ፓሮሊን፥ ውግእ ዕሽነት ዝመልኦ ዓመጻ እዩ፥ ኣንተረይናታት ሰላም ምዃን!
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዘአንገዶ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብናይ ሞሮኮ ልኡከ መንግስቲ እተወደበ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ቫቲካንን ሰሜን ኣፍሪቃን ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ርክብ ከም ዝዘከሩን ኣብ መወዳእታ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ንምባል ቅዉም ነገር ዘለዎ ቈራጽነት ንኽግበር “ውግእ ዕሽነት ጽላለ እዩ” ቢሎም ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብዚ ዕሽነትን ዓመጻን ዝመልኦ እዋን እዚ ቅድስቲ መንበር ነቲ ምስ ፍትሕን ሕውነትን ተተሓሒዙ ንሕና ኣበርቲዕና እንልምኖ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ሰላም ንክረጋገጽ ኣበርክቶኣ ዘይቋረጽ እዩ” ቢሎም፥ እቲ ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዕለት 16 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ እተገብረ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብናይ ሃገረ ሞሮኮ ልኡከ መንግስትን ሉዓላዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ማልታን እተሰናደወ ዋዕላ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን መደረ ከም ዘስምዑን፡ “ለብዕን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝርአ ዘሎ ግጭት ተኣልዩ ነቲ ቀንዲ ሻቕሎት ሕብረተሰብ ዝኾነ ሕንጸት ሰላም ውሑስ ክኸውን ኵላትና ናይ ሰላም ኣንጠረይናታት ክንከውን ይግባእ” ከም ዘብሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ምኽባር
“ዓለም ነቲ ጻዕርን ቀጻሊ ኣበርክቶ ዚሓትት ሰላም ጸሚእዎ ኣሎ፡ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ኣብ ኣገልግሎት ሰላም ጭቡጥ መስርሕ ምምስራት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅዱስ ክብሪ ምኽባርን ሓባራዊ ጥቕምን ምኽዋን ኣድላዪ እዩ። ኵላትና ኣብ ሕንጸት ዓለም ለኻውን ነባርን ሰላም ኣበርክቶ ኽንገብር ጽዉዓት ኢና” - ቢሎም - ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራታ ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ዘተን ሕውነትን” ዝብላ ዘስመሩለን ቃላት ዘኪሮም፡ “እዘን ቃላት እዚኣተን ነዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ንምስጋር መሰረት እያተን። ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ መዓልታት ቅዱስነቶም ንዅሎም ተዋሰእቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነዚ ዘስካሕክሕ ውግእ እዚ ደው ንምባል ቈራጽነት ንኽገብሩ ብተደጋጋሚ ከም እተማሕጸኑን ሰላም ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ክደልያን ክሃንጻን” ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሰላምን ዕቤትን
ብጹዕ ካርዲናል ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ኣብ 1976 ዓ.ም. ዝጀመረ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሞሮኮን ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዘኪሮም፡ ኣብ 1985 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምኡ እውን ኣብ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞሮኮ ዘካየድዎ ምብጻሕ ሞሮኮ፥ “ኣብ መንጐ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ናይ መራኽቦ ድልድል” ምዃና ዝገልጻ እዩ - ቢሎም - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ንነፍሲ ወከፍ ዜጋን ፍሉይነት ዘኽብር ዝያዳ ሓድነትን ብቈራጽ ጻዕርታት ዘተ ዓለም ክንሃንጽ” ሓደራ ቢሎም ከም ዝነበሩ እውን ዘኪሮም፡ ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብ ከተማ ዳካር ናብ እተኻየደ ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማይ፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ማይ ናይ ሓባር ጸጋን ናይ ተኻፊልካ ምንባር ሓናጺ ዘተን ትእምርቲ እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ገጠራት ሞርኮ ጽልዋ ዝገብር ዘሎ ደርቂ ንምቅላስ ብሓባር ክንዓዪ ጻውዒት እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዋጋ ተጻዋርነት
ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ዘስምዕዉ መደረ፥ “ኣብታ ዞባ ማግሬብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጽዋል ዘሕደረን ነቲ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ብፍላይ ከኣ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዘተ ክህሉ ንዘቐረቦ ጻውዒት ዝገልጽ ብዙሕ ተበግስቶታት ዘንቀለ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 15 ግንቦት ሓደ ካብቶም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀትሎም ቅዱስ ቻርለስ ደ ፎኮ ዘኪሮም - ሞሮኮ ይብሉ ብጹዕነቶም - እታ ወትሩ መኣካቢ ስልጣነ ዝኾነት ጽባቐ ዘለዋ ሃገር እያ! ክቡር ዋጋ ተጻዋርነት ዝምስከረላ ሃገር። ኣመንቲ ከም ምዃንና መጠን ነቲ ዜመሳስለና ሃይማኖታዊ ስርዓታት ብሓጐስ ኣፍልጦ ኽንህበሉ ከም ዘሎና እኣምን፥ ርእየት ዓለምን ጭርሖታትን ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ማሕበረሰብናን ዜጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ኣይሕግዘናን እዩ፡ ንመሓሪ እግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ክሕግዘና ዝኽእል መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ስርዓታት ጥራይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።