ናብ ዓለም ዝጥምት ሓድሽ ስሜተ ካርዲናላት
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሻምናይ ግዜ ዕለት 27 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ሓደስቲ ካርዲናላት ክሰምዩ ምዃኖም ዕለት 29 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ብወግዒ ከም ዝሓበሩን ነዚ መሰረት ገይሮም ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ማንም ከይተጸበዮ ድሕሪ ሰለተ ወርሒ ኣቐዲሞም ዕለት 27 ታሕሳስ 21 ሓደስቲ ካርዲናላት ኪሰምዮ ምዃኖም ከም ዝገለጹን ካብዚኣቶም እቶም 16 ትሕቲ ሰማይና ዓመት ዝዕድመኦም በዚ ምኽንያት ከኣ ብመሰረት ሕገ ቀኖና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽን ምምራጽን መሰል ዘለዎም ክኾኑ እንከለዉ እቶም ሓሙሽተ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ብምዃኖም ብሕቀ ቀኖና መሰረት ናይ ምምራጽ መሰልም ዘይብሎም ከም ዝኾኑ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይሕብሩ።
ከምቲ ልሙድ ኣብ ወርሒ ለካቲት ሰነ ወይ ሕዳር ዘይኮነ ኣብ ምወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ሓደስቲ ካርዲናላት ክስመዩ ከም ዝኾኑን ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ቅዱስነቶም ምስ ካርዲናላት ኵርያ ሮማና ኣብ ዛዕባ ስሜት ሓደስቲ ካርዲናላት ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ Praedicate Evangelium - ወንጌል ስበኹ ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 19 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ዝጸደቐ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ዓውደ ርክብ ከካይዱ እዮም። እቲ ዕለት 27 ነሓሰ ስሜት ሓደስቲ ካርዲናላት ስዒቡ ካብ ዕለት 29 -30 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ብቕዱስነቶም ዝምራሕ ዓውደ ኣኼባ ብጹዓን ካርዲናላት ክካየድ እዩ። ኣስማት መንነት እቶም ዝስመዩ ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኽተልዎ መስመር ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘመላኽት እዩ። ካብቶም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት እቶም 16 ትሕቲ ሰማንያ ዓመት ዝዕድመኦም ናይ መለኮታዊ ስርዓተ ኣምልኾን ስግደትን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ናይ ካህናት ጒዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ከምኡ እውን ናይ ቤተ ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ኣቦ መንበር ዝርከብዎም ከም ዝኾነን ኣስማት ናይቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ቅዱስነቶም ንወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ዝጠመተን ነቲ ሓደ እዋን ብካርዲናላት ዝመራሕ ገርካ ዝርአ ዝነበረ ኣመለኻኽታ ግምት ከየእተወ ካብ ኵሉ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ ኣቡናት ዝሓቑፍ እዩ።
ሰለስተ ኣብ ኵርያ ሮማና - ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ምሕደራ ሓዋርያዊ መንበር ኣባላት እንግሊዛዊ ብጹዕ ኣቡነ ኣርቱር ሮቸ፡ ተወላዲ ስፐይን ብጹዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቨርገዝ፡ ኮርያዊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ናይ ሰበኻ ማርሲሊያ ሊቀ ጳጳስ ናይ ኮሞ ጳጳስ ኣብ ሞንግሊያ ሓዋርያዊ ህየንተ ኢጣሊያዊ 48 ዓመት ዝዕድመኦም ብጹዕ ኣቡነ ጆርጆ ማረንጎ ክልተ ካብ ኣፍሪቃ ኣርባዕተ ካብ ላቲን ኣመሪካን ሰሜን ኣመሪካን (ሓደ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰለስተ ካብ ላቲን ኣመሪካ) ካብቶም ካርዲናል ዝስመዩ ናይ ማርስሊያ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ኣልጀርስ ዝተወልዱ ምዃኖም ቶርኒየሊ ይሕብር። ካብቶም 21 ሓደስቲ ካርዲናላት እቶም ሓሙሽተ ብሕገ ቀኖና መሰረት ብዕድመ ምድፋእ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብሎም ከምዝኾኑን እቶም ክልተ ጳጳሳት ዘይኰኑ ናይ ጳጳሳዊ ግረጎሪያን መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ዝነበሩ ናይ ሕገ ቀኖና ሊቅ ኢየሱሳዊ ካህን ምስ ቅድስቲ መንበር ብምትሕብባር ዝዓዩ ኣባ ጃንፍራንኮ ግሪላንዳ ይርከብዎም።
ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ኣባላት ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጒባኤ ክንበብ ኣንከሎ እቶም 107 ካብ ኤውሮጳ ካብዚኣቶም እቶም 51 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ካብ ላቲንን ሰሜን ኣመሪካ 60 ካብኣቶም 38 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ካብ እስያ 30 ካብኣቶም እቶም 20 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ካብ ኣፍሪቃ 27 ካብእቶም 17 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎምን ካብ ኦቻይና ሰለስተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ብጠቕላላ 5 ካርዲናላት ከም ዝኾኑ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይሕብሩ።