ተጻይ ንግድ ደቂሰባት ዝግበር ኩሉ ቃልስታት ይሕበር! ቅድስት መንበር
ዜና ቫቲካን!
ነዞም ሎሚ ካብ ውግእ ኡክራይና ዝስደዱ ንኤውሮጳ ኣዕለቅሊቆም ዘለው እልቢ ዘይብሎም ስደተኛታት ወሲኽካ ኣብ ዓለምና ሰላምን ውሑስ መጻእን ደልዮም ዝስደዱ ግዳይ ናይዞም ሰብ ክትብሎም ተግባር ሰብ ዘይብሎም ጨካናት ነጋዶ ደቂሰባት ኰይኖም ብዙሕ ጸገማት ይወርዶም ስለዘሎ እንታይ ምግባር ይሓይሽ እንክብሉ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ተቊዋማትን ኣብላት ናይቲ ብኦሸያ ዝፍለጥ ውድብ ውሕስነትን ምትሕብባርን ኤውሮጳ መበል 22 ጉባኤኡ ዝሓለፈ ዕለት 5 ሚያዝያ 2022 ዓም ኣብ ቭየና ኣካዪዶም።
ኣብዚ ውድብ እዚ ንቅድስት መንበር ወኪሎም ዝዋስኡ ሞንሲኞር ዣኑሽ ኡርባንዚስክ እንክሳተፉ ኣብቲ መሰል ግዳያት ንምድጋፍን ሓገዝ ንምሕያልን ብዝብል ንምክልኻል ዘድሃበ ኣርእስቲ መንግሥታት ክግበር ንዝከኣል ምክልኻልን ሓገዝን ንምልላይን ንምድንፋዖምን ኣበርቲዐን ክሰርሓ ከምዘለወን ኣዛኻኺሮም። ነዚ ንምግባር ከኣ ኣብቲ ዝግበር ቃልሲ ተጻይ ንግድ ደቂሰባት ንቅድሚት ክስጉሙ ጻውዒቶም ኣቅሪቦም።
ተጻይ ንግድ ደቂሰባት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ምስጓም!
ሞንስኞር ዣኑሽ ኡርባንዚስክ ዘረባኦም ብምቅጻል ህልው ኩነታት መላእ ዓለም ቊጠባውን ርእሰ ማላውን ጸገም ንገሊኤን ሃገራት ነዙ ጉዳይ እዚ ዚኣክል ሓገዝ ካብ ምብርካት ኪዓግተን ይኽእል። እንተኾነ ነዚ ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘወፍዩ ተቊዋማትስ ይኹን ግለሰባት ምሕጋዞም ናይ ግድን እዩ። ከመይ እዞም ኣካላት እዚኦም ነቶም ግዳያት እንኮ ተስፋኦም ኰይኖም ኣብ ምክልኻሎምስ ይኹን ምስ ሰብ ከምዝሕወሱ ኣብ ምግባር ከማኡ እውን ሃገራውን ዞባውን ውሕስነት ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ ኣበርክቶ ኣሎዎም ምስ በሉ፣ ነቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎምዘመን ኣብ ዓለምለኸ ዕለተ ጸሎትን ኣስተንትኖን ተጻይ ንግድ ደቂሰባት ብቪድዮ ንዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቂሶም።
ንትሕቲ ዕድመ ምክልኻል!
ሞንሲኞር ዣኑሽ ኡርባንዚስክ ዘዘካኸርዎ ካልእ ነጥቢ ጉዳይ ትሕቲ ዕድመ ኰይኑ፣ ኩሎም ዓለምሓቆፍ ጉባኤታትን ዞባውያን መመርሒታትን ዝተፈላለዩ ሃገራውያን ሕግታትን ንትሕቲ ዕድመ ክግበር ዘለዎ ምክልኻልን ንሕጻናት ዘድልዮም ዓበይቲ ነገራት ምድንፋዕን ከምዘድሊ ይጠቅሱ። እንተኾነ እዚ በይኑ ንሕጻናት ግዳይ ንግድ ደቂሰባት ካብ ምዃን ኣይከላኸልን። ከምቲ ቅዱስነቶም ብ2018 ዓም ኣብ መክሲኮ ንዓለምለኸ ዘተ ስደተኛታት ቅድስት መንበር ኣብ መክሲኮ ኣመልኪቶም ዝበልዎ ምዝካር የድሊ።
ኣብ መወዳእታ ሞንሲኞር ዣኑሽ ኡርባንዚስክ ንንግድ ሕጻናት ኣመልኪቶም ኣብ ዘዘኻኸርዎ ‘ብዓለምለኸ ደረጃ ካብ ነፍስወከፍ ግዳይ ንግድ ደቂሰባት ካብ ሰለስተ ግዳያት እቲ ሓደ ሕጻን እዩ። ኣብ ትሑት መነባብሮ ዘለወን ሃገራት ከኣ ልዕሊ ፍርቂ ናይዞም ግዳያት ሕጻናት እዮም። ስለዚ ንሕጻናት ንምክልኻል ዝግበር ኩሉ ኣዋጃትን ፈተነን ምሕዳሶም ጥራይ ዘይኮነ ኣዎንታዊ ሳዕቤን ዘለዎም ይኹኑ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።