ድለ

ኣብ ወርሓ ሰነ ንሓዋርያ ጴጥሮስ እተወፈየ መንፈሳዊ መደባት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ወርሓ ሰነ ንሓዋርያ ጴጥሮስ እተወፈየ መንፈሳዊ መደባት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ 

ኣብ ወርሓ ሰነ ንሓዋርያ ጴጥሮስ እተወፈየ መንፈሳዊ መደባት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ

ቅዱስ ጴጥሮስ ድልዱልን ዜተኣማምንን ሰብ ስለ ዝነበረ ኣይኰነ ኢየሱስ ከውሒ ዝብል መጸውዕ ዝሃቦ፡ ብዙሕ ጌጋታት ማለት ብዛዕባ ክእለታቱ ዘይኰነስ እታ ከውሒ እትብል መጸውዕ ብዛዕባ ኢየሱስ እያ እትገልጽ። ጴጥሮስ ህይወቱ ኣብ ኢየሱስ ክሃንጽ ሓረየ። ስምዖን ጴጥሮስ ዝዀነ ኣብ ኢየሱስ እዩ . . .

ድሕሪ እቲ ንድንግል ማርያም እተወፈየ ወርሓ ግንቦት፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምሉኡ ወርሓ ሰነ ንሓርያዊ ቅዱስ ጴጥሮስ እተወፈየ ሓድሽ ተመክሮ ንኽንነብር ዝድግፍ ኣርባዕተ መንፈሳዊ ፍጻሜታት ክንነብር ንዕደም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 8 ክሳዕ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ወጳውሎስ ዕለት 29 ሰነ ዝቕጽል ንሓዋርያ ጴጥሮስ እተወፈየ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ካብ ሰዓት ኣርባዕተ ክሳዕ ሰዓት ሓሙሽተ ዝቅጽል ኣርባዕተ መንፈሳዊ መደባት ከም እተዳለወን፥ እዚ ብዛዕባ ጽባቔ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን እቲ ባዚሊካ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉምን ግርማን ክርስቲያናዊ ሰረተ እምነት ንኸንስተንት ዝሕግዝ መደብ ካብ ዕለት 8 ሰነ ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እምነትን ስነ ጥበብን

ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶ መዕረፊ ዝረኽቡሉ ከም ዝኾነን ኣብ ዙሪያ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተነብሩ ቅዱሳን ስርሓት ስነ ጥበብን ቅብእን ሓወልትን ብእምነት ዓይኒ ንምምልካትን ምስትንታትን ኣብ ዝሕግዝ መደብ ክሳተፉ ንዕደም። ቅዱስ ኣቦና ንቕዱስ ጴጥሮስን ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሓደ እዋን፥

ቅዱስ ጴጥሮስ ድልዱልን ዜተኣማምንን ሰብ ስለ ዝነበረ ኣይኰነ ኢየሱስ ከውሒ ዝብል መጸውዕ ዝሃቦ፡ ብዙሕ ጌጋታት ማለት ብዛዕባ ክእለታቱ ዘይኰነስ እታ ከብሒ እትብል መጸውዕ ብዛዕባ ኢየሱስ እያ እትገልጽ። ጴጥሮስ ህይወቱ ኣብ ኢየሱስ ክሃንጽ ሓረየ። ስምዖን ጴጥሮስ ዝዀነ ኣብ ኢየሱስ እዩ . . .

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ከምቲ ልሙድ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ንግደት ዝፍጽም ኮነ ኣብቲ መንፈሳዊ መደባት ኪሳተፉ ዚደልይ ግቡእ ኣከዳድና ማለት ከምቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክንኣቱ ቅዳሴ ክንሰምዕ እትኽተሎ ኵለንተናዊ ኣገባብ ክህልወካ ግድን ይኸውን።

10 Jun 2022, 09:03