ር.ሊ.ጳ ወንጌል ሰላምን ተቅባልን ሒዞም ማልታ ክበጽሑ እዮም! ካርዲናል ፓሮሊን
ዜና ቫቲካን!
ብፁዕነቶም ኣብዚ ዓለምና ብዘይተጸበዮ ቅልውላው ደመና ሳልሳይ ውግእ ዓለም ብፍርሂ ዘሸቊሩር ውግእ ኡክራይናን ሩስያን ከማኡ እውን ካብዚ ብዘይትሕት ሕይወት ብዙሓት ምድራዊ ገሃነመእሳት ገቢሩ ሞት ብዙሓት ንጹሓን ዜጋታት ዘስዕብ ዘሎ ስደት ኣብ ዘሻቅሎ ግዜ ነዚ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስነቶም ዝገልጻ ኣርባዕተ ቃላት ‘ሃንጐፋይ ቢልካ ምቅባል ንምክልኻልን ንምድንፋዕን ንምውህሃድን’ ዝብላ ቅዱስነቶም ኣብ ዓለምለኸ ዕለተ ስደተኛታት ዝበለወን መሪጾም። እዘን ቃላት እዚኤን ነዚ ሎሚ ዘሎ ግድላት ማርለት ካብ ውግእ ነዛ ሕይወቶም ከድሕኑ ዚሃድሙ ከማኡ እውን ካባኡ ብዘይሓምቅ መንገዲ ካብ ስደትን ዓመጽን ብምህዳም ዝበለጸ መጻኢ ንምርካም ዝስደዱን ብዙሕ ሓደጋታት ሰጊሮም ዝመውት መይቱ ምስ ብዙሕ ድኻምን ሕማምን ንዝመጹ ስደተኛታት ሃገራት ኤውሮጳ ሓላፍነተን ምዃኑ ተረዲኤን ኤእጃመን ከበርክታት ኣዘኻኺሮም።
ቀንዲ ዕላማ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስነቶም ግን ስብከተ ወንጌል ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕነቶም እዚ ስብከተ ወንጌል እዚ ከኣ ንህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ‘ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና ንሕይወትናን ተስፋናን ትርጉም ዝህብ ምኽንያት ከምዝኾነ ንከበስሩ እዩ፤ እዚ ሓዋርያዊ ጒዕዞ እዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት 2020 ክፍጸም እዩ ተመዲቡ ነሩ። እንተኾነ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ንሎምዘመን ተሰጋጊሩ፤ ሎሚ ኸኣ ኣይረድ ብዘብል መንገዲ ካብ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዘይሰንፍ መንገዲ ዓለምና ውግእ ኡክራይና ንዓለም ምሉእ ኣብ ዘሻቅለሉ ግዜ ይፍጸም ኣሎ፤ ቅዱስነቶም በዚ ብጣዕሚ ሓዚኖም እኳ እንተለው ድምጺ ኣጽዋር ውግእ ሱቊ ክብል ካብ ምጽላይን ምምሕጻንን ኣይቋርጹን፤ ከመይ ተስፋኦም ካብ እግዚኣብሔር እዩ’ እንክብሉ ነዛ ብውግእ ትሕመስ ዘላ ዓለምና ሰላም ነቶም ካብ ውግእን ስደትን ዓመጽን ዝስደዱ ዘለው ከኣ ተቅባል ዝኾነ ወንጌል ክርስቶስ ከበስሩ ነዚ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዝፍጽሙ ገሊጾም።
ነዊሕ ምስንዳውን ትጽቢትን ምትሕልላፋትን ዝተገብሩሉ ጒዕዞ ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕነቶም በየናይ መንፈስ ንንቅሎ ይሰናደው ከምዘልው ንጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ዝሕለን ዝነበረ ሓውጾተ ኖልዎ መዕረፊት ቅዱስ ጳውሎስ ዝኾነት ሃገረ ማልታ ዓለምና ካብ ጭንቀት ናብ ጭንቀት ኣብ ትሰጋገረሉ ግዜ ብምዃኑ ንቅዱስነቶም እዚ ዓቢይ ጓሂ ከምዝስምዖም ገሩ ደጋጊሞም ብዛዕባ ለበዳ ኮቪድ 19 ክምህለሉን ከጸናን ዑን ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ከኣ ውግእ ኡክራይና ክሳብ ክንደይ ከምዘሕዘኖም ደጋጊሞም ኣብ ዘቅርብዎ ምሕጽንታን ጻውዒትን ንሰምዖን ንዕዘቦን ጉዳይ እዩ፤ ስለዚ በየናይ መንፈስ እንተበልና ቃንዛ ዝመልኦ ኣብ ቃንዛ ሕዝቢ ምስታፍን ውግእ ደው ንክብል ዳግም ብምዕዳምን እዩ’ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ መዲተራንያን ሕይወቶም ንከድሕኑ ርድኡና ንዝብሉ ስደተኛታት ኣመልኪቶም ኩነታቶም ኣብ ምግላጽ ነቲ ባሕሪ ‘ሰማያዊ ምድረበዳ’ እንክብሉ ንዝገልጽዎ ብምዝካርን ነቲ ብድሕሪኡ ማር ኖስትሩም ባሕርና ዝብል ኤውሮጳዊ ማሕበር ግብረ ሠናይ ሕይወት ንምድሓን ተቃሊሶም፤ ብመንጽር እዚ ሎሚ ውግእ ኡክራይና ምስ ተላዕለ ስደተኛታት ንምቅባል ኤውሮጳ ተርእዮ ዘላ ምቅድዳም ኣመልኪቶም ከኣ፤ ዝምስገነን ዝነኣድን ግብረ ሠናይ እዩ፤ እንተኾነ እዚ መንፈስ እዚ ነቶም ካብ ደቡባዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና ሕይወቶም ንከድሕኑ ካብ ስደትን ድኽነትን ጭንቅን መከራን ውግ እን ንስደዱ እውን ከምዚ ዓይነት እዚ ምትሕብባርን ነቲ ጾር ምክፍፋልን ክረኤ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ብምግላጽ እዚ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስነቶም ከዝ ነዚ መንፈስ እዚ ከስርጽ እሞ፤ ነቲ ቅዱስነቶም ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ኢሎም ደጋጊሞም ዘቅረብዎ ጻውዒት ሕይወት ምድሓን ነዚ ከኣ ነቲ ሕይወት ብዙሓት ስደተኛታት ዝቀዝፍ ዘሎ መንገዲ ባሕሪ ካልእ ኣማራጺ መንገዲ ክድለ፤ ብዝበለጸ ከኣ ኩሎም ብሓባር ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ ምኽንያታት ብምእላይ ነፍሲወከፍ ስደተኛ ብሰላም ኣብ መረበቱ ቀሲኑ ብሰላም ዝነብረሉ ሃዋሁ ክፍጠር ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ብቆጵሮስን ግሪኽን ኣቢሎም ኣብታ ጃልባ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝተሰብረትላ ደሴት ማልታ ኣብ መበል 10 ዓመት ጵጵስናኦም ሓውጾተ ኖልዎ ምግባሮም ከምቲ ሓርዋያ ኣህዛብ ቅዱስ ጳውሎስ ተልእኮኡ ካብ ውሽጢ ንደገ ናብ ሻውላት እምነትን ዓለምን ምኻዱ ብዝምልከት ብፁዕነቶም፤ ንተልእኮ ቅዱስነቶምን እቲ ካብ ምጅማር ኣገልግሎቶም ኣትሒዞም ካብ ሳክርስቲ ወጺኣ ናብ ኩሉ ዓለም ክትበጽሕ ዘለዋ ቤተክርስትያን እያ ተድልየና ዝበልዎ ብተግባር ከምዝገልጽዎ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ተልእኮ እዚ ግን ኣሉታውን ኣዎንታውን ጐድናታት ኣለዎ በዳሂ እውን እዩ፤ እቲ ኣዎንታዊ ጐድኑ ኩሎም ምእመናን ንስብከተ ወንጌል ናብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ክወፍሩ ዘነቃቅሕ እንክኸውን እዚ ግን ንለውጢ ስብከተ ወንጌል ምጥራይ ግዜን ጽቡቅ ድላይን ይሓትት፤ እዚ ከኣ ሎሚ ንዓለምና ካብ ዘድልዩ ቀንዲ ጉዳያት ማለት ንሕይወትናን ንተስፋናን ብቚዕ ምኽንያትን መልስን ምርካብ ኰይኑ እዚ ካብ ብሥራት ወንጌል እዩ ስለዝርከብ ቤተክርስትያን ነዚ ክትገብር ካብ ገዛእ ር እሳ ውጽ ዓ ኢላ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ንስብከተወንጌል ክትወፍር ዝ ዕድም እዩ እንክብሉ መልሲ ኩሉ ግድላትና ኣብ ወንጌል ከምዘሎ ኣብ ህልው ኩነታት ከኣ ሰላም ንውግ እ ምቅባል ከኣ ንስደተኛታት ስለዝኾነ ሓውጾተ ኖልዎ ሃገረ ማልታ ቅዱስነቶም ከኣ ወንጌል ሰላምን ተቅባልን ሒዞም ክኸውን እዩ እንክብሉ መግለጺኦም ደምደሙ።
[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!]