ጋላገር፥ ዘተን ሰላምን ንምትብባዕ ናብ ለዮፖሊን ኪየቭን
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ካብ ሎሚ ዕለት 18 ግንቦት ጀሚሮም ኣብ ኡክረይን ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ጽንኵር ፈተናን ስቓይን ንዝርከብ ህዝቢ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ር.ሊ.ጳጳሳትን ጥብቂ ርክብ ንምምስካርን ዘተን ሰላምን ንኸተባብዑ ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ የካይዱ ምህላዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበትን ሓልዮትን ናብቲ በቲ ውግእ እተተንከፈ ህዝቢ ንኸብጽሑ ሎሚ ዕለት 18 ግንቦት ዩክረይን ከም ዝኣተዉን እዚ ምብጻሕ እዚ እውን ቅድስቲ መንበር ምስ ምብራቕ ሃገራት ኤውሮጳ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ዘበገሰትሉ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ኣብ ዝክበረሉ እዋን ዝካየድን ሰላም ንምምላስ ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝኣመተ እውን ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብጹዕነቶም ኣብዚ ዘካይድዎ ዘለዉ መገሻ ከተማ ለዮፖሊን ኪየቭን ክበጽሕ እዮም፡ በቲ ዘለዎም መደብ መሰረት እውን ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ሊዮፖሊ ምስ ናይ ግሪኽ ስርዓት እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኢጎር ቮዝኒያክ ክራኸቡን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መእለዪ ስፍራ ከም ዝበጽሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ዕለት 19 ግንቦት ምስ ናይ ዞባ ሊዮፖሊ መራሔ ዞባ ማክስዩም ኮዝይትስክይን ኣስዒቦም ኣብ ዪክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክን ምስ ናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ስታኒስላው ካገድኪን ክሌኣዊ ርክባት ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ናይ ኢጣሊያ ናይ መንግስቲ ናይ ተለቭዥንን ራዲዮን ማዕከን ኣካል ምስ ዝኾነ ራይ - 2 ምስ እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ኣብ ዩክረይን ዘካይድዎ ዘለዎ መገሻ ሓቢሮም ከም ዝነበሩን ኣብቲ ዕስራ ደቓይቕ ዝወሰደ ቃለ መሕትት፥ ብጹዕነቶም ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስታት ማለት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዘስዕቦ ኣህጉራውን ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዘሎ ናይ ሓባር ዘተን ሳዕቤን ከም ዝገለጹን እቲ መደብ ምብጻሕ ናብ ኡክረይን ቅድሚ በዓለ ትንሳኤ ንኽካይድ ተወሲኑ ከም ዝነበረን ብሰንኪ ጥዕና ከም እተመሓላለፈን ኣነጺሮም ከም ዝነበረ ዘርኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዞም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቲ ምርድዳእ ንምድንፋዕን ፍታሕ ንምርካብ ንዝግበር ዝዀነ ይዅን ዘተ ከም እትድግፍ ብተደጋጋሚ ኣጒሊሖም ከም ዝነበሩን ብፍላይ “ህይወት ሰባት” ኣብኡ ዚምርኰስ እንተ ዀይኑ ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ስጒምቲ ዓቢይ ሓላፍነት ኣለዎ ቢሎም ነቲ ውግእ ካብ ምምዝማዝ ምርሓቕ ከምኡ እውን “ቅንዕናን ግልጽነትን” ምምላስ ኣድላዪ እዩ ከም ዝበሉ የዘኻኽር።