ፓሮሊን፥ ነቲ እናገደደን ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ደው ምባልን ናብ ዘተ ምምላስን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ኢጣሊያ ኣርባዕተ ዓበይቲ ዕለታዊ ጋዜጣታት ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምስፋሕ ዝኸፍፈአ ዕንወት ከም ዝኸውን ገሊጾም፡ እቲ ዘገድስ ነቲ ውግእ ደው ኣቢልካ ናብ ዘተ ምምላስን ሕይወት ካብ ሞትን ስቓይን ምድሓን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ መላእ ኤውሮጳ እንተ ዝዝርጋሕ ብሓቂ ዓቢይ ዕንወት ምዀነ ነይሩ፡ ካብ ኤውሮጳ ሓሊፉ እውን ኣብ ዓለም ዘሳቕይ ጽልዋ ምሃለዎ” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ኣርባዕተ ማለት ምስ ኮረረ ደልላ ሰራ፥ ላ ረፑብሊካ፥ ላ ስታምፓን ኢል መሳጀሮ ምስ እትሰምያ ናይ ኢጣልያ ዕለታዊ ጋዜጣታት ብዛዕባ ህልው ኵነታት ዩክረይን ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ ወተሃደራዊ ዝርጋሐታት ክውገድን ቦምብታት ደው ክብልን ናይ ዘተ መድርኽ ክበገስ ቅድስቲ መንበር ትምሕጸን፥ ንዘተ ዘድሊ ግዜ ኣይደንጐየን ቅድስቲ መንበር እውን እቲ ናይ ዘተ መድረኽ ንምቅልጣፍ ዝከኣላ ኵሉ ንምግባር ስንደውቲ እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ናብ ዩክረን ኣጽዋር ውግእ ብምስዳድ እቲ ግጭት ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክሰፍሕ ምግባር ዶ ይኸውን ንዝብል ሕቶ እንክምሉስ፥ “ከምዚ ቢለ ክሓስብ ኣይደፍርን እቲ ውግእ ክሰፍሕ ምግባር ብሓቂ ህልቂትን ዕንወትን እዩ፡ ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ገለ ገለ ዝወሃቡ መግለጽታትን ርእይቶታትን ብሓቂ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝወሃቡ ዝነበሩ መግለጽታት እዩ ዝመስል። እዚ ኸኣ ብሓቂ ዘሰንብድ ዘርዕድን እዩ። ካብዚ ሓደጋ እዚ ንምምላጥ ካብ ዝኹነ ይዅን እቲ ውግእ ናብ ምስፋሕ ዝድርኽ ተግባር ኵሉ ከነርሕቕን ነቲ ግጭት ደው ከነብሎን ናብ ዘተባብዕ ዘተ ምምላስ እዩ፡ ንገዛእ ርእሱ ናብ ኵነት ዝሑል ውግእ ምምላስ እውን ዘሰንብ እዩ። እዚ ውግእ ኰነ ዝሑል ውግእ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ቅንዕንና ምድግጋፍን ሰላምን ዝዓሰሎ ዓለም ንምሕናጽ ዘኽእል እንኰ መገዲ ናይ ሕውነት ባህሊ እዩ እንክብሉ ንዝገልጽዎ ክቡር ዋጋ ዝጻረር እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ዘተ መድረኽ ንኽብገስን ውዕላት ክግበርን ኣብ ዝብል ጒዳይ ግደ ቅድስቲ መንበር እንታይ ክኸውን ይኽእል ንዝብል ሕቶ እውን እንክምልሱ፥ እቲ ዝፈራሕናዮን ከይክሰት ተስፋ ዝገበርናዮ ሩሲያ ኣንጻር ዩክረይን ዘበገሰቶ ውግእ ዘስንብድ እዩ ይዅን እምበር ንምይይጥ ቦታ ከም ዘሎ እየ ዝኣምን። ግዜኡ ኣየብቀዔን ምኽንያቱ ዘይምስምማዕ ዝኣልይ እቲ እንኰ ርትዓውን ሓናጽን መገዲ ዘተ እዩ፡ እዚ እውን ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ብዘይ ምስልካይ ዘቕርብዎ ጽዋዒት እዩ። ነዚ ህልው ኵነታት ብቐጥታት ትከታተል ዘላ ቅድስቲ መንበር እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት መፍትሒ ክረክብ ዘተ ንምቕልጣፍ ኣብ ዝግበር ጻዕርን ነቶም ጉጅለታት ነዚ መገዲ እዚ ንኽመርጹ ንምሕጋዝ ወትሩ ድልውቲ እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ዓርቢ ከም ዝፍለጥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ጐደና ደላ ኮንቺሊያዚያ ዝርከብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሩሲያ ልኡከ መንግስቲ ሕንጻ ብምኻድ “እቲ ግጭት ደው ክብልን ናብ ዘተ ንምምላስ ዘቕረብዎ ህጹጽ ጻውዒት፡ ቅድስቲ መንበር ናይ ዘተ መስርሕ ንኽብገስ እትጥቀመሉ ጻውዒት እዩ። ቅድሚ ዅሉ እቲ ዘሕዝን ሳዕቤ ዘለዎ ኵላትና እንርእዮ ዘሎና ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብኡንብኡ ደው ክብል ኣለዎ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ ዕለት 24 ነሓሰ 1939 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ.ፒዮስ መበል 12 ‘ሰባት ንሓድሕዶም ንኽረዳድኡ ይመለሱ . . . ንጽቡቕ ድሌትን ንመሰላት ሓድሕዶም ብምኽባርን ቅኑዕን ውጽኢታውን ዘተ ካብ ክቡር ዓወት ፈጺሙ ከም ዘይዓግት ክግንዘቡ እዮም’ ዝብለዎ እዝክር።
ዋና ጸሓፊ ቅዱስቲ መንር ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ዘይምስምማዕ ንዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፥ “እቲ ዘሕዝን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለየ ናይ ኣርኣእያ ጒድለት ነይሩ እዩ ኣሎ እውን። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምስክሮ፥ ነዚ ዘሕዝንን ዘሳቕን ሳዕቤን ዘለዎ ፍልልያት ምስናፍ የድሊ። በዚ መንፈስ እዚ እውን ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ነዚ ዘሳቒ ፍልልያት ንምስናፍ ንናይ ሓባር ጻዕሪ ስንድዋት ምዃኖም ዘቕርብዎ ለበዋ ዘተባብዕ እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብያተ ክርስትያን ነቲ ናይ ሰላምን ሰብኣዊ ህይወትን ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ብሓቂ ዘፍቅርኦን ዘኽብርኦን ዘተባብዓኦን ምዃነን ናይ ኵላትና ሓሳብ እዩ። እዚ ኸኣ ናብ ሓድነት ንዝግበር ጉዕዞ መልሲ ኣብ ምሃብ መሰረታዊ ግደ ክህልዎ ይኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ነቲ ግጭት ናብ ዝምልከት ኣርእስቲ ምልስ ቢሎም፥ “ንምኽንያት ካልኦት ብዕምቈት ንምፍላጥን ንምርዳእን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ምስማዕን ከም ዘድሊ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥን ንምስማዕን ምስ ተቋርጽ ነቲ ሓደ ብዓይኒ ጥርጣረ ኢኻ እትርእዮ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ሓባራዊ ክስታት ኣብ ምቕራብ ትዋፈር። ኣብዚ ቀረባ እዋርሕ እተረእዩ ምዕባለታት ናብ ግጭት ዚመርሕ ሓባራዊ ጸማም ምዃን እዩ ዘስዕብ። ትምኒታት ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ሕጋውነትን ኣብ ዘስፍሐ ኵነታት ልዕሊ ኵሉ ድማ ምርጫታት ዜጋታታ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምስምማዕን ሓባራዊ ምስትንታ ክግበረሉ ኣለዎ። ታሪኽ ነዚ ንምርግጋጽ ዝድርኽ ኣብነታት ካብ ምሃብ ድሕር ኣይበለን” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።