ድለ

ብዛዕባ ሰላም ሕቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሰላም ሕቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ርእሰ ዓንቀጽ

ብዛዕባ ሰላም ሕቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ “ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዓመጻን ጒዕዙይ ኣብ እጽዋር ውግእ ዝብል ትውክልትን ኢድና ኣይንሃብ” ብምባል ኣብ መወዳእታ መገዲ ዘተን ሰላምን ክንስዕብ ደጋጊሞም ይምሕጸኑ

ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥ ቀጻሊ ወተሃደራውን ወረ ውግእን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ነዚ ዅሉ ንምውጋድ ናይ ሓቂ ድሌት ሰላም ኣሎና ዶ? እንክብሉ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ሕቶ የቃልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብሓቂ ሰላም ንደሊ ምህላውና የጠራጥረኒ” ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ብቐጻሊ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ናይ ቃላት ግጭት እውን ክብ ክብል ኣብ እንርእየሉ እዋን፡ ብሓቂ ሰላም ንደሊ ምህላውና የጠራጥረኒ። እዚ ናይ ቅዱስነቶም ሕቶ እዚ እቲ ብቐጻሊ ብወተሃደራዊ ኣጽዋር ክብ እናበለ ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ውግእ ነቶም ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዓቕም ብቕዓትን ዘይብሎም ሰላማውያን ሰባት ብዝለዓለ ደረጃ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ከምኡ እውን ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ኣፍ ምፍርራህ ንኻልእ ከም ዲያብሎስ ጌርካ ናይ ምግላጽን ምቕራብን ምስቲ ኑክለሳዊ መጥቓዕቲ ክህሉ ከም ዝኽእል ዝርአ ዘሎ ኵነት መሰረት ዝገበረ እዩ። ነዚ ኵሉ እናረኣኻ ብሓቂ ምእንቲ ሰላም ብርቱዕ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ንኽትጠራጠር ይድርኽ።

እቲ ሰራዊት ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘበገሶ ገና ዝቕጽል ዘሎ ነዊሕ ውግእ ዳግም በጽዋር ውግእ ናይ ምድላብ ምርጫታት ክብ የብል ምህላዉ እንርእዮ ዘሎና ኵነት፡ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ቅድድም ኣጽዋር ውግእን ምድላብ በጽዋር ውግእ ክውገድ ዝብል ተበግሶ ድዅም ምዃኑ ናብቲ ናይ ቀደም “ውዲት” ውግእ ከም መፍትሒ ዝርኢ ኣተሓሳስባ ምምላስን እዚ ምርጫ እዚ እውን ክብ እናበለ ክኸይድ ዝገብር ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ምስ ብዙሓት ኣብ ጭንቀት ዘለዉ ሰባት ብሓባር ኴይና ብሓቂ ሰላም ኣብ ምድላይ ንዓዪ ምህላውና የጠራጥረኒ። ቀጻሊ ወተሃደራውን ኣፋውን ውግእ ክብ ነብል ምህላውናን ዘይምህላውናን ኣጽዋር ውግእን ነቲ ውግእ ዘጓሃህር ኣዋፊ ውግእ ክዕበስ ዚከኣለና ዘበለ ኵሉ ንገብር እንተሎና ገዛእ ርእስና ንሕተት። ንሕቶታት ፍራንቸስኮ ምላሽ ምሃብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ንጹር እዩ። መራሕቲ ዓለም “ኵላትና ደለይቲ ሰላም ኢና” ዝብል መልሲ እዮም ዚህቡ። ብዛዕባ ሰላም ኢና ንዝረብ ዘሎና እናተባህለ በንጻሩ ቅድድም ኣጽዋር ውግእን ድለባ በጽዋር ውግእ እዩ ዝርአ ዘሎ፡ እዚ እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ሓድሽ “ጒባኤ ሄልሲንኪ” ምኽዋን ከም ዘድሊ እንክገልጹ፥ “ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠመ ነገራት እንካይዶ መርመራ ኣብ ኣህጉራውያን ውድባትን ኣብ ዳግመ ሕንጸቶም ዝያዳ ክንውከል ከም ዘድልየና ዘእምነና እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ ኸኣ ኵሉ ሰብ ተወካሊ ኮይኑ ዝስምዖ ‘ሓባራዊ ቤት’ ከም ዝኸውን ንምግባር እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ውሳኔ እገዳን ኣብ ወተሃደራዊ ሓይልን ዘይኮነስ ኣህጉራዊ ርክባት ኣብ ሓድሽ ኣገባብ ምህናጽ ኣድላዪ ምዃኑ ከእምነና ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ እንተ ዘይሓሲብናሉ እንተ ዘይሰሪሕናሉ ናብ ኵላዊ ውግእ ክንጓዓዝ ኢና” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።

በዚ ምኽንያት እዚ እቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ “ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዓመጻን ጒዕዙይ ኣብ እጽዋር ውግእ ዝብል ትውክልትን ኢድና ኣይንሃብ” ብምባል ኣብ መወዳእታ መገዲ ዘተን ሰላምን ክንስዕብ ደጋጊሞም ይምሕጸኑ፡ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

02 May 2022, 13:18