ካርዲናል ችዘርንይ ስቃይ ናይተን ካብ መዓት ውግእ ዝሃድማ ደቂኣንስትዮ ይሰምዑ!
ዜና ቫቲካን!
ካብቶም ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ር.ሊ.ጳ ንኣኦምን ንመላእ ቤተክርስትያን ወኪሎም ብኣካል ንኩነታት ናይቲ ወግሔ ጸብሔ ብመዳዕፍን ደብዳብ ነፈርትን ዘይምሱል መሲሉ ዘሎ ሕዝቢ ኡክራይና ኣብ ዓዱ ዝሳቀስ ይኹን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዱ ንዘሎ ንክበጽሑ ዝተላእኩ ክልተ ካርዲናላት ኣለው ዝበልዎም ሓደ ናይ ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ግዝያዊ ሓላፊ ካርዲናል ቺዘርኒ ንሶሙን ዚኣክል ኣብ ሃንጋርን ኡክራይናን ንስደተኛታትን ኣብ ዓዲ ዝሳቀዩ ንዘለውን ብኣካል በጺሖም ኣስካሕካሒ ታሪኻቶም ሰሚዖም ኣጸናኒዖምን ብሓባር ጸልዮምን ባሪኾምን ተመሊሶም።
ኣብ ዝሓለፈ መደብና ጠቂስናዮ ዝነበርና ካብ መረበታ ምስ ሽድሽተ ቈልዑት ኣብ እስታስዮነ ባቡራት ቡዳፐስት ዝረኸብዋ ናታልያን ካልእ ታማራ እትበሃልን ካልኦትን ዘሕዝን ታሪኽ ስደትን መከራን በብሓደ ጽን ኢሎም ሰሚዖም። ከም ኩሉ ካብ ውግእ ህድማን ስደትን ንኣብነት ማሪናን ናድጃን ዝበሃል ካብ ዝናብ ቦምባታት ከተማ ኻርኪቭ ታክሲ ተኻሪየን ናብ ዶብ ሞልዶቫን እንክበጽሓ በዓል ናታልያ ናይ ቤትብልዒ ጣውላ ከም ዓራት ክትጥቀም እንከላ ታማራ ብዘይልባ ክትሃድም ክትብል ሞባይላ ረሲዓ ንሶሙናት ምስ ደቃ ክትራኸብ ዘይምኽኣላ ኣብ ልዕሊ ሻቅሎት ሻቅሎት ኰይንዋ ከምዘሎ የዘንትዋ። መንእሰያት ደቂ ዓሠርተ ሾመንተ ዓመት ዳናን ዳንጅራን ልበን ክትወጽእ ክሳብ ትደሊ እናሃረመት ንበይነን ማኪና ሒዘን ንዓሰርተ ሓሙሽተ ሰዓታት ከምዝተጓዕዛን ካልእ ነዚ ዝመሳሰልን ታሪኽ በተን ግድያት ምስ ንብዓት ሓዊሰን ራዕዲ ብዝመልኦ ድምጺ ከዘንትዋ ክትሰምዕ ልቢ ዝሰብር ከምዝነበረ እውን ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና የመልክት።
ታሪኻት ሕይወት!
እዚ ኩሉ ታሪኽ ውጻእ መዓት ዝኾና ደቂኣንስትዮ እንክትሰምዕ እሞ ኸኣ ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለዘመን ኣብ ሕምብርቲ እታ ሰልጢነ ትብል ኤውሮጳ ዘደንጹ እዩ። ሓደ ክልተ ከይኮኑ ከኣ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ቈልዓ ሰበይቲ ከመይ ኩሎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ዓዶም ንምክልኻል ኣብቲ ረመጽ ውግእ ኰይኖም ይቃለሱ ኣለው። ነዞም ብኩሉ ኩሉ ተዳሂሎም ዝሕዝዎን ዝብልዎን ዝጠፍኦም ቈልዓ ሰበይቲ ዝተፈላለያ ትካላት ዘዝኸኣሎኦ ይቅብላን ይሕግዛን ኣለዋ። ንኣብነት ማሕበር ማልታ ዝበሃሉ ንዝቀደሙ ተቀቢሎም ብምፍናው ንዝደሓሩ እናተቀበሉ የገልግሉ። ከምኡ ዝተፈላለየ ማእከላት እስፖርትን ካልእ ንጥፈታትን ግዝያዊ መጽለሊ ስደተኛታት ብምዃን የገልግል ኣሎ።
ብፁዕነቶም ብተርጐምቲ ተሓጊዞም ኣብዘን ማእከላት እዚኤን ብምኻድ እዮም ታሪኻት ነፍስወከፎም ዝሰምዑ ዝነበሩ። ገሊኦም ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኡክራይን ዝፍጸም ዕንወትን ጥፍኣትን ብሞባይል ቀሪጾም እንከርእይዎም ገሊኦም ከኣ ናይቶም ምሳኣቶም ክወጹ ዘይከኣሉ ሽማግለታት ኣቦታትን ኣደታትን ገለ ሕጻናትን ስእሊ የርእይዎም ነበሩ።
ንብዓት ናታልያ!
ዘሕዝን ታሪኽ ናታልያ ብ2014 እዩ ዝጅምር። መበቆላ ኣብ ምብራቃዊ ክፍሊ ኡክራይና ዞባ ዶነትስክ እንክኸውን ብሩስያ ዝሕገዙ ተቀናቀንቲ ኣብቲ ዓመት እቲ ውግእ ምስ ከፈቱ ብክንደይ ቃልሲ ብ2015 ካብ ክንደይ ዕንወት ንእስክላ ኣሚልጣ ናብ ሓደ ደሓን ዝኾነ ቊሾት ኡክራይና ገዓዘት። ሎሚ ኸኣ እንደገና ምስ ካልኦት ብጾታ ነዊሕ ሰዓታት ተጓዒዛ ኣብ ቦታ ስደት በጽሐት። ገና ገሊኦም ንፈረንሳ ገሊኦም ንጀርመን ክቅጽሉ ምዃኖም እውን ይገልጹ።
ካርዲናል ኣብቲ ንሳ ዘላቶ ምስ መጹ ነቲ ኣብ ዓዳ ዝኸውን ዘሎ ኩሉን ከመይ ዝበለ ጒዕዞ ከምዝገበረትን ካብ እስማርትፎን ናታ ስእሊ እናኣርኣየት ገለጸትሎም። ካብቲ ንሳ ተሕልፎ ዘሎ ድራማ ዝገደደ ግን ኣብ ስእሊ ስድራቤታ ምስ በጽሐት ወለዳ ኣብ ዓዲ ብምሕዳጋ እሞ ከኣ ምንም መግብን መድሃኒትን ስለዘይብሎም ቅድሚ ብመዳፍዕ ሩስያ ብጥሜትን ሕማምን ክሞቱ እዮም ምስ በለት ልባ ብሓዘን ተጐቢኡ ብኽያት ጥራይ ኰይና።
ንብዓት ማሪና ስለወለዳ!
ቀጺላ ንብፁዕነቶም ታሪኽ ሕይወታ ዘዘንተወት ጓል 62 ዓመት ማሪና ኰይና ቅድሚ እዚ ሓደጋ እዚ ናብ ጠፈር መንኰራኩር ምስ ዝውንጭፍ ትካል ትሰርሕ ከምዝነበረት ብሕዙን ልቢ እንክተዘንቱ ንከረጋግእዋ ኢዶም ኣብ መንኩባ ብምባር ኣጆኺ ክብሉ ባረኽዋ። ማሪና ካብ ምብራቃዊ ከተማ ኻርኪብ ምስ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዋ ጓላ እያ ሃዲማ። ሓደ ሕያዋይ በዓል ታክሲ ረኺባ ናይ ነዳዲ ጥራይ ብምኽፋል ኣብ ሃንጋሪ ከምዝበጽሐትን ንጀርመን ክትከይድ ምዃናን ገልጸት። እቲ ዝሓሰመ ኣብ ዓዳ ድቃስን ዕረፍትን ዝኸልኣ ጸጺኒሑ ዝትኰስ መዳፍዕን ደብዳብ ነፈርትን ብቀጻሊ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዘሎ መሕብኢ ኪኣትው የገድዶም ከምዝነበረ እቲ ምምጻእ ነፈርትን መዳፍዕን ዝገልጽ ናይ መጠንቀቅታ ድምጺ ዝህብ ዓው ዝበለ ፋጽ ንበሎ ሲረና ከጸልለና ምስ ደለየ ሃዲምና እውን ትብል። ንሕዝቢ ቡዳፐስት ስለ እቲ ዝገበሩሎም ሓገዝ ንብፁዕ ካርዲናል ከኣ ስለቲ ጽን ቢሎም ምስማዖምን ምጽንናዖምን ቡራኬኦምን ስእሊ ር.ሊ.ጳ ዝሓዘ ጸሎት ብምውፋዮምን ኣመስጊና።
እታ ሞባይላ ዝረሰዔት ታማራ እውን ንሶሙን መመላእታ ጉዳይ ደቃ ከጨንቃ ቀንዩ እንተኾነ ካብቲ ዓዲ ዝደወሉ ወለንታውያን ኣብ ናይ ባፕቲስት ቤተክርስትያን ናይ ትሕቲ ምድሪ መሕብኢ ተሓቢኤን ኣለዋ እንክትብል ንብፅዕነቶም ብምስጋና ኣዘንተወት።
እስታስዮኒ ንዩጋቲ!
ኣብዚ ቦታ እዚ ብማሕበር ማልታ ዝካየድ ናይ ስደተኛታት መዕቆቢ 54 ዝኾኑ እንክርከቡ ክሳብ ዶብ እናኸዱ እውን ሓገዝ ኣምቡላንስ የወፍዩ። ብፅዕነቶም ድሕሪ እቲ ብኢየሱሳውያን ዚካየድ ሓገዝ ስደተኛታት ዝበጽሕዎ ቦታ እስታስዮኒ ንዩጋቲ ነበረ። ኣብኡ ዕግንግን ምስ ዝብሉ ስደተኛታት እናተዘራረቡ ኸኣ ካብ 3-4 ሺሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ብባቡር መጹ። መብዛሕቶም ሮም ዝበሃሉ ዓሌት እንክኾኑ ሚርያና እትበሃል ካብ ኦደሳ ንክንሃድም ናይ ሓንቲ ሰዓት ዕድል ረኺብና ሕጂ ኸኣ ዕድል ዘለዎ ጀርመን ስለዝመስል ናብኡ ክንቅጽል ኢና ብማለት ንዘጋጠሞም ብሰፊሑ ተንተነት።
ስደተኛታት ኤኳዶር!
ብፁዕነቶም ቀጺሎም ዝበጽሕዎ ቦታ ቊምስና ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ኤስተርጎም እንክኸውን ኣባኡ ንደቂ ላቲን ኣመሪካ ብቋንቋ እስፓኒሽ ዘገልግል ካህን ረኺቦም ኣዘራረብዎም። ኣብቲ ቊምስና ካብ ከተማ ክየቭ ዝተሰደዱ ደቂ ኤኳዶር ከምዘለው ተነግሮም። 56 ዝኾኑ ተጸቃቒጦም ይነብሩ ኣለው። ብፅዕነቶም ብናይ ቡዳፐስት ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ተሰንዮም እንክበጽሕዎም እቶም ስደተኛታት ተቀበልዎም። ብፁዕነቶም ከኣ `ኣነ ኣብዚ ዘሎኹሉ ናይ ር.ሊ.ጳ ቅርበትን ተስፋን ንሕዝቢ ኡክራይና ክገልጽ እየ። ቅዱስ ኣቦና ስለሰላም ክትጽልዩ ይሓቱኹም ኣለው` ምስ በሉ ክልተ ሕጻናት ከም ህያብ ብሽኮቲ ሃብዎም።
ኣብ ምዝዛም ርክቦም ብፁዕነቶም ነቶም ስደተኛታት ነቲ ዝተገብረሎም ድማዕ ከይርስዑ ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ ንሶም እውን ብግዲኦም ከማኡ ክገብሩ ከምዘለዎም ብምዝኽኻር ተሰናቢቶም ብሰላም ናብ ግዝያዊ መንበሮም ንሮማ ተመልሱ።