ርክብ ምስ ሓድሽ ልኡኽ ሃገር ኣመሪካ ኣብ ቅድስቲ መንበር
ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ - ሃገረ ቫቲካን
ሓድሽ ልኡከ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቅድስቲ መንበር፣ ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ቅሩብነቶም ብምግላጽ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምርኻቦም ዛዕባ መደቦምን ተልእኾኦምን ንረድዮ ቫቲካን ኣብሪሆም።
ዕለት 11 ሚያዝያ ናይ ሺመት ደብዳቤኦም ንቅዱስ ኣቦና ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ መንበር ከምዘረከቡ ይዝከር፣ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ግዜ ር.ሊ.ጳ. የውሃንስ ጳውሎስ ዳግማውን ርእሰ ብሔር ሮናልድ ሬገንን ዕለት 10 ጥሪ 1984 ዓ. ም. ከም ዝተመስረተ ይፍለጥ።
መበል 12 ልኡኽ ሃገረ ኣሜሪካ ኮይኖም ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ ደነሉ፣ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ውሉዳትን ኣቦሓጎን ዝኾኑ፣ ብሃገሮም ዕለት 24 ጥሪ ክሽየሙ ከለዉ ኣብ የካቲት 2022 ዓ.ም. ብመንግስቲ ኣሜሪካ ጸዲቑሎም። ኣብ ርእሲኡ ስድርኦም ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እምነት ተኸተልቲ ብምዃኖም ነዊሕ ዓመታት ኣብ ምግልጋል ህዝቢ ዝሰርሑ ፈታው ቤተክርስቲያን እምነቶም ሂወቶምን ኩርዓቶምን ምዃና ገሊጾም።
ዕለት 29 መስከረም 1955 ዓ.ም. ኣብ ኒውዮርክ ዝተወልዱ ዶኒለ ናይቀዳማይን ናይ ሊቕነት ማዕርጎም ካብ ኖትር ዳም ዩኒቨርሲቲ ዝተቐበሉ ኮይኖም ካብ ትምህርቲ ምስ ወጽኡ ካብ 1977 ዓ.ም. ክሳዕ 2007 ዓ.ም. ከም ጠበቓ ኣኽባር ሕጊ ዝኣመሰለ ስራሕቲ ተዋፊሮም ክሰርሑ ጸኒሖም፡ ካብ 2007 ዓ.ም. ክሳዕ 2013 ዓ.ም. ከም ኣባል ናይ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ባይቶ ወኪል ናይ ኢንድያና ኮይኖም፣ ካብ 2013 ዓ.ም. ክሳዕ 2019 ዓ.ም. ድማ ኣባል ላዕለዋይ ባይቶም ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ኮይኖም ክሰርሑ ከለዉ፡ ናይ ኣፍጋኒስታን ጉዳይ መጽናዕቲ ምስ ዝገብሩ ኣባል ብሙዃን ከምኡ ውን ብፕሮፈሶር መዓርግ ኣብ ኖቶር ዳም ዩኒቨርሲቲ ኣቦ መንበር ቦርድ ናይ ማእከል ሶውፎን፣ ኣብ ኒውዮርክ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ናይ ተሓዳሲ ምንጪ ጸሓያዊ ጸዓት ኣብ ደቡብ በንድ ኢንድያና ኣገልጊሎም፡ ቀቅድሚ ምሻሞም ድማ ኣብ ኣኪን ጋምፐ ዝተባህለ ትካል ከም ኣባል ኮይኖም ይሰርሑ ምንባሮም ይፍለጥ።
ከም ልኡኽ ሃገር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምሻምኩም እንታይ ይስመዓኩም? እንታይ ከ ይርኣየኩም?
ኣነ ክትኣምኖ ብዘጸግም ብሕጉስ መንፈስ መራሒ ሃገረይ ጆ ባይደን ምሉእ እምነት ኣሕዲሮም ሸይሞምኒ፣ ናተይ እጃም ከኣ ነዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኣሜሪካን ዘሎ ርክብ ምቕጻልን ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ብምብጻሕ ብሓደ ዝምዕብላሉ ባይታ ንምጥጣሕ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሽመት ደብዳቤ ምቕራብኩም ዝዝከር እዩ ምስ ቅዱስ ኣቦና ርከብ ከመይ ኔሩ?
ብጣዕሚ ዘሐጉስ እዩ ምኽንያቱ ምስ ከምዚኦም ዝመሰሉ ምሉእ ዓለም ከም ምንጪ ተስፋ ዝኣመነሎም ኣብ ቅድምኦም ክትቀርብ ዘሐጉስን ዘገርምን እዩ። ዘገረመኒ ጓል 11 ወርሒ ውላድ ውላደይንቅዱስ ኣቦና ብተመስጦ ክትቀርቦም ንሶም ውን ብተመሳሳሊ ዝቐረብዋ ኮይኑ ዝተሰመዓኒ ነንሐድሕዶም ዝተረዳድኡሉ መንፈሳዊ ኩነት እዩ ኔሩ። ምስ ቁዱስ ኣቦና ምርኻብ ምስኦም ብቀረባ ክሰርሕ ምብቅዐይ ኣብ ሂወተይ ዝዓበየ ሓበን ይስመዓኒ ብምባል ብዛዕባ ዩክሬንን ብሓፈሻ ናይ ዓለምን ሰላም ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ተመያይጥና ኢሎም።
ኣብ ምንታይ ዘተኮረ ስራሕ ክትሰርሑ ትሓስቡ? ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣመሪካ ክትሰርሖ ትኽእል ነገር እተሎ? እሰኹም ከ ኣበየናይ መዳይ ሰሪሕኩም ዝያዳ ተድምዑ?
ርድኢት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝፈትዋ ሃገረይ ብኹሉ መዳይ እንተርኢኻ ምስ ቅድስቲ መንበር ሓደ ዓይነት ዓላማ እዩ ዘለወን ምሕላው ሰብኣዊ መሰላት፣ ክብሪ ወድ ሰብ፣ ካልእ ብዝዙሕ ነገራት ብሓደ ኴንና ክንሰርሖ ዘኽእል እዩ። ኣስፊሕና እንተርኢናዮ ሰብኣዊ ድሕነት ወድሰብ፣ ሕልሙ ብጋህዲ ዝርእየሉ፣ ስድርኡ ዝከናኸነሉ፣ ዝበልዖን ዝሰትዮን ዝረኽበሉ፣ ንስድርኡ መጽለሊ ዝረኽበሉ፣ ናይ እምነት ነጻነት ክህልዎን ክሰብኽን ዝኣመሰሉ ክማልኣሉ ክንሰርሕ ኢና። ሃገረ ቫቲካን ንዓለምና ትሕልዋን ትከላኸለላን ከምዘላ ንኣምን ኢና። ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቶም ኣንቢብና ኢና ንሕና ናይዛ ንእሽቶ ዓለም ፍጡራት ክሳዕ ዝኾንና ክንከላኸለላን ክንሐልዋን ንግደድ ኢና። ከምዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ኲናት ዩክሬን ብሚልዮናት ዝስደዱ ኣብ ኩሉ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሰብ ምስግጋር ተዋፊሮም ህዝቢ ዓለም ዘከላብቱ ዘለዉ ናይ ገበን ጒጅለታት ንምክልኻል ምስ ቅድስቲ መንበር ብምሉእ ዓቕምና ክንሰርሕ ንደልይ ኢና ብፍላይ ጥዕና ብዝምልከት ንኹሉ ህዝቢ ክባጻሕን ምሉእ ጥዕና ክረክብ ምግባርን እዩ።
ር.ል.ጳ. ፍራንቸስኮ ን ዩክሬን ከምኡ ውን ንመላእ ዓለም ሰላም ክገብሩ ብተደጋጋሚ ተማሕጺኖም እዮም እዚ ምሕጽንታ ዘምጽኦ ለውጢን ጠቕሚን ኣሎ ዶ ትብሉ?
ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝነበረና ርክብ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ግዜና ብዛዕባ ኲናት ዩክሬን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝቢ ዝዘንብ ዘሎ ኣጽዋር ደው ንምባል ዝከኣለና ንገብር ከምዘለና ተዘራሪብና፣ ዋላኳ ቅዱስነቶም ኲናት ደው ክብል ይጽዕሩ እንተሃለዉ እሞ ንድግፎ ተኾንና ሰማዒ ስለዘይረኸበ፣ ዩክሬን ሉኣላዊት ሃገር ብምኳና እሞ ስለ ዝተወረረት፣ ንሕና ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ መንግስቲን ህዝብን ደው ከምንብል ክንሕግዝ ምዃንና ውን ክፍለጥ ኣለዎ።
ኣብ ሮማ ዝርከብ ማሕበረሰብ ሳንታ ጂድዮ በጺሕኩም ኔርኩም ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ዝገብርዎ ዘለዉ ኣቀባብላ ከመይ ረኺብኩምዎ?
ኣብ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ጂድዮ ዝረኣኽዎ ከብድኻ ዝበልዕ እዩ፡ እትው ምስ በልኩ ዘጋጠመኒ ሰብኣይን ሰበይቲን ምስ ሓደ ትሕቲ ክልተ ወርሒ ዝዕድሚኡ ህጻን ዝሓቖፉ እዩ፣ እቲ ናጽላ ኣብ ትሕቲ መሬት ናይ ሕክምና ካብ ደብዳብ መዕቆቢ እዩ ተወሊዱ፡ ኣብ ወርሑ ከኣ እዚ ኩሉ መንገዲ ካብ ዩክሬን ንጣልያን ብኣውቶቡስ ተጓዒዙ ሕሰብዎ እዚ ናጽላ ዘጓነፎ ዝመጾ ነዊሕ ጒዕዞ ኣብ ትሕቲ መሬት ምውላዱን ክነብር ዝሓለፎ ጸገማት ቅድሚ ሕጂ ርእየ ኣይፈልጥን፣ ሕጂ ግን ድሕሪ ነዊሕ ከርተት ኣብ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ጂድዮ ማሕበረሰብ በጺሑ ክነብር ክጅምር እዩ፣ መደቀሲ ክረክብ ተስፋ ኣለዎ፣ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣትዩ ዝብላዕ ክረክብ እዩ፡ እዚ እዩ እንበኣር ውጽኢት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን።
ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ መጀመርታ ዓዋዲ መልእኽቶም ‘ይሴባሕ’ ዘርእስቱ ከባብያዊ ኩነታት ኣየር ከምኡ እውን ‘ኵላትና ኣሕዋት’ ዘርእስታ ብዛዕባ ሰብኣዊ ብዙሕነት ዝገልጻ ክልተ መጻሕፍቲ ዘዳለዉወን እንታይ መሲጥኩም ከመይ ከ ረኺብኩመን?
ንሕና ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክንገብሮ ዝግበኣና ንምዝኽኻር፣ ቅዱስ ኣቦና፥``ንሕና ኣባጊዕ ኢና’’ ክብሉ ዝጠቐስዎ መልእኽቲ የሱስ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝግበር ኩሉ ኣባይ ከምተፈጸመ እዩ ይብል፣ ስለዚ እቲ መጻሕፍቲ ዝህቦ ኣስተምህሮ ከቢድ ቁውም ነገር ዝሓዘለ እዩ። በዚ እዩ ከኣ ህዝቢ ንቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፍዎ ዘኽብሮምን ዘፍቅሮምን፣ ብኣና ዝሓስቡ ስድራና ዝሕግዙ መንፈሳዊ ድሕነትና ዝሕልዉ ብዛዕባ ኣብ ዓለምና ዝወርድ ግፍዒዝሓዝኑ ኮታስ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ጾር ኣብ እንግድዖም ዝተሸከሙ ቅዱስ ኣቦ እዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስኦም ምህላወይ ተባሪኸ እየ ሃገረይ ወኪለ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣካል ምስዞም ቅዱስ ኣቦና ምህላወይ እዩ እቲ ፍጹም ባርኾት እንክብሉ ቃለ መሕትቶም ዛዚሞም።