ድለ

ፓሮሊን፥ ውጥን ኤውሮጳ ውጥን ሰላም ኰይኑ ይቐጽል! ፓሮሊን፥ ውጥን ኤውሮጳ ውጥን ሰላም ኰይኑ ይቐጽል! 

ፓሮሊን፥ ውጥን ኤውሮጳ ውጥን ሰላም ኰይኑ ይቐጽል!

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካሪዲናል ፓሮሊን፥ . . . ሞት በቲ ህይወት ዘተንስእ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ክርስቶስ ተሳዒሩን . . . ኣብ በዓለ ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ ማዕጾ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይኸፍተልና እዩ። ሞት ሓይሊ የብሉን ብመድሓኒናን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሳዒሩ እዩ! ኢየሱስ ናብ እግዚኣብሔር መገዲ ኮነና፡ ንሱ እቲ ናብ ናይ ሓቂ ህይወት እንትኣትወሉ መገዲ እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 9 ግንቦት ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት ዩክረይን ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ መዓልቲ ኤውሮጳ ምኽንያት ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም፥”ሕብረት ኤውሮጳ ተዘክሮ እቶም “ነቲ ህይወት ብዙሓት ዝጠፍኣሉ ክፍሊ ዓለም ንምህናጽ ዝዓየዪ ኣቦታት ኤውሮጳ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ስብከት ከም ዝለገሱን ኣብ ምወዳእታ እውን ህልው ኵነታት ዩክረይን ዘኪሮም “ጐይታ ነቶም መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ ሰላምን ስኒትን ንምምላስ ምእንቲ ኽዓዩ ብርሃን የብርሃሎም” ዝብል ጸሎት ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግጭት እናሓሰቡ፥ እታ ካብ ፍርስራስ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተወልደት ኤውሮጳ፥ ሮበርት ሹማን ዘነቓቐሖ ባህግን መደብ ሰላምን ሎሚ እውን ክትቕጽሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 9 ግንቦት ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት ዩክረይን ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ መዓልቲ ኤውሮጳ ምኽንያት ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ተማሕጺኖም፥ ኣብ መንጐ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንህዝቢ ዘገልግል ረድኤት መአከብ ማእከል ኮይኑ ዘሎ ኣብ ሮማ ዝርከብ ኣብ ዩክረይን ናይ ቢዛንታይን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጒ ብጹዕነቶም፥ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ቅዱስ ኣቦና ዜስካሕክሕ ጭካነ ዝተመልኦ እንክንክብሉ ከም ዝገልጽዎ ዘኪሮም፥

ምእንቲ ግዳያት ውግእ ንጸሊ

ንዩክረይን ሰላም ነቶም ግዳያት ውግእ ዝዀኑ ብፍላይ ከኣ ንስደተይናታት ንቘልዑ ነቶም ኵሉ ዝበረሶም ከምኡ እውን ነቶም በይኖም ዝተሓድጒ ሰባት ካብ ኣምላኽ ስጋውን መንፈሳውን ምጽንናዕ ክረኽቡ ንልምን፡ ሰላምን ስኒትን ንኽምለስ ምእንቲ ክዓዩ ንልቢ መራሕቲ የብርሆ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሞት ተሳዒሩ እዩ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካሪዲናል ፓሮሊን፥ . . . ሞት በቲ ህይወት ዘተንስእ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ክርስቶስ ተሳዒሩን . . . ኣብ በዓለ ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ ማዕጾ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይኸፍተልና እዩ። ሞት ሓይሊ የብሉን ብመድሓኒናን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሳዒሩ እዩ! ኢየሱስ ናብ እግዚኣብሔር መገዲ ኮነና፡ ንሱ እቲ ናብ ናይ ሓቂ ህይወት እንትኣትወሉ መገዲ እዩ። ይዅን እምበር እቲ ክርስቶስ ዝረኸቦ ዓወት ኣብዛ ሓጢኣትን ሞትን ሰዓሪ ኣብ ዝመስለላ ዓለም ዳርጋ ዘጠራጥር ወይ እተጋነ እዩ ዝመስል . . . ።”

ዘይርሳዕ ኣዋጅ ሹማን

ብክቡር ናይ ፈረንሳ ናይ ወጻኢ ጒዳይ ሚኒ. ነበር ሹማን ዕለት 9 ግንቦት 1950 ዓ.ም. ካብቲ ኤውሮጳ ክሳዕ ሽዑ እትፈልጦ ዝነበረት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሰፊሕን መላእ ኤውሮጳ ዝዓብለለ ደማውን ውግእ ካብ ዝዛዘም ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዝተሓንጸጸ ዘይርሳዕ ብስሞም ዝጽዋዕ ኣዋጅ ዘኪሮም፡ እዚ እውን ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ መዓተይና ውግእ ዝጻረር ኤውሮጳ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ውግእን ሳዕቤናቱን ተማሂራ መሬት ሰላም ናብ ምዃና ንኽትምለስ ዘተሓሳስብ ዝኽሪ መዓልቲ ኤውሮጳ እዩ። ሹማን ግጭትን ውግእን ከወግዶ ዝኽእል እንኮ መገዲ “ዙሕል ውግእ ዝኣመሰለ ኣጽዋር ውግእ እተዓጥቀ ሰላም ምህናጽ ከም ዘይኮነ ኣቐዲሙ ዝተረድአ ምንባሩ ዘኪሮም፡ ኣብ ክንዱኡስ ናብ ሓቅነት ዝዓሰሎ ዕርቂ ክመርሕ ዝኽእል ሓባራዊ ሓድነትን ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ምክፋልን ጥራይ ምዃኑ ዘስተዓውለ እዩ። በዚ ከምዚ ከኣ እዩ ናብ ፈደረሽን ኤውሮጳ ዝወስድ መገዲ ክስዕብ ዝጀመረን ናይተን ንነዊሕ እዋን ኣጽዋር ውግእ ኣብ ምምራት ገዛእ ርእሰን ዘወፍያ ዝነበራ ሃገራት ጽሕፍቶ እተቐየረን።

ሓድነትን ዕርቅን ዝዓሰላ ኤውሮጳ ምህናጽ

መሰረት ኣዋጅ ሹማን ኵሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን መብጽዓ ኣብ ዙሪያ መዓልታዊ ህይወቱ ዝዅስኵስ ክርስቲያናዊ እምነት እተኣልመ እዩ ነይሩ። እዚ እውን ኣብ ዕለታዊ ህይወቱ ባዕሉ ዝምስክሮን ዝነብሮን ምንባሩ ብጹዕነቶም ዘኪሮም፡ ሳላ እዚ ንዅሉ ዝሓቍፍ እምነት ከኣ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ፈረንሳ ናይ ወጻኢ ጒዳይ ሚኒ. ዝነበሩ ሹማን ንሓድነትን ዕርቅን ኤውሮጳ ክዓዩ ጀመሩ። ኣብ መገዲ ምስቶም ሓደ ዓይነት እምነት ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ብዛዕባ ህላወ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ቃል ኪዳን ንሓባራዊ ጥቕሚ ግዱሳት ምስ ዝኾኑ ምስ ኮንራድ ኣደናወርን ኣልቺደ ደ ጋስፐሪን ተራኸቡ።

ምስማዕ

ኵላቶም ሞት ብኻልእ ሞት ከም ዘይሰዓር የግዳስ ህይወት ጥራይ ንሞት ከም ዝስዕሮ ይፈልጡ ነይሮም፡ እቶም መስረትቲ ኤውሮጳ ነቲ እተላዕለ ብድሆታት ክዋጽኡሉ ዝኽእልሉ እንኮ መገዲ ንምኽንያታት ካልኦት ንምርዳእ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምኽንያት ብቕንዕናን ብቐሊሉን ብምግላጽን ምስማዕ ምዃኑ ዝተረድኡ ከም ዝነበሩ ካርዲናል ፓሮሊን ዘኪሮም፡ ስለዚህ ከኣ ኢዮም ንሓድሽ ህንጻ መሰረት ዘንበሩ፡ ከምኡ እውን ቅድሚኦም ዝነበሩ ሰባት ዘዕነዉዎ ንምህናጽ ኣብ ሕይወቶም ዝዓየዩ፡ ስለዚ ድማ መሰረትቲ ኤውሮጳ - ኣበው ኤውሮጳ ኢልና እንጽውዖም። ውርሻኦም ሎሚ እውን ነቲ ብርታዐ ኤውሮጳ ጽን ቢልካ ምስማዕን ሓንጐፋይ ቢልካ ምቕባልን ዝብል እዩ። እዚ ውርሻ እዚ ኣብቲ ሎሚ ዘሎ ዘናውጽ ጽመት ዓለም ህያው ምግባር ዓቢይ ክብሪ እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 May 2022, 16:35