ድለ

ጋላገር፥ ዩክረይን መሰል ርእሰ ምክልኻል ኣለዋ፣ ኰይኑ ግና ካብ ምድላብ በጽዋር ውግእ ምጥንቅቓ የድሊ ጋላገር፥ ዩክረይን መሰል ርእሰ ምክልኻል ኣለዋ፣ ኰይኑ ግና ካብ ምድላብ በጽዋር ውግእ ምጥንቅቓ የድሊ 

ጋላገር፥ ዩክረይን መሰል ርእሰ ምክልኻል ኣለዋ፣ ኰይኑ ግና ካብ ምድላብ በጽዋር ውግእ ምጥንቅቓ የድሊ

ብጹዕነቶም . . . ብዛዕባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ዝምልከቱ ጒዳይ ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ እዘን ሃገራት እዚኣተን ከም ኣባል ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ጸጥታን ደሕንነት ዓቢይ ግደ ኣለወን” እንተዀነ ግን ኵለን ሃገራት ዝምልከተን ዕማም ኣብ ምፍጻም ስነ ምግባራዊ ሓላፍነት ከም ዘለወን ቅድስቲ መንበር ትኣምን።

ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ዕለት 18 ግንቦት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ነቲ ቅድሚ በዓለ ፋሲካ ከካይድዎ ብመደብ ተታሒዙ ዝነበረ ደሓር እውን ብጥዕና ምኽንያት ዝተመሓላለፈ መደብ ምብጻሕ ናብ ኪየቭ ክፍጽሙ ምዃኖም ዕለት 12 ግንቦትምሸት ምስ ናይ ኢጣልያ ናይ ተለቪዥንን ረድዮን ብራይ ዱወ ምስ እተሰምየ ጨንፈር ክፍሊ ዜና ተለቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትቲ ሓቢሮም፡ ብጹዕነቶም እቲ ዘካየድዎ ናይ ዕስራ ደቓይቕ ቃለመሕትት ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ኣብ ዘሎ ውግእ ዘተኰረ ኮይኑ፡ እዚ ኸኣ ኣብዚ ጒዳይ እዝን ኣብ ዓለም ሓቆፋውን ርክባት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ኣረኣእያ እንታይ ይመስል ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናብ ሰላም ንዘብጽሕ ዘተ ቦታ ምሃብ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ነቲ ናይ ውድብ ስሜን ኣትላንቲክ ሃገራት ቃል ኪዳን ኣብ ጒዳይ ዩክረይን ዘለዎ ኣረኣእያን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ብምምርማር፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዋጋ ነፍሲ ወከፍ ድሕነትን ናይ ምክልኻል ስርዓትን ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል ትምህርቶም “ኣብ ሓድሽ ቅድድም ኣጽዋር ውግእ ድለባ በጽዋር ውግእን ዘእትው ከይኸውን” ብዝል ሓሳብ ከም ዘሰነይዎን “ናብ ሰላም ንዘብጽሕ ዘተ ቦታ ምሃብ” ዝብል ምሕጽንታ ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣጒሊሖም ነዚ መሰርት ብምግባር ናይ ቅድስቲ መንበር ኣመለኻኽታ እንከሕብሩ፥ “ዩክረይን ባዕላ ገዛእ ርእሳ ናይ ምልኻል መሰል ኣለዋ” እንተዀነ ግን እቲ ውግእ ኑክለሳዊ ስፍሓት ዘለዎ ክይኽውን መታን ካብ ቅድድም ኣጽዋር ውግእ” ምርሓቕ ወሳኒ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

መፍትሒ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ድልውነት ቅድስቲ መንበር

ኣቕዋም ናይ ቅድስቲ መንበር ይብሉ - ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር - ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከም ዝሓበርዎ - መፍትሒ ካብ ዘተ ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ኣብ ዘተ ዝተማእከለ መፍትሒ እዩ ክደል ዘለዎ። ቅድስቲ መንበር ካብ ቀደም ጀሚራ ብፍላይ ኣብ እዋን “ዝሑል ውግእ” ዘካየደቶ ጻዕርታት ዘተ ዘተባዕን ውግእን ምስሕሓብን ካልእ ጸገማ ከየተኣታትው ብዘተ ክፍታሕ ዘካየደቶ ጻዕሪ ኣብ ህልው ኵነታት ዓለም ለኻውን ዞባውን ጒዳያት እውን እተተባብዖ ናይ ስነ መላዊ ኬኣዊ ርክብ ኣመለኻኽታኣ እዩ። . . . ቅዱስ ኣቦና ንስቓይ ሰብን ሕዝብታትን ብቐረባ ዝከታተሉን ናቶም ዝገብሩን ምዃኖም ምስቶም ካብ ውግእ ዘምለጡ ዝተሰዱን ይራኸቡን የጸናንዑን እግዚኣብሔር ካብ ጸገማት ንኸናግፍፈና እውን ንጸሎት የተባብዑ . . . ኣብ ርእሲ እዚ እውን ቃላት ኣብ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ዓቢይ ክብደት ከም ዘለዎ ብምፍላጥ ‘ህይወት ሰባት’ ኣብዚ ዚምርኰስ ምዃኑ ምሉእ ቅቡል ብምግባር ኵነታት ንሃልኪ ብዘይ ምጥቓም ናብ “ግልጽነትን ቅንዕናን” ምምላስ የድሊ።

ምስ ቻይና ዘሎ ርክብ

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ብዛዕባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ዝምልከቱ ጒዳይ ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ እዘን ሃገራት እዚኣተን ከም ኣባል ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ጸጥታን ደሕንነት ዓቢይ ግደ ኣለወን” እንተዀነ ግን ኵለን ሃገራት ዝምልከተን ዕማም ኣብ ምፍጻም ስነ ምግባራዊ ሓላፍነት ከም ዘለወን ቅድስቲ መንበር ትኣምን። . . . ቅድስቲ መንበር ካብ ሓያሎ ዓመታት ምስ ቻይና ሰፊሕ ርክባትን ዝርርብን ተካይድ ምህላዋ ገሊጾም፡ ርክብ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ክኸውን እይክእልን ጸገማት ኣሎ ኵሉ ሳዕ እቲ ዝተደልየ ውጽኢት ዘይርከብ እውን ይኸውን፡ ይዅን እምበር ቅድስቲ መንበር ቻይና ኣብ ዓለም ዘለዋ ተራ ንኽትጻወት ከም እተተባብዕ የረጋግጹ።

ናይ ግጭት ሃይማኖታዊ ስፍሓት

እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪይርክ ኪሪል ኣተኻየዱ ርክባት ኣማእኪሎ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ‘ሃይማኖትዊ ስፍሓት’ ከም ዘለዎ ዝከሓድ ከም ዘይኮነ ኣዘካኺሮም ኣብ ማእከል ኦርቶዶካሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ዘይምርድዳእ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩሲያ ካብ መንግስቲ ፍልይ ዝበለ መርገጺ ኣብ ምቕራብ ዘለዋ ጸገም እውን ጠቒሶም፥ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ቀዳምነት ዝህብሉ ጒዳይ እዩ ይዅን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ርክብ ንኽካየድ ዝፈቕድ ቅኑዕ ኵነት ዘሎ እውን እተዘይመሰለ እቲ ዘተ ቀጻሊ ምዃኑ ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 May 2022, 17:24