ሆንግ ኮንግ፥ ካርዲናል ዘን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝጸንሑን ቅድስቲ መንበር ሻቕሎታ ትገልጽ
ዕለት 11 ግንቦት ምሸት ኣብ ሆንግ ኮንግ 90 ዓመት ዝዕድመኦም ብጹዕ ካርዲናል ዘን ምስቲ ዘመሓድርዎ ዝነበረ 612 እተሰምየ ማዕከን ሰብኣዊ ረድኤት ብእተተሓሕዘ ጒዳይ “ምስ ሓይልታት ወጻኢ ምትሕብባር”ብዝብል ክሲ በቶም ተቖጻጻሪ ሓገራዊ ደሕንነት ብዝብል ስም ዝቖመ ኣካል ሓለዋ ጸጥታ ተኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝጸንሑን ኣማስእዩ ንመመራ ኣብ ዝድለይሉ እዋን ክቐርቡ ብዋሕስ ከም እተለቁ ዜና ቫቲካን ናይ ሆንግ ኮንግ እገልግሎት ምንጭታት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ 2002 ዓ.ም. ክሳዕ 2009 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልገሉ ወዲ ተስዓ ዓመት ብጹዕ ካርዲናል ጆሰፍ ዘን ዕለት 11 ግንቦት ብናይ ሆንግ ኮንግ ናይ ሃገር ደሕንነት ተቖጻጻሪ ኣካል ሓለዋ ጸጥታ ተታሒዞም፡ ድሕሪ ዝተገብረሎም መርመራ ምሸት ብናይ እታ ሃገር ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 11 ብዋሕስ ከም እተለቁን ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ካብ ጋዜጠይናታት ሕቶ ዝቐረበሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ “ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እዚ ዝነገር ዞሎ ሓበሬታ ማእሰርቲ ደሓር ብዋሕስ ናጻ ምልቓቕ ብጹዕ ካርዲናል ዘን ብሻቕሎትን ኣቃልቦን ትከታተሎ ኣላ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ማእሰርትን ክስን
ካርዲናል ዘን ዕለት 11 ግንቦት በቲ ንሃገራዊ ጸጥታን ደሕንነትን ቻይና ንምሕላው ብዝብል ዕላማ እተመሰረተ ክፋል ሓለዋ ጸጥታ ተታሒዞም ኣብ ዋን ቻይ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣኽባሪ ሕጊ ጸጥታን ደሕንነት ሃገረ ቻይና ናይቲ 612 ማእከል ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሓዳሪ ኰይኖም ዘገልገሉ ብምዃኖም፡ እቲ ትካል ረድኤት ምስ ሓይልታት ወጻኢ ይተሓባበርን ነቶም ኣብ ሆንግ ኮንግ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይገብር እንክብል ከሲሱ ነዚ ጒዳይ እዚ መልሲ ንኽህብሉ ከም ዝሓተቶም ዜና ቫቲካን ምንጭታት ዜና ሆንግ ኮንግ ጠቒሲ ከመላኽት እንከሎ፥
ሰለስተ ተወሳኺ ማእስርቲ
እቲ 612 ትካል ረድኤት ኣብ 2010 ዓ.ም. ዝተመስረተን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ ዝፈረሰ ብጀካ ናይቲ ትካል ረድኤት ኣመሓዳሪ ኮይኖም ዘገልገሉ ካርዲናል ዜን ካልኦት ናይቲ ዝፈረሰ ትካል ረድኤት ጐስጓሳት ዘነቓቕሑ ዝነበሩ ናይ ሕጊ ጠበቓ ማርገረት ንግን ንተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ዝውክሉ ኣባል ህዝባዊ ባይቶ ምሁር ሁይ ፖ ከኡንግን ሙዚቀይና ደኒሰ ሆ ብሓይሊ ጸጥታን ደሕንነትን ኣካልት ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝጸንሑን ከም ብጽዕ ካርዲናል ዘን ብዋሕስ ከም እተለቑ ምንጪታት ሆንግ ኮንግ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መርመራ
መራኸቢ ብዙሓን ሆንግ ኮንግ ከም ዝጸብጸቦ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝጀመረ መርመራ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ሰነ 2020 ዓ.ም. ቤጂንግ ኣብ ዝደንገገቶ ሕጊ “ሃገራዊ ጸጥታ ብምጥሓስ ምስ ሓይልታት ወጻኢ ምትሕብባር” ብኸቢድ ገበን ዘኽስስ እዩ ዝብል ዓንቀጽ ዘጠቓልል ኮይኑ፥ እዚ ሓድሽ ዝተደንገገ ሕጊ እዚ ጸረ ደሞክራስን ደሞክራሲ ንኸይህሉ ዝገብር እንክብላ ብዙሓት ሃገራት ተቓውሞአን ከም ዘስመዓን እቲ ሓድሽ ሕጊ ዕልዋ ምግንጻልን ግብረ ሽበራን ዝብሉ ገበናት ክሳዕ ናይ ዕድመ ማእሰርት ከስዕብ ዘኽእል ምዃኑ ዘመላኽት እውን ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ገሊኣተን ናይ ሆንግ ኮንግ ናይ ዜና ማዕከናት ናይ ሆንግ ኮንግ ልሂቅ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ዘን ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣንጻር መግንስቲ ዝተኻየደ ናይ ተማሃሮ ናዕቢ ዘለዓዓሉ እንክብላ ከም ዝኸሰሰኦምን ካርዲናል ዘን ናይ ቻይና ዴሳዊ ፖለቲካዊ ወድብ ኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ጸቕጥን መስጐጒትን የካይድ ኣሎ እንክብል ንመጀመሪያ ግዜ ብግልጺ ነቒፎም ገዛእ ርእሶም ንሓደጋ ከም ዘቃለዑ ይንገር።