ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተቐማጦ ማሪዩፖል ካብ መጻወዲያ ንምድሓን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተቐማጦ ማሪዩፖል ካብ መጻወዲያ ንምድሓን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተቐማጦ ማሪዩፖል ካብ መጻወዲያ ንምድሓን

እዩ። ካብ ማሪዩፖል ንኽወጹ ቅዱስነቶም ዘቕርብዎ ሓገዝ ናይ ሓቂ ኣባታዊ ተግባርን ናይ ሓደ ሕያዋይ ጓሳ ድጋፍን ከምኡ እውን ናይ ሓቂ ናይ ምሕረት ተግባር ክኸውን እዩ”

ናይ ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ቸዘርንይ እቲ ካብ ሓደ ኣብ ዩክራይን ዝርከብ ጋዜጠይና እተቐበልዎ “ኣዴታትን ኣንስትን ቈልዑን” ዝጸሓፍዎ እቶም ኣብታ ብሓይሊ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዝዓነወት ከተማ ተዓጊቶም ዘለዉ ህይወት ንምድሓን” ጻውዒት ዘቕርብ ናብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተላእከት መልእኽቲ ከም እተረከቡን ነሶም እውን ናይቲ ህዝቢ ድምጺ ብምዃን፥ “ እቲ ህዝቢ ካብቲ መጻወዲያ ምውጻእ ናይ ሓቂ ናይ ምሕረት ተግባር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መጻወዲያ እዚዩ ሓደገይና እዩ። ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ እቲ ሓገዝ ንምርካብ ዝሓትት ኣውያት ካብቲ ተወንጫፊ ንላዕሊ ብእተኻእለ መጠን ክስማዕ ዝምሕጸን እዩ። እዚ ኣውያት እዚ ናብቶም ናይ መወዳእታ ናይ ተስፋ ዕርዲ ተባሂሉ ዝንገረሎም ቅዱስ ኣቦና ንኽበጽሕ ዝኣመተ እዩ። እታ መልእኽቲ እውን ናብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእከት ብምዃና እቶም ዝኸተምዋ ንብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ ብሓደ ጋዘጠይና ኣቢሎም ከም ዘረከቡን፡ ብጹዕነቶም ብዛዕባ እቲ መልእኽቲ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንክሕብሩ፥ እቲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ፍርቂ መዓልቲ ንሮማን መላእ ዓለም ንኽባርዅ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ውግእ ዘይርትዓዊ እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘቓልሕ እዩ ኢሎም።

ተቐባልነት ዘይብሉ ከበባ

ነቲ መልእኽቲ ንናይ ዘይንጽል ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ግዚያዊ ህየንተ ዘረከቡ ናይ ዩክረይን ናይ መንግስቲ ተለቪዥን ጋዜጠይና ሳከን ኣይሙርዛኤቭ ከም ዝኾኑን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእን ዘስዕቦ ዘሎ ዘስካሕክሕ ህልቂትን ህዝቢ ዝኸፍሎ ዘሎ ሰማእትነት ዝነገር  ምዃኑ ዝሓበሩ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ፥ ሓንቲ ከተማ ኣብ 24 ሰዓት ውሽጢ መጥቃዕቲ ክወርዳን ናብ ሓሙዅሽቲ ከም እተቐየረትን፡ ኣብ ኤውሮጳ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግብረ ዕንወት ኮይኑ ከም ዘሎን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ኤውሮጳ ሓድሽ ተራእዩ ዘይፍለጥ ግብረ ሰናይ ዘተባብዕ ክኸውን ዝምሕጸን ኮይኑ እታ ከተማ ተኸቢባ ከም ዘላን ተቐባልነት ዘይብሉ ከበባ እውን ምዃኑ ዘነጽር፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን እታ ከተማን “ዘይምሕር መጥቃዕቲ ጥፋኣት ከምኡ እውን ብቓላት ክግለጽ ዘይከኣል ስቃይ ዘስዕብ ምዃኑ እተረጋግጽ እያ ኢሎም።

ዘየናሕስይ ውግእ

ቍጽሪ እቶም ንስቓይ ዝዳረጉ ዘለዉ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን እቲ ንቅዱስ ኣቦና ዝቐረበ ናይ ርድኡና ምሕጽንታ፡ ቅዱስነቶም እቲ ህዝቢ ካብቲ ስቓይ ክላቐቕ ክሕግዙ ይኽእሉ ካብ ዝብል ተስፋ ዝነቐለ ምዃኑ ብጹዕነቶም ኣብሪሆም፥ ብሓቂ እቲ ዝሳቐይ ዘሎ ተቐማጦ ማሪዩፖል ዝቖሰሉን ኵሉ ዝዓነዎምን ኣብ ክቱር ጸገም ዝርከቡን ህይወቶም ንኸድሕኑ ካብቲ ዘስግእ ስፍራ ክወጹ ኣለዎም። ተቐማጦ ኣብ ፈለማ ነቶም ነታ ከተማ ክከላኸሉ ዝተላእኩ ናይ ሃገሮም ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ማይን መግብን ንኸቕርቡን ብተዛማዲ እውን ዘድልዮም ኣገልግሎት ክረኽቡ ከም ዘኽእሎም ኰይኑ ከም እተሰመዖን ኣክንድኡስ እቲ ከም ዕርዲ ዝመስል ዝነበረ ኵሉ ባዲሙን ናብቶም ተቐማጦ ዘድሊ ሓገዝ እውን ንምቕራብ ንዝግበር ጻዕሪ መፈንጠራዊ ኵነት ዝተመልአ ኮይኑ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ችዘርንይ፥ መተሓላልፎ ንሰብኣዊ ረድኤትን ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳነን

እቲ ብጽዕ ካርዲናል ችዘርንይ ዝተቐበልዎ ተስፋ ካብ ምቝራጽ ዝነቐለ ጥርዓን ንዅሎም እቶም ግብረ ሰናይ ዘቕርቡ ነቲ ዘቕርብዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ዘድልዮ ቦታ ንምብጻሕ ክኽእሉ መተሓላልፎ ክረኽቡ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብልክዕ ዘድሊ ጒዳይ ንሱ እዩ - ቢሎም - ወሲኾም “እምነትን ትንሳኤ ዘእግዚእነ ዝፈጥሮ ሓሴትን ናይቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምኡ እውን ኣብተን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይርትዓዊ ውግእ ዝካየደለን ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስቓዮም ስቓይና ክንገብር እዩ ዘተባብዓና፡ ዘተባብዓና ጥራይ እውን ዘይኮነስ ናትና ክንገብር ከም እንኽእል እውን እዩ ዝድርኸና። እቲ ናብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተላእከ መልእኽቲ ኣውያት “ኣንስትን ቈልዑን ቍሱላትን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ሞትን ህልቂትን ዘይግቡእ ምዃኑን ሰብኣዊ ፍጥረት ነዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዚ ዘይግባእ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ። ካብ ማሪዩፖል ንኽወጹ ቅዱስነቶም ዘቕርብዎ  ሓገዝ ናይ ሓቂ ኣባታዊ ተግባርን ናይ ሓደ ሕያዋይ ጓሳ ድጋፍን ከምኡ እውን ናይ ሓቂ ናይ ምሕረት ተግባር ክኸውን እዩ” እንክብሉ ነታ ዝተቀበልዋ ደብዳቤ ኣማእኪሎም ዝሃብዎ መብርሂ ይዛዝሙ።

20 Apr 2022, 13:33