊ ክልተ ሺሕ ዕድመ ዘቑጽር ዘሎ ሶሪያዊ ማሕበረ ክርስቲያን እናነከየን እታ ሃገር ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ከይትተርፍ ብዙሕ የስግእ።

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ዩክረይን ቀጻሊ ዝዀነ ዘሕዝን ፍጻመ ብምዅናን ኣብ ቀረባ ግዜ እውን እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከይርሳዕ ተማሕጺኖም እዮም። ሶሪያ ድማ ሓንቲ ካብዘን ዝተረስዓ ሃገራት እያ . . . ሶሪያ ተረሲዓ እያ። ካብ ራዳር ኣህጉራዊ መራኸቢብዙሓን እውን ዝወረደት እያ ትመስል . . . ቍጠባዊ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ህዝብን እተን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርባ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ከይተረፈ ስለ ዝሃሰየን ሰብኣዊ ረድኤት እናነከየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ቅልውላው ነቲ ናይ ሶሪያ ቅልውላው የብእሶ ኣሎ። ሓደ ቅልውላው ነቲ ካልእ ቅልውላው የግድዶ . . .

ኣብ ሶሪያ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝህቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ኣቃልቦ ሎሚ ካብ ቀደም ከመይ ይመስል፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ እዩ ዝመስል? ፍልልይ ኣሎ . . . ኣብ ሃገረን ቅልውላው ከይብገስ ዝሰግኣ ምዕራባውያን ሃገራት ቆላሕተአን ናብ ዩክረይን ይገብራ ስለ ዘለዋ እዚ ነቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ቅልውላው የብእሶ ኣሎ . . . ዝቐርብ ሓገዝ ኮነ ዝወሃቦ ዝነበረ ቆላሕታ ክጐድል እዩ ዝገብር ዘሎ። ማእከላይ ምብራቕ . . . ብፍላይ ሶሪያ ብሓቂ ንዘስካሕክሕ ጸገማት ትድረግ ኣላ፡ ኣብ ውሽጢ ሶሪያ ንሓድሕዶም ዝጻረሩ ናይ ሓሙሽተ ሓያላት ሃገራት ወተሃደራት ኣለዉ። ፖለቲካዊ ጒዳያት እውን ብዙሕ ሕንፍሽፍሽ ዘለዎ እዩ። እዚ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ሳዕቤን ክትገልጾ የጸግም።

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝገለጽክምዎ ዅሉ ጸገምን መከራን እንተ ወሓደ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ከጋጥመኩም እንከሎ ናብ ካልእ ቦታ ክትግዕዙ ወይ ይኣኸልኒ ክትብሉ ሓሲብኩምዶ ትፈልጡ። ክሳብ ሎሚ ኣብኡ ክትጸንሑ ዚገብረኵም እንታይ እዩ? ዕለት 18 ሰነ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝተራኸብኩል እዋን ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ተዘራሪብና ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ካርዲናል ቢሎም ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ክሰምዩ ንሶሪያ ከም ህያብ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮምኒ። ኣብ ሶሪያ ሰብኣውን ፖለቲካውን ስነ መላዊ ክለኣዊ ርክባትን ቅልውላው ኣሎ፡ እንተ ዀነ ግን እዚ ሓላፍነት ክስምዓኒ እምበር ካብታ ሃገር ክርሕቕ ኣይኰነን ዝድርኸኒ። ብርግጽ ቅድሚ ሓደ ዓመት ልሒቕ ክኸውን ነይሩኒ። ኣምላኽ ክሳዕ ዘደልዮ ድማ ከገልግል እየ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 Jun 2022, 15:37