ኣ’ምለይ፥ ካብ ር.ሊ.ጳ. ንትሕቲ ዕድመ ቘልዑ ዝከላኸል ድርገት እተወሃቦ ምሉእ ሓላፍነት
ናይቲ ንትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝከላኸል ጳጳሳዊ ድርገት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኦ’ምለይ ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተካየደ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እቲ ድርገት ብዛዕባ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዘሳልጦ ዕዮታት ዝሕብር ዓመታዊ ጸብጻብ ከቕርብ እንክብሉ ዘቕረብዎ ሕቶ ከም ዘጒልሑን ብተወሳኺ እቲ ድርገት ነቶም ግዳያት ዝስምዑሉ ማእከላት ኣብ ምቛም ኣብ መላእ ሃገራት ንዝርከቡ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት እውን ዘለዎ ምዃኑ የዘኻኽሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ህስያ ቈልዑ ዝምልከት ስርዓታት ንሰበኻታትን ንማሕበራትን ገዳማትን ንጹር ትእዛዝ ሂቦም እዮም። ቀዳምነት እንህቦ ነገር ምስቶም ብህይወት ዝተረፉ ምርኻብን ዕዮና ከኣ ነቲ ኣብቲ ቅዱስነቶም ብዘለዎም ፍሉይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ናይ ዓለም ብርሃን ኢኻትኵም ብዝብል ኣርእስቲ ዝኣወጅዎ ሕጊ መሰረት ዘንርዎ ትእዛዝ ኣብ ምፍጻም በዚ ኣገባብ ብዛዕባ እተገብረ ምዕባለን ምቍጽጻር ምትብባዕን ከምኡ እውን ጸብጻብ ምሃብ እዩ። ነዚ ዝበሉ ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ናይ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናይ ዝከላኸል ድርገት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦምለይ ኣብ ናይ ቫቲካን ዜናን ቫቲካን ረድዮን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ።
ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ ማእከል፥ ዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት
ብጹዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ እቲ ሓድሽ ወንጌል ኣበስሩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም፥ ዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ማእከል ዝገብር ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ስለዚ እቲ ድርገት በዚ ሓዋርያዊ ቅዋም መሰረት ኣቢሉ ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ምሕደራ ዘሮሜን ኣብ መላእ ሰበኻታት ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ህያው ዝገብርን ንጹር ትእዛዝ ዝህብን ምዃኑ የነጽሩ።
ነቶም ካብ ማህሰይቲ ዝተረፉ ሰባት ክፉት እንግዶት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ማህሰይቲ ዝደሓኑ ሰባት “ኣብታ ኣብ ሃገሮም ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥርዓኖም ከቕርቡን ብዛዕባ ኵነታቶም ክሕብሩን ምስ ዝኸዱ እንቋዕ ብደሓን መጻእኵም ዝብል ክፉት እንግዶት ክረኽቡ” ከም ዘለዎም የጒልሑ፥ እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ። እዚ እውን እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዓለም ብርሃን ኢኻትኵም ብዝብል ኣርእስቲ ዝኣወጅዎ ሕጊ ዝሓትቶ እዩ። ስለዚ እቲ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝኸላኸል ድርገት እተን ኣብ ዞባታት ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክስቲያን ነቶም ካብ ህስያ ዝደሓኑን ብህይወት ዘለዉን ኣብ ሃገራዊ ደረጃ ደገፍ ክህባ ብምትብባዕ ነዚ ንምፍጻም ዝዓዪ ምዃኑ ገሊጾም።
ስግኣት ንግድ ቘልዑ ኣብተን ኣብ ግጭት ዝርከባ ዞባታት
ብተወሳኺ እውን እቲ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝከላኸል ድርገት ነቶም ካብተን ውግእ ዝካየደለን ሃገራት ብዘይ ኣሰነይቲ ዝስደዱ ቘልዑ ግዳያት ንግድ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክልተ ኣባላት ናይቲ ድርገት፥ ብራዚሊያዊ ነልሶን ጆቫነሊ ዶሰንዶ ዶስ ሳንቶስን ተወላዲ ቺለ ኣመሪካዊ ዣን ካርሎስ ክሩዝ ህጻናት ዑቕባ ክረኽቡን ንሓደጋ ንግድ ሰብ ከይቃልዑን ቘልዑ ዕቝባ ኪረኽቡ ህልው ኵነታት ዩክረይን ኣብ ግምት ብምእታዊ ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ትሕቲ ዕድመ ቘልዑ ዝከላኸል ድርገት ኣብ ኵርያ ሮማና ናጻን ርእሳውን እዩ
ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናይ ዝከላኸል ድርገት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኦ’ምለይ ብመሰረት እቲ ወንጌል ኣበስሩ ዘርእስቱ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም፡ እቲ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝከላኸል ድርገት ናይቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቐረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ምኽርን ኣካል ኣብ ዝኾነ ስርወ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ክሑቖፍ ዝገብር እውን እንተዀነ፡ ብቐጥታ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምርኻብ ሓሳብ ንሓሳብ ዝለዋወጥ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፥ ናጻን ርእሳውን እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ነቲ ድርገት ናብ ሓደ ፍሉዩ ቤት ጽሕፈት ቫቲካን ከመልሕቕ ምግባር ኣድላዪ እዩ ነይሩ፡ ከመይሲ እቲ ድርገት ሳታላይታዊ ትካል ኮይኑ ክቕጽል ስለ ዘይክእል እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።