ድለ

ብጹዕ ካርዲናል ዛናሪ፥ ድሕሪ 11 ዓመት ምብራዕ ውግእ ኣብ ሶሪያ ሎሚ እውን ኣብ ደልሃመት ብጹዕ ካርዲናል ዛናሪ፥ ድሕሪ 11 ዓመት ምብራዕ ውግእ ኣብ ሶሪያ ሎሚ እውን ኣብ ደልሃመት 

ብጹዕ ካርዲናል ዛናሪ፥ ድሕሪ 11 ዓመት ምብራዕ ውግእ ኣብ ሶሪያ ሎሚ እውን ኣብ ደልሃመት

እቲ ዘሕዝን ካብ ኣልባብ ብዙሓት ሰባት ካብ ኣልባብ እቶም ክስደዱ ዝጽዕሩን መንእሰያት ተስፋ ክጠፍእ ምርኣይ እዩ። መንእሰይ ዘይብሉ ህዝቢ መጻኢ ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። ብዙሓት እዛ ርካቦም ከፊሎም ዶብ ፖላንድ ንምስጋር ኣብ በላሩስ ተዓጊቶም ኣለዉ። ሶርያ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እታ ኣዚያ ዝዓነወት

ዕለት 15 መጋቢት ቅድሚ 11 ዓመት ኣብ ሶሪያ ውግእ ዝጀመረሉ ዕለት እዩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ደማስቆ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ፥ እዚ ገና ዘየብቀዔ ውግእ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ዝቐተለን ነታ ሃገር ንዓመጻን ድኽነትን ከም ዝዳረጋን ነቲ ዘሎ ዓመጽን ድኽነትን ኰኒኖም “ናይቲ ህዝብን ሃገርን ተስፋ” ክመውት ሱቕ ቢልና ኣይንርኣይ ሓደራ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕንወት ኣባይትን ሕጽረት መግብን ማይን መድሃኒትን ዓመጻን ዘረፋን ስደትን ምዝብልናን እዚ እቲ ኣብ ሶሪያ ድሕሪ 11 ዓመት ዝርአ ዘሎ ናይቲ ገና ዘየብቀዐ ውግእ ጭቡጥ ኵነታት እዩ። ሶሪያ ብፍርስራስ ከተማታት ዝተመልአት ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ዝግመት ህዝባ በቲ ውግእ ዝሰኣነትን ልዕሊ 11 ሚሊዮንን ፈረቓን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ዝተመዛበለን ዝተሰደ ከም ዝኾነ ብምኽንያት ዝኽሪ 11 ዓመት ምጅማር ውግእ ኣብ ሶሪያ፡ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ገሊጾም፥ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ደማስቆ፥ “ቤተ ክርስቲያን ቤት ግብረ ሰናይ - ሲኖዳውነትን ውዳበን” ብዝብል ኣርእስቲ ዓውደ ጉባኤ ይካየድ ኣሎ። ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጒባኤ ምስማዕን ዘተን መጻኢ ማሕበረ ክርስቲያን እታ ኣብ ስቓይ ዘላ ሃገር እትሓትቶ መሰረታዊ ጒዳያትን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ዝመክር ከም ዝኾነ ገሊጾም እቲ ዘሕዝን ይብሉ ኣብዚ እዋን እዚ ሶሪያ ካብ ማዕከናት መራኸቢ ብዙሓን መንጽር ወሪዳ ዘይንገረላ ሃገር ምዃና እዩ ስለዚ ተስፋ ህዝብን እታ ሃገር ክመውት ሱቕ ኢልና ኣይንጠምት ኢሎም።

ብጹዕነትኩም ኣብ ሶሪያ ንዓሰርተ ሓደ ዓመት ውግእ ይካየድ ኣሎ እዚ ዝኽሪ እዚ ንዓዅም እንታይ ትርጒም ኣለዎ? እቲ ውግእ ዝተበገሰሉ ዝኽሪ መበል 11 ዓመት ብቐዳምነት እቲ ውግእ ስለ ዘየብቀዔን ብዙሓት ይጥፍኡን ይሞቱን ይስደዱን ስለ ዘለዉ ትርጒሙ ጓህን ሓዘንን ስቓይን እዩ፡ ኣብ ዘየብቀዔ ውግእ ነቲ ውግእ ዝተጀመረሉ መበል 11 ክትዝክር ገና እዚ ከይኣክል እቲ ዘሕዝን ድሮ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ መድርኻት ዓለም በቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ከተኵር ምርኣይ እዩ። ዝባራዕ ሓድሽ ውግእ ካልኦት ዝካየዱ ዘለዉ ውግእናት ክርስዕ ይገብር።

እቲ ኣብ ሶሪያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ 5.5 ተበታቲኑን ካልኦት 6 ሚሊዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኸመዛበሉ ዳሪጒን እዩ፡ ተስፋ ህዝብን ሃገርን ክመዉት ሱቕ ኢልኵም ኣይትርኣዩ ትብሉ ኣለዅም እዚ ከይኸውን እንታይ ክግበር ኣለዎ? እቲ ዘሕዝን ካብ ኣልባብ ብዙሓት ሰባት ካብ ኣልባብ እቶም ክስደዱ ዝጽዕሩን መንእሰያት ተስፋ ክጠፍእ ምርኣይ እዩ። መንእሰይ ዘይብሉ ህዝቢ መጻኢ ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። ብዙሓት እዛ ርካቦም ከፊሎም ዶብ ፖላንድ ንምስጋር ኣብ በላሩስ ተዓጊቶም ኣለዉ። ሶርያ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እታ ኣዚያ ዝዓነወትን ኣዚዩ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርአየላ ሃገር ኮይና ኣላ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዝወረደ እገዳ ብዙሕ ጸገም እዩ ዘስዕብ ዘሎ እቲ ናይ ሰላም መሰርሕ ውሳኔ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም 2254 ዳርጋ ይስጒም የሎን ድኽነት ጥራሕ እዩ ዝስጉምን ዝሰፍሕ ዘሎ።

ካብ ጠቕላላ ብዝሒ እታ ሃገር እቲ 60 ሚእታዊ ዝሽፍን ውሕስነት መግቢ ዘይብሉ እዩ። ብኸመይ እዩ ክሕገዝ ዝከኣል? ሕጽረት መግቢ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ ኣብ ዪክረይን ውግእ ስለ ዝተባርዐ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብቲ ዝነበሮ ኣዚዩ ይጐድል ኣሎ። ካብ ዕለት 15 – 17 መጋቢት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደማስቆ “ግብረ ሰናይ ቤተ ክርስቲያን፥ ሲኖዳውነትን ውዳበን” ብዝብል ኣርእስቲ እተመርሐ 250 ዝኾኑ፥ ሶርያውያን ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ተወከልቲ ትካላት ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ዓውደ ጒባኤ እዚ እውን ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድርን ናይ ካልኦት ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ማሕበር ልኡካን ይሳተፉ ኣለዉ።

ስደት ክርስትያን ገና ኣየብቀዐን . . . ኣብዚ ውግእ ካብ ዝተባርዓሉ ዓመታት ንነጀው ምናልባት ልዕሊ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ክርስቲያን እታ ሃገር ካብ ሃገሮም ወጻኢ ተሰዲዶም እዮም። እዚ ኸኣ ነተን ምስራቓውን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘይሓዊ በሰላ እዩ። ንማሕበረሰብ ሶሪያ እውን ከቢድ መጒዳእቲ እዩ። ኣብቲ እምነት ክርስትና እተወልደሉ ዞባ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ መዳያት ኣቢላ ብዙሕ እያ እትዓዪ ህላወአ ነቲ ኣብ ስቓይን መከራን ዘሎ ህዝቢ ናይ ተስፋ መስኰት እዩ። ስለዚህ ስደት ክርስቲያን እቲ ናይ ተስፋ መስኮት በብቑሩብ ክዕጸው ዝገብር ስለ ዝመስል ብዙሕ እዩ ዘፍርሕ።

ብኣረኣእያኹም ኣብ ደረጃ ክሌኣዊ ስነ መላ ርክባት ኣህጉራዊ ፖለቲካ ዝያዳ ትብዓት የድሊ ዶ? እቶም ንሶርያ እተላእኩ ፍሉዩ ወኪል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጋይር ፐደርሰን ናብ ሶሪያ ብዙሕ እዋን እናተመላለሱ ኣህጉራዊ ክለኣዊ ስነ መላ ርክባት ምእንቲ ሰላም ኣብ ሶሪያ የነቓቕሑ እዮም፡ ይዅን እምበር እቲ ግጭት ገና ኣየቋረጸን ብተወሳኺ ድማ ለብዒ ኮቪድ 19ን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝተባርዐ ውግእ ኣቃልቦ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ይስሕብ ብምህላዉ ህልው ኵነታት ሶሪያ ይጽናሓለይ ዝተባህለ እዩ ዝመስል።

መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ንሶርያ ዝህቦ ኣተኵሮ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዘገድስ? ቅድሚ ሒደት ዓመታት ብዝዕባ ውግእ ሶሪያ ቃለ መሕትት ከካይድ ሓበሬታ ንምሃብ ካብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ብቐጻሊ እዩ ዝድወለለይ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ሓደ’ኳ፡ እዚ ንሶርያ ካልእ ተወሳኺ ጸገም እዩ። ሶርያ ክትርሳዕ ዝገብር። እዚ ኸኣ ነታ ሃገርን ህዝባን ብዙሕ እዩ ዝጐድእ።

ገሊኣቶም ሶርያውያን ኣብ ትሕቲ ሩሲያ ኮይኖም ኣብ ዩክረይን ይዋግኡ ከም ዘለዉ ይንገር። ዜጋ እታ ኣብ ውግእ ዘላ ሃገር ዘጋጥሞ ዘሎ ድኽነት ንኽምዝመዝ እዩ ዝድርኾ። እዚ ንሶሪያ ካልእ ጸገም ዶ ኣይኮነን? እወ ከምዚ ዝብል ሓበሬታ ኣነ እውን ሰሚዐዮ እየ። ገለ ገለ ሶርያውም ምስ ሩሲያ ኮይኖም ኣንጻር ዩክረይን ይዋግኡ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ድርብ ጸገም እዩ። ብዙሓት ስራሕ ስለ ዘይብሎምን ስለ ዘይእንገዱን ንዝተፈላለየ ጸገም ይቃልዑን ይምዝመዙን፡ ተዓሲብና ንቝሩብ ኣዋርሕ ኣገልጊልና ገንዘብ ክንእክብ ዝብሉ ክህልዉ ዝከኣል እዩ።

ሶርያ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ብኸመይ እያ እትርእዮ? ብሓፈሻ ሶርያውያን ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓሳባቶም ክግለጹ ኣይደፍሩን እዮም፡ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ውግእ ኣጽዋር ክዕበስን ጃምላዊ ቅትለት ደው ክብልን ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት እዩ ዝሓብር። ነዚ ጻውዒት እዚ እታ ኣብ ጽንኵር ኵነት እትርከብ ሶርያ ካብ ዘለዋ ተመክሮ ኣጸቢቓ እያ እትርድኦ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ 16 ካብ ፍቕዲ 27 – 28 እነንብቦ ታሪኽ ድኻ ኣልኣዛርን ሃብታም ሰብኣውይን ሶሪያ ንኻልኦት ከምቲ ዝወደቐቶ ኣወዳድቓ ንኸይወድቍ እተጠንቕቕ ዘላ ሃገር ከም ዝኾነት እዩ ዝስምዓኒ . . .

ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ኢና ዘሎና ነዚ እዋን እዚ ብኸመይ ትነብርዎ ኣለዅም? ኣብ ሶሪያ ሰባት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ እውን ይዅኑ ብዘይገድስ ን11 ዓመት ብዘይ ምቍራጽ ዓቢይ ጾም እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ስለዚህ ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ንሓድሕዱ ኪቀራረብን ክደጋገፍን ሓድነት ክህልዎን ክህልወናን ኣድላዪ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

15 Mar 2022, 17:18