ድለ

ቅድስቲ መንበር፥ ንኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝኸውን ቦታ ዘይብሉ ሓባራዊ ጸጥታን ድሕንነት ምሕናጽ ቅድስቲ መንበር፥ ንኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝኸውን ቦታ ዘይብሉ ሓባራዊ ጸጥታን ድሕንነት ምሕናጽ 

ቅድስቲ መንበር፥ ንኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝኸውን ቦታ ዘይብሉ ሓባራዊ ጸጥታን ድሕንነት ምሕናጽ

ሓይሊ ወይ ምፍርራሕ ንናይ ሃገራት ሉኣላውነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ዘዕንው መጋበርያ ከይኸውን፥ ሓይልን ምፍርራህን ኣህጉራዊ ግጭታት ንምፍታሕ ከም ሜላ ገይርካ ምጥቃም ክእለ

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ፍልጠትን ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቕዋም ኑክለሳዊ ውግእ ብዓንተዉ ንኸይህሉ ንምክልኻል ዚሕግዝ ነዊሕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣሕቲሙ። እዚ ናይ ውሳኔ ሰነድ እዚ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ መላእ ፍጥረት ኣዳም ኬምጽኦ ዚኽእል ሓደጋታት ብዝርዝር ዘመላኽት ኮይኑ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ መራሕቲ ሃገራትን ሃይማኖታትን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሰብኡትን ኣንስትን ትሽዓተ ነጥብታት ስጒትን ከምኡ እውን ኣርባዕተ ምሕጽንታ ዘቕርብን ስለ ፍልጠት ብሰላም ንኽንነብርን ነቲ ብስነ ፍልጠት ክመጽእ ዝክእል  ኣሉታዊ ውጽኢት ክዓግት ከም ዝኽእል እውን ብሰፊሕ ዘብርህ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ጻውዒት እዚ ብቐዳምነት ንመራሕቲ ሃገራት፥ “ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ብኡንብኡ ደው ንምባልን ሰላማዊ ውሳኔ ንምጅማር ተበግሶታት ክወስዱ” ከምኡ እውን ክንዮ እቲ “ጸቢብ ሻቕሎት ዛዕባ ሓባራዊ ረብሓ” ክጥምቱ ዝላበው ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣጽዋር  ውግእ ንምቁጽጻር ግብረ መላታት ከማዕብሉን ንመራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዘሳቒ ኵነት ብዓውታን ብቐጻልነትን ከቃልሑን ንብዳሄኡ ከተባብዑን ጻውዒት ዘቕርብ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን ክዋግእዎ ዝግብኦም ውግእ ኣንጻር እቲ ውዒሉ ሓዲሩ ውግእ ዘይተርፍ እዩ ንዝብል እምነት ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ የዘኻኽር። እቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ፍልጠት ተቕዋም እቲ ኣብ ዪክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ዘቑጽረሉ ዘሎ እዋን ወግዓዊ ዝገበሮ ሰነድ፡ ጳውሎስ ሻድሻይን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብዓንተዉ ከይሁሉ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ጻውዒትን ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርትን ዝስዕብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት

ኣብ መንጐ ሃገራትን ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ዘሎ ጾር ኢማዕርነት ዘይምርኣይ ሃገራዊ ህርፋን ከምኡ እውን ናይ ስልጣን ህርፋን ናብ ሓፈሻዊ ኑክለሳዊ ውግእ ክመርሕ ዝኽእል ዘርኢ ግጭት እዩ። እቲ ሩሲያ ኣብ ዩክረይን ዘበገሰቶ ውግእ ከቢድ ስግኣት ኑክለሳዊ ሓደጋታት የመላኽት ከም ዘሎ እቲ ተቕዋም ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ ሓቢሩ፡ ቅድም ቀዳድም ብዙሓት ሃገራትን ጉጅለታት ኣሸበርትን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንከጥርዩን ንኸምርቱ ዘለዎም ዓቕሚ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን እዚ እውን ነቲ ስግኣት ከም ዘዛይዶ ገሊጹ፡ ብፍላጥ ወይ ብዘይ ፍላጥ ናይ ኑከልሳዊ ስነ ምርምር ማእከል ምፍራስ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰባንት ማሓድሮ እውን ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ኑክለሳዊ ጓሓፍን እዚ እውን ንተፈንጃሪ ቦምብታት ምጥቓም ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ብምሕባር ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብዝተፈላለየ ሓደጋ ክትኮስ ከም ዝኽእል፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ምኽንያቱ ናብ ኑለሳዊ ኣጽዋር ክድርክ ዝክእል ዕቑር ሓይሊ ስለ ዘለዎ የጠንቅቕ።

ዓለም ኣዚዩ እናተበላሸወ ይኸይድ ኣሎ

እቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣብቲ ኣብ 1982 ዓ.ም. ካብ ዝተፈላለያ ናይ ስነ ምርምርን ስነ ፍልጠትን ተቕዋማት ዝተዋጽኡ ሊቃውንቲ ኣሳቲፉ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ብዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ስግኣትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከም ዝዘተየን ኣብቲ ሰነድ ኣዘካኺሩ፡ ኣብ ዓለም ነዚ ሓደገይና ዝኾነ ኣጽዋር እዚ ንምውናን ዝግብር ቅድድምን ንኑክለሳዊ ስነ ምርምር ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ብፍላይ ኣብተን ዝማዕበላን ሓያላትን ሃገራት ክብ ይብል ምህላዉን እቲ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ጥምየትን ምስ እዚ ተኣሳሰሩ ጸገማት ንገዛእ ርእሱ ጠንቂ ውግእ ክኸውን ከም ዝኽእልን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብዘን ሃገራት ዝቐርብ ምህርቲ ክጐድል ይገብር ብምህላዉ ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ መግቢ ቅልውላው ከም ዘግድዶ እቲ ሰነድ የመላኽት።

ምውሳኽ ምህርቲ ኣጽዋርን ምጥፋእ ናጽነትን

ደቅሰብ ብህይወት ንኽነብሩ ብኽብሪ ንኽነብሩ ከምኡ እውን ሓጐስ ንኽምነዩ ዘለዎም ተፈጥሮኣዊ መሰል ኣፍልጦ ብምሃብ ስነ ፍልጠት ንደቅሰብ ምዕባለን ዕጋበትን ሰላምን ዘለዎ ሕይወት ንኽነብሩ ዝሕግዝ ክኸውን እናተገበኦ ኣብ ክንድኡስ ኑከልሳዊ ኣጽዋር ክምዕብል ካልእ ተመሳሳሊ ሓደገይናትት እሞ መፍትሒ ዘይኮነ ጸረ ሰብን ፍጥረትን ተፈጥሮን ንዝዀነ ስነ ህይወታዊ ኣጽዋር ቀመመዊ ኣጽዋር ንምምዕባል መጋበርያ ኮይኑ እዩ ዘሎ። እዚ እውን ንተኣፋፍያንን ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብን ኣዚዩ ዝጐድእ ሰብኣውነትን ናጽነትን ዘጥፍእ ህዝብታት ዘመዛብል ንስደት ዝዳርግ እውን ምዃኑ እቲ ሰነድ የመላኽት።

ስነ ፍልጠትን ሕልናን

እቲ ሰነድ ከም ዝሕብሮ ሕልና ንባዕሉ ነቲ ሞት ዘስዕብ ኣዕናዊ መጥቓዕቲ መመኽነይታ ዘቕርብ ክኸውን የብሉን፡ ስነ ፍልጠት እውን እንተ ዀነ ውግእ ንዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰላም ዘስፍሕ ክኸውን ኣለዎ . . . ኣብ ክንዱኡስ መራሕትን መንግስታትን ነቲ ኑክለሳዊ ውግእ ዘስዕቦ ዕንወት ከምኡ እውን ነቲ ሰላማዊ ህዝቢ እውን ከይተረፈፈ ዘጥፍእ ልሙድ ኮይኑ ዝርአ ዝረአን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ፡ ብዅሉ መገድታት ከወግድዎ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ተቕዋም ቫቲካን ኣብቲ ዘውጸኦ ሰነድ ይገልጽ። እዚ ኸኣ ንደቅሰብ ምይይጥ ኣህጉራዊ ሕጊ ውዕላንት ከምኡ እውን ካልእ ሰላማዊ መገድታት ብምትብባዕ ንድሕነቶም ስጒምቲ ክወስዱ ጻውዒት የቕርብ።

ትሽዓተ ነጥብታት ንዓለም ለኻዊ ስጒምቲ

ሓይሊ ወይ ምፍርራሕ ንናይ ሃገራት ሉኣላውነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን መጋበርያ ከይኸውን፥ ሓይልን ምፍርራህን ኣህጉራዊ ግጭታት ንምፍታሕ ከም ሜላ ገይርካ ምጥቃም ክእለ፡ ከመይሲ ወተሃደራዊ ግጭት እንኰላይ ቀመማውን ስነ ህይወታውን እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ነቶምካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ብሚዮናት ዝቑጸሩ ስደተይናታት መዕቆብን ዕቝባን ምሃብ፥ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብዛሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ቅቡል ከይኸውን እዚ ኸኣ ናብ ኑክለሳዊ ግብረ ሽበራ ክመርሕ ስለ ዝኽእል። ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝተጠቀመ ቀዳሞት ሰባን ኣይንዅን፡ ነቲ ቅድድም ኣጽዋር ውግእን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናብ ዝዓግት ውዕላት ንምብጻሕ ጻዕርታት ብድልዳል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንምውጋድ ውጽኢታዊ መገድታት ዝረኽቡ፡ ኑክለሳዊ ጸዓት ንሰላማዊ ጒዳያት ንምውዓል ዝብል ኣገባብ ናብ ኑክልሳዊ ኣጸዋር ምምራት ናብ ዝብል ምርጫ ከየብል ዝጥንቀቑ። በጋጣሚምን ብጌጋን ወይ ዘይርትዓዊ ስጒምቲ ብምውሳድ ኑክለሳዊ ውግእ ከይፍጠር ዚሕግዝ ኵሉ ግብራዊ ስጉምትታት ምውሳድ። “ኑክለሳዊ ኣጽዋር ቦታ ዘይብሉ ሓባራዊ ውሕስነትን ድሕንነትን ዘሀልው ስርዓት ዝሓንጹ” ንዅን ብዝብል ሓሳብ እቲ ናይ ቫቲካን ተቕዋም ዘውጸኦ ሰነድ ይዛዝም።

09 Apr 2022, 17:11