ሲኖዶስ፥ መልእኽቲ ናብ ካህናት - ቤተ ክርስቲያን ኣአንጋዲት ቤት ትዅን!
ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍን ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተን ብሓባር ንዅሎ ካህናት መላእ ዓለም ብትብዓት ኣብቲ ንህዝቢ ኣምላክ ንኽሰምዑ ዘብቅዖም መገዲ ሲኖዶስ ክጓዓዙ ዘተባብዕ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ሲኖዶሳዊ መስርሕ ሓቀይና ወጅሂ ቤተ ክርስቲያን እዩ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብን ዘብርህዎ ስልጣናዊ ትምህርትን ማእከል ዝገበረ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረችን ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀኡንግ ሲክን ኣብ ዓለም ንዝርከቡ መላእ ካህናት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም፥
ግዳማዊ ወግዓውነት ኣእምሮኣውነትን ዕኑድነትን ምውጋድ
እቲ ብይብጻሕ ናብ ኵሎም ኣብ ዓለም ናብ ዝርከቡ ካህናት ዝብል መልእኽቲ፥ እቶም ከይፈለጡ ሕውነት ሃረር ኣብ ምባል ንኽርስቶስ ዝደልዩ ኣብ ዘለውሉ ዓለም፡ ንካህናት ሕውነት መሰረታውን ኣገዳስን ምዃኑ ብምዝኽኻር ሲኖዶሳውነት ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ንምባልን ንምስማዕን ምስ መላእ ህዝቢ ኣምላኽ ሓቢርና “እምነትና እነሐድሰሉ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ወንጌል እነካፍለሉ ሓደሽ መገድታትን ቋንቋታትን እንረኸብሉ መገዲ እዩ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቐዲሞም ዝገለጽዎ፡ ሲኖዶሳውነት ናብ ባዶ ጭርሖ ማለት ናብ ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባ ከይቕየር ሓደራ ምኽንያቱ ከኣ እዚ ሓደጋ እዚ፡ ድማ ሲኖዶስ ንጸገማት ኣብ ክልሰ ሓስሳብ ክስትንተ ዝገብርን ዋላ ሓደ ለውጢ ከይህሉ ዕኑድ ዝገብርን ኣብ ልምድታት ዘትርፍ እዩ ዝኸውን።
ሓባራዊ ሓላፍነት ኣስፍሆተ ወንጌል
ካርዲናል ግረችን ሊቀ ጳጳሳት ዩ ሂንግን፥ ካህናት ነቲ ናይ ሲኖዶስ ጒዕዞ ከም ተወሳኺ ጾር ጒስነት ገይሮም ከይራይዎ ዓዲሞም፡ ኣብ ክንዱኡስ ኣብ ማሕበረሰቦም ዘሎ “ብዙሕ ኣብነታት ተሳትፎን ምክፋልን” ንኽዕዘቡ ዘሐጒስ ናይ ምስትንታን ክእለት ክጥቀሙ ዘተባብዕ እዩ። እቲ ካልእ እቶም ነታ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ፥ ስልጣን ወይ ዘሎካ ሓላፍነ ኣብ ሕቶ ዘእትው ኮይኑ ክስምዓካ ዝገብር ፍርሂ ዝብል ካልእ ነጥብቢ ጠቒሶም ሲኖዳውነት ግደ መሪሕነትን መንነተ እተመዙን ዝሓክኽ ከም ዘይኮነ የጠንቀቑ። ስለዚ ሲኖዳውነት “መሰረታዊ ማዕርነት እቶም ጸጋ ጥምቀት ኣተቐበሉ ሰባት ምርካብ ከምኡ እውን ንዅሎም ምእመናን ኣብ ጒዕዞን ተልእኾን ቤተ ክርስትያን ብንጥፈት ንኽሳተፉ ዘነቓቕሕ እዩ፡” ብሓጺሩ ቀንዲ ትርጉሙ ኸኣ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ማለት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓባራዊ ምስማዕ ንሓባራዊ ተቐባልነት
ንቓል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ምስራው ኣገዳሲ እዩ፡ እንተ ዘይኰይኑ ግን ኣብ ጸልማት ክንመላለስ ዝክኣል ይኸውን ምስትንታና ከኣ ናብ ስነ ሓሳብን ህልዮን እዩ ዝቕየር። ንሓድሕድካ ምስማዕ ናብ ሓባራዊ ተቐባልነት ክመርሕ ኣለዎ - እዚ ከኣ ኣብቲ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ብዕምቆት ኣጒሊሖም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ውከሳ ከይህሉ ይድግፍ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ካብ ካህናት ጀሚርካ ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ኮይኑ ክስምዓና ኣለዎ። ናይ ወንጌልን ሓሴትን ኵላትና ኣሕዋት ዝብላ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋድያን መልእኽቲ መሰረት ድማ እቲ ጒዕዞና ናብ ምምርማር ዘይኮነ ዝመርሓና፡ የግዳስ ምስ ኵሉ ሰብ ንኽንራኸብ ዘነቓቕሓና ይኸውን” ስለዚ ከምቲ ቅዱስነቶም ዝበልዎ ቤተ ክርስቲያን ብሓዊ ግብረ ሰናይን ፍቕርን ተደሪኻን ነዚ ቡሶላ ገይራን ናብ ትብልን ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ህልውናን ከተማታትን ትብል” ብዝብል ሓሳብ ካርዲናል ግረችን ሊቀ ጳጳሳት ዩ ሂንግን ናብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካህናት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይዛዝሙ።