ድለ

ዩክረይን፡ ጋላገር፥ ኣክንዲ እቲ ዕሽነት ዝመልኦ ግጭት ኣብ ጐደና ሰላም ዩክረይን፡ ጋላገር፥ ኣክንዲ እቲ ዕሽነት ዝመልኦ ግጭት ኣብ ጐደና ሰላም 

ዩክረይን፡ ጋላገር፥ ኣክንዲ እቲ ዕሽነት ዝመልኦ ግጭት ኣብ ጐደና ሰላም

ቡቻ “ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ነገራት ኣብ ኤውሮጳ ከም እተፈጸመ ዝነገር እዩ” ቢሎም እቲ ዘሕዝን “ኣብ ታሪኽ መበል 21 ዘመን መፍትሒ ናይ ዝኾነ ይዅን ዘይምርድዳእ ውግእ ክኸውን ከም ዘይብሉን። ንሰላም ኣቕሊልና ክርእያ ከም ዘይብልና ዝነግር እውን እዩ

ካብ ዕለት 18 – 21 ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ ዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ብሓባር ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጒዳያት ዩክረይን ዲሚትሮ ኩሌባ ድሕሪ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ቅድስቲ መንበር እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦን ውዕላት መስርሕ ሰላም ንምድንፋዕ ክትሽምግል ድልውቲ ምዃና ገሊጾም እቲ ኣብ ቡቻ ዝተራእየ ዘስካሕክሕ ታሪኽ ሰላም ኣቕሊልካ ክርአ ከም ዘይብሉ የረጋግጸልና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እዚ ምብጻሕ እዚ በሰላ እዛ ሃገር ንኽትንክፍ ኣኽኢሉኒ። ዕለት 20 ግንቦት ናብተን ሰማእታት ዝዀና ከተማታት ቡቻ ቮርዘል ከምኡ እውን ኢርፐን ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዝገለጹ ኣብ ዩክረይን ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ “እቲ ምብጻሕ ብፍላይ ነቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘውረደቶ መጥቓዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ቅድስቲ መንበር - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ህዝቢ ዩክረይን ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዎም ንህዝብን ሃገርን ዩክረይን ንምምስካር እዩ” ቢሎም ቅድሚኦም ቅዱስ ኣቦና ንብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ገበዝ ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋትን ኣገልግሎት ዘይንጽል ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ ናብ ዩክረይን ብምልኣኽ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ዝዝከር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከተማ ቡቻ ሰላም ኣቕሊልካ ዝረአ ከም ዘይኮነ ትገልጸልና

ቡቻ “ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ነገራት ኣብ ኤውሮጳ ከም እተፈጸመ ዝነገር እዩ” ቢሎም እቲ ዘሕዝን “ኣብ ታሪኽ መበል 21 ዘመን መፍትሒ ናይ ዝኾነ ይዅን ዘይምርድዳእ ውግእ ክኸውን ከም ዘይብሉን። ንሰላም ኣቕሊልና ክርእያ ከም ዘይብልና ዝነግር እውን እዩ። ሰላም ካብ ኣምላኽ እተወሃበ ውህበት እኳ እንተ ዀነ ጽቡቕ ፍቓድ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ሃይማኖት ወይ ፖለቲካ ምትእስሳር ብዘየገድ ብቐጻሊ ኪዓዩሉ ኣለዎም። ከምኡ እንተ ዘይጌርና ኸኣ ከምቲ ብቻ ብንጹር ዘርኣየቶ ናብ ሓደጋ ኢና እነንቆልቍል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሸቶ ሰላም ኣብ ምስዓብ ጽኑዓት ምዃን

ብጹዕነቶም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ብብዙሕ ሞት ብኵሉ ዓይነት ዓመጻ ብምጥፋእ ከተማታት ብምትታን ኣባይቲ ስድራ ከምኡ እውን ንስደት ዝዳረጒ ዘለዉ” ዝፈጠረሎም ጓሂ ኣጒሊሖም። ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ “ዕሽነት ዝመልኦ ግጭት ብኡንብኡ ደው ንምባል ብቅልጡፍ መገድታት ንምርካብ” እተገብረ ጻዕረ ጠቒሶም፥ “ኣብ ኣምላኽን ደቅሰብን ዘሎና እምነት ክሳዕ ሕጂ ነዚ ከቢድ ብድሆ እዚ ብጸሎትን ብቓላትን ተግባራትናን ኣቢላ ሸቶ ሰላም ንኽንስዕብ ይምርሓና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅድስቲ መንበር ሸምጋሊት ክትከውን ካብ ክልቲኤን ሃገራት ጻውዒት ክትቕበል ኣለዋ!

ቅድስቲ መንበር - ከምቲ ኵሉ ግዜ እትገብሮ ፍትሓውን ነባርን ውሳኔ ንምግባር ቅኑዕ መገዲ ብምርኣይ ናይ ሓቂ ናይ ውዕላት መስርሕ ንምድጋፍ ፍቓደይና ምዃና ኣረጋጊጾም፡ እንተዀነ ግን እቲ ግጭት ሰላማዊ ፍትሕ ንኽርከቦ ንኽትሽምግል ካብ ክልቲም ወገናት ጻውዒት ክትቅበል ኣለዋ። ቤተ ክርስቲያን፥ “ነቲ ህዝቢ ብኡንብኡ ኰነ ውዒሉ ሓዲሩ ዘድልዮ መንፈሳውን ሰብኣውን ነገራት ንምምላእ ትጽዕር ከም ዘላ” ገሊጾም። ኣብ መወዳእታ፥ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር፥ ንሰበ - ስልጣን ዩክረይን ደጊሞም ኣመስጊኖም ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንኻልኦት ኣብያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ከኣ “ነቲ ኣዚዩ ዜድልዮም ደገፍ ምእንቲ ኪረኽቡን እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር ሓባራዊ ጻዕርታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንጥፍኣትን ሞትን መወዳእታ ምእንቲ ክግበረሎም ኢሎም ንሰላምን ሓድነትን ዝገብርዎ ቈራጽነት” ልባውዊ ምስጋና አቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 May 2022, 09:27