ድለ

ካንዲያርድ፥ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ካብ ዘተ ኣትሒዙ ክሳዕ ተጻዋርነት ዝብል ብድሆታት ካንዲያርድ፥ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ካብ ዘተ ኣትሒዙ ክሳዕ ተጻዋርነት ዝብል ብድሆታት 

ካንዲያርድ፥ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ካብ ዘተ ኣትሒዙ ክሳዕ ተጻዋርነት ዝብል ብድሆታት

ብቕንዕናን ብውዕዋዔ ይኹን ሓሊፉ እውን ምውቕቓስ ብዘለዎ መገዲ ኽንመያየጥ ክንጅምር ኣሎና ዝበሉ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ኣባ ኣድረይን ካንዲያርድ፥ . . . ሃይማኖት ዝያዳ ናይ መንነትን ጽውጽዋይን ጭብጥታት ብዝኾነ መጠን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖለቲካ ዝያዳ ይኣትው

ብዛዕባ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ርክብን እምነት ዘለዎ ግደ ካብ ማእከላይ ዘመን ካብ ዝነበረ ታሪኽ ክሳዕ ሎሚ - ኣብ ኤወሮጳ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝድህስስ፥ ኣብ መወዳእታ እውን ሃይማኖት ኣካል ማሕበራዊ ናብራን ኣብ ማሕበራዊ ጒዳይ ምምላስን ኣድልዪ ምዃኑ ዘነጽር ብዶመኒካዊ ካህን ኣባ ካንዲያርድ እተደርሰ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍ ንንባብ ከም ዝበቐዔን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ደራሲ እታ መጽሓፍ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሃይማኖት ናይ ግሊ ጒዳይ ኢዩ ቢልካ ኣብ ውልቃዊ መዳይ ክሕጸር ካብ ዝገብር ዓይነት ኣነባብራ ብምልቓቕ፡ ናብ ማሕበራዊ ጒዳይ ምስ እትመልሶ ጥራሕ እዩ መጋበርያ ሰላም ዝኸውን፡ ብትኽክል ድማ መጋበርያ ሰላምን ማሕበራዊ ሰላምን ምዃኑ ክተስተውዕሎ ዝከኣል። ሃይማኖት ቀንዲ ክፋል ናይቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣይኮነን . . . እንተዀነ ግን ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ መሰረት ሰላም እዩ። ምይይጥ ዝበለጸ እዩ። ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዘሎ ምንጽጻር ዘተን ተኸባቢርካ ምንባርን ዘተባብዕ ምዃኑ የብርሁ።

ካንዲያርድ፥ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ካብ ዘተ ኣትሒዙ ክሳዕ ተጻዋርነት ዝብል ብድሆታት
ካንዲያርድ፥ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ካብ ዘተ ኣትሒዙ ክሳዕ ተጻዋርነት ዝብል ብድሆታት

ሃይማኖታት ምፍላጥ

“ሃይማኖት ኣብ ናይ ብሕቲ ጒዳይ ኣወንዚፍካ ካብ ህዝባዊ ክትዓት ምውጻእ ኣድላዪ ኣይኮነን” ዝብል ኣመላኻኽታ ዘለዎ ጠንቂ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለምን ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ቅልውላው ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ። ሃይማኖት ብሓቂ ተቐባልነት ካብ ዝህልዎ ኣትሒዝካ ናብ ፍልጠት እተን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምግዓዝ የድሊ፡ ሰባት ንህላወ ካልኦት ክጻወሩ ጥራይ ዘይኮነስ ብዕምቆት ንኽዘራረቡን ብዛዕባ ዝግብኦም ንኽመያየጡን ብዛዕባ ዝኣምኑሉ ወይ ዘይኣምኑሉ ነገራት ንኽመያየጡ ምትብባዕ የድሊ።

ፍሉይነት ምቕባል - ምኽባር

“ልዕሊ ኵሉ ዘድሊ ነገር ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣምር ህያው ዚገብሮ ሓቂ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ኣኽብሮት ምሃብ እዩ።” ኵላትና ኣዕሩኽ ንምዃን ምሉእ ብምሉእ ክንሰማማዕ ኣሎና ቢልካም ምሕሳብ ህሊሚ እዩ። እቲ ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ሕብረተሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ምድሆ መሰረታዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ምርካብ ዘይኮነስ እንሰማምዓሉ ጒዳይ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣሚንና፡ እዚ ኸኣ ስግኣት ከም ዘይኮነን በዚ ምኽንያት እውን ግድን ንሓድሕድና ክንጋጨው ከም ዘየድልየና ምቕባል እዩ። ስለዚ ብቕንዕናን ብውዕዋዔ ይኹን ሓሊፉ እውን ምውቕቓስ ብዘለዎ መገዲ ኽንመያየጥ ክንጅምር ኣሎና ዝበሉ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ኣባ ኣድረይን ካንዲያርድ፥ . . . ሃይማኖት ዝያዳ ናይ መንነትን ጽውጽዋይን ጭብጥታት ብዝኾነ መጠን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖለቲካ ዝያዳ ይኣትው እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

30 Apr 2022, 17:07