ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣንጻር ሃይማኖታዊ መመኽነይታ ውግእ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዚወርድ ዘሎ “ዘይቅቡል በጽዋር ውግእ እተሰነየ መጥቓዕቲ” ደው ክብል ዘቕረብዎን ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ከምኡ እውን ንዓመጻ ዝድግፍ ስም እግዚኣብሔር ዘርክስ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣማእኪሎም ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርነሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ናይ ሮማ ኣቡን ር.ሊ.ጳ. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ዝተሓረዩሉ ዝኽሪ ታሽዓይ ዓመት ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጒባኤ መንፈሳውያን ነጋዶ፥ “ብስም ኣምላኽ ነቲ ጃምላዊ ቅትለት ደው ኣብልዎ” እንክብሉ ብሓይለ ቃል ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ነቶም ኣብ ከተማ ማሪዩፖል ብዝፈጸመ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ “ንጹሓን ቈልዑ ከምኡ እውን ሰላማውያን ዜጋታት” ዘኪሮም፡ “ነቲ ነታ ኸተማ ናብ ክፉት መቓብር ቀቅድሚ ዝቐየረ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ተቐባልነት ዘይብሉ መጥቃዕቲ” ደው ክብል ሓቲቶም፡ ነተን ካብ ዩክረይን ንዝመዛበሉን ዝስደዱን ንዘለዉ ኵሎም ንዝቕበላ ዘለዋ ሃገራትን ኣባይትን ኣመስጊኖም ምእንቲ ሰላም ዝካየድ ናይ ጸሎት ህሞት ክብ ክብልን ክሰፍሕን ድማ ከም ዝሓተቱ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የዘኻኽሩ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክፋል፡ ነቲ ቀጻሊ ዝኾነ ጃማልዊ ቅትለት መመኽነይታ ንምቕራብ ብዛዕባ ቄናን ኣጠቓቕማ ሃይማኖት ማለት ውግእን ጃማላዊ ቅለትን ሃይማኖታዊ ምኽንያት ምቕራብ፡ ንጹርን ቃላት ብምጥቓም፥ “ኣምላኽ ሰላም ጥራይ እዩ፡ ኣምላኽ ውግእ ኣይኰነን እቶም ንዓመጻ ዚድግፉ ኸኣ ስም ኣምላኽ የሕስሩ።” ከም ዝበሉን፡ እዚ መግለጺታት እዚ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንሶምን ቅድሚኦም ዝነበሩ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16ን ጽልእን ዓመጻን ግብረ ሽበራን ምኽንያታዊ ንምግባር ስም ኣምላኽ ምጥቃም ስም ኣምላኽ ምርካስ እዩ፡ ስሙ ከይጥቀሙ” እንክብሉ ተደጋጋሚ ጸዋዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ግን እቶም ነቲ ጳጳስ ዘቕረብዎ ዘለዉ ጻውዒት መዓርፎ ጅሃዳውያን ጽንፈይናታት ዘይኰኑስ የግዳስ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝፍጸም ዘሎ መጥቓዕቲ፡ “ብሃይማኖት ክጉልብብዎን ንምእመናን ሃይማኖታዊ ትርጒም ከም ዘልዎ ኣምሲሎም ንኸረድኡ ንዝፍትኑ ነቶም ዝተፈላለዩ ሓደ ጸጋ ጥምቅት ዝተቐበሉ ነቲ ደብዳብ ዝፍጽሙ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እያቶም እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።
(Andrea Tornielli)