መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኣፍሪቃ፥ ሽርክነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን
ሳላ እቲ ዕለት 24 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጐ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጒባኤን ጉጅለ ኣፖን እተገብረ ስምምዕ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ሓበሬታ ምርካብን ነቶም ኣብ ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን ዝዓዪ ዘድሊ ሓበሬታን ሕንጸትን ኣብ መዳይ መራኸቢ ብዙሓን ዝድግፍ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ውጥን እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዝከታተል ድርገትን ከም ዝዋስኡን እዚ ዝተበጽሔ ስምምዕ እዚ ሓበሬታ ብዝያዳ ንምዝርጋሕን ንዅሎም ኣፍሪቃውያን ካቶሊክ ምእመናን ንኽበጽሖም ዘኽእለና ስምምዕ እዩ እንክብሉ ናይ መላእ ኣፍሪካን ማዳጋስካርን ብጽዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኡየድራኦጎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።
ናይ መላእ ሃገራታ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጒባኤን እቲ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከብ መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጣዊ መግለጽታትን ዝዝርግሕ ቀንዲ ትካል መራኸቢ ብዙሓን ጒጅለ ኣፖን ሎሚ ነቲ መሰረታዊ መልኽትታት ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ጳጳሳትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ዝግለጽ ዜናታትን ሓበሬታትን ብዝሓሸ መገዲ ንምዝርጋሕ ከምኡ እውን ብዛዕባ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ዚግለጽ ዜናታትን ሓበሬታን ነቶም ኣብታ ኣህጉር ንዝርከቡ 252 ሚሊዮን ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ዝስደት ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምዝርጋሕ ዝብል ስምምዕ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ውጥን እዚ ነቲ ኣብ 1971 ዓ.ም. ንናይ መላእ ሃገራታ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ ንምድጋፍን ነቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ እተካይዶ ተልእኾ ንምድጋፍን ጉስነታዊ መራኸቢታትን ሓበሬታታትን ንምውህሃድ ዝቖመ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ስነ-መላን ተበግሶታትን ውሑስ ንምግባር ዝተሓንጸጸ ምዃኑ የዘኻኽር።
እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተኸተመ ስምምዕ
እቲ ናይ ሽርክና ስምምዕ ዕለት 24 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ወግዓዊ ከም ዝኾነን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኡጋዱጒ ሊቀ ጳጳሳት ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፊሊፐ ኡየድራኦጎ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ ዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ጒዳይ ዝሓልይ ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኦቮ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኤማኑኤል ባደጆን ናይ ጉጅለ ኣፖ ትካል መስራትን ኣቦ መንበርን ኒኮላስ ፖምፒኘ ሞኛርድን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝኸተሙን፡ እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ ጐድኒ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ ብምዃን ኣብ መንጐ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሱታፌን ምትሕብባርን ናይ ሓባር ተግባርን ስጒምትን ዘነቓቕሕን ኣፍሪቃውያን ካቶሊክ ኣብ መንጐኦምን ምስ ኵላዊት ቤተክርስቲያን ሃገረ ቫቲካንን ዝያዳ ሓድነት ክህሉን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝያዳ ውጽኢታዊ ንኽኸውን ዓቢይ ደገፍ ዝህብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምትሕብባር ሓዋርያዊ ጒስነት ምሕባርን ምድንፋዕን
ጒጅለ ኣፖ ንሰካም - ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ ከም ጋዜጣዊ መግለጽታት ምዝርጋሕ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ኣካየድቲ መራኸቢ ብዙሓንን ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝግበር ኣኼባታት ኣካየድትን ከምኡ እውን ነቲ መራኸቢ ብዙሓን ንምስፋሕን ብዛዕባ እታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ኣረኣእያ ክብ ንምባልን ምስ መራኸቢ ብዙሓን ካልኦት ውድባትን ዝግበር ኣኼባታት ዝኣመሰለ እተፈላለ መዳያት ደገፍ ዝህብ እዩ። ካርዲናል ኡየድራኦጎ፥ “ጒጅለ ኣፖ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ህዝባዊ ርክባት ዘለዎ ተመክሮን ምስ መራኸቢ ብዙሓንን ምስካልኦት ምራኡያት ውድባትን ዓሚቝ ርክብ ከነቐውም ዝኽእለናን ቀጻልነት መልእኽትታትና ውሑስ ንምግባርን ንዅሎም ኣፍሪቃውያን ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽበጽሖምን ኣብ ምልእታ እታ ክፍሊ ዓለም ኣብ መጓሰ ግብረ ኖልዎ ምትሕብባር ንኸነደንፍዕ ዝሕግዘና እዩ” እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝገለጹን፡ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጒዳይ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ዝሓልይ ድርገት ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ባዴጆ እውን ብወገኖም፥ “ናይቲ ስምምዕ ዕላማ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክስርቲያን ኣብ መዓልታዊ እምነቶም ምስ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውም ምስ ሃገረ ቫቲካን ምትእስሳር ዘለዎ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ምግባር ዝብል ክኸውን እዩ” ክብሉ እንከለዉ፡ ናይ ጒጅለ ኣፖ መስራትን ኣቦ መንበርን ኒኮላስ ፖምፒኘ ሞኛርድን ነቲ ምስ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዚግበር ምትሕብባር ንብምሉኡ ህላወ ኣፍሪቃ ዜንቀሳቕስን ነቲ ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓሚቝ ድላይን ዕቑር ሓይልን ክጐልሕን እታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ዘለዋ ዕቑር ሓይሊ ተጠቃሚት ንኽትከውን ዝሕግዝ ስምምዕ እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።