ክልተ ኣባላት ጒጅለ ኣትለት ቫቲካን ኣብ ማልታ፥ ሕውነትን ኣቛፍነትን ሰላምን ንምትብባዕ
ክልተ ስፖርተይናታት ኣባላት ናይታ “ጋንታ ስፖርተይናታት ር.ሊ.ጳ.” ምስቶም ኣብተን ዝነኣሳ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ስፖርተይናታት ኰይኖም ኣብቲ ንዝነኣሳ ሃገራት ኤውሮጳ ኣተወፍየ ቅድድም 5000 ሜትር ክሳተፉ እዮም። እዚ መደብ ስፖርት ነኣሽቱ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ማልታ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደሴት መዲትራኒያን - ማልታ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካብ ዘካይዱ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዝካየድ ብምዃኑ ነቲ ቅዱስነቶም ክቡራት ዋጋታት ምምእካል የድሊ ዝበልዎ ሓሳብ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብጭቡጥ መገዲ ዝምስክር ከም ዝኸውንን፡ እቶም ንሃገረ ቫቲካን ወኪሎም ኣብቲ መደብ ስፖርት ዝሳተፉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 ሰነ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ከም እተሳተፉን ምስ ቅዱስነቶም እውን ክም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቀዳም ዕለት 11 ሰነ ኣትለት ቫቲካን ኣብ ማልታ ኣብቲ “ማተው ሚካለፍ ቅዱሱ ዮሓንስ” እተሰምየ ናይ ስፖርት ሜዳ 18 ንኣሽቱ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዘካይድኦ መደብ ስፖርት ክሳተፉ እዮም። እዚ ኣብ ማልታ ዝተዳለወ መደብ ስፖርት ብፍላይ ድሕሪ እቲ ክልተ ወርሒ ቅዱስነቶም ኣብታ ሃገር ዘካየድዎ ታሪኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝካየድ ብምዃኑ ናይ ቫቲካን ስፖርተይናታት ክሳተፉ ብትሕትናን ብቐሊልን ናይታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ “ኵላትና ኣሕዋት” ሓዋርያዊ ምዕዳን ትሕዝቶ ዘቃልሕን ሕውነትን ሓቛፍነትን ሰላምን ዝምስክር ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ክብርታት ኵላትና ኣሓዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ በቲ ኣድማሳዊ ቋንቋ ዝኾነ ስፖርት ንምትርጓም ንምንባርን ዝፍትን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ትርጒምን ዕላማን ተሳትፎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ስፖርተይናታት እንታይነቱ ይገልጽ።
ተወዳደርቲ
እቶም ክልተ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣትለት ኣብ 5000 ሜትር ቅድድም ዝሳፉ፥ ኣብ ናይ ደቀንስትዮ ጓል 27 ዓመት ሳራ ካርኒቸሊን ኣብ ናይ ድቂተባዕትዮ 44 ዓመት ዝዕድመኦም ኤሚሊያኖ ሞርቢደሊ ከም ዝኾኑን ኣብዚ ኣብ ማልታ ኣብ ዝካየድ ናይ ንኣሽቱ ሃገራት ኤውሮጳ መደብ ስፖርት፥ ኣልባኒያ፡ ኣንዶራ፡ ኣርመኒያ፡ ኣዘርበጃን፡ ቀጵሮስ፡ ጆርጃ፡ ጂብራልተር፡ ኣይስላንድ፡ ላይኸትንስታይን፡ ሉሰምበርግ፡ ሞልዶቫ፡ ሞናኮ፡ ሞንተ ነገሮ፡ ሰሜናዊት መቐዶኒያ፡ ሳን ማሪኖን ማልታን ሃገረ ቫቲካን ከም ዝሳተፋ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ናይ ሕውነት ባህሊ
ስፖርተይናታት ቫቲካን ምስቶም ስፖርተይናታት ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ “ናይ ሕውነት ባህሊ” ከምኡ እውን ብዛዕባ “ናይ ምራኻብ ባህሊ” ብጭቡጥ መገዲ ንምምስካር ድልድል ዕርክነትን ዘተን ዚሃንጹ ሰባት ኣብ ኣህጉራዊ መድርኽ ስፖርት ተረጋጊጹ እዩ። ኣብ ዓለም ለኻዊ ውጥረትን ውግእን ስፖርት ከም ሰብኣዊ ተመክሮ ኰይኑ ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድን ምጽራርን ዜጥፍእ ሓባራዊ ፍልጠት ንኺረኽቡ ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም ይኽእል። ኣብ መንጐ እተፈላለየ ባህልታትን ሃይማኖታትን ብዘተ ከኣ ኣብ መንጐ ሰባትን ህዝብታትን ዕርክነት ከም ዚምስረት ይገብር።
እንግዶት ማልታ
ኣብ ማልታ ልክዕ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓበርዎ፥ እቲ ወግዓዊ ጒጅለ ስፖርተይናታት ቫቲካን ነቲ ማሕበራውን ኤቅለስያውን ነገራት ከማልኦ እዩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ዕለት 1 ክሳዕ ዕለት 4 ኣብ ማልታ ኣብ ዝካየድ ናይ ክሪከት ስፖርት ናይ ሃገረ ቫቲካን ጋንታ ክሪከት ብምስታፍ ሓባራዊ ምስክርነት ክህብ እዩ። እዞም ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ክሪከት ጋንታ ኣባላት ካብ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ዝተዋጽኡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።