ድለ

UKRAINE RUSSIA CONFLICT UKRAINE RUSSIA CONFLICT 

ኲናት ኣብ ፈተነ የእትወና! ካብዚ ፈተነ ብሓባር ንውጻእ! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሐሰ 2023 ዓም ኣብ ከተማ ሊስቦን ሃገረ ፖርቱጋል ክግበር ተመዲቡ ንዘሎ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ዘሰናድው ዘለው መንእሰያት ‘ኣጆኹም ትብዓት ይሃሉኹም! ካብዚ ቅልውላው ዝበለጽና ኰና ንሳገር’ እንክብሉ ናይ ርእየት ማለት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ከምዝሰደዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ምድረሰማይ ከምዚሎሚ ካብ ቅልውላው ናብ ቅልውላው እናተሳገረ ቀውጢ ከይኮነ ኩሉ ደሓን ኣብ ዝነበረሉ እቲ ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ዝተሠረተ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራ ብዘይምቊራጽ ዝካየድ ዝነበረ ንመጨረሻ ኣብ ሃገረ ፖላንት ከተማ ክራኩቭ ናይ መጨረሻ ወርሒ ሓምለ 2016ዓም ብዓቢ ድምቀት ምስ ተገብረ ስዒቡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሊስቦን ሃገረ ፖርቱጋል ክኸውን እኳ ተመዲቡ እንተነበረ ብምኽንያት ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ 19 እናተሰጋገረ ብደሓን የጽንሓና ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ 2023 ክኸውን ተወሲኑስ ወለተኛ መንእሰያት ብምዕሩግ መንገዲ ኪካየድ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው። ቅዱስነቶም ነዞም ወለተኛታትን ንኩሎም መንእሰያትን ዝኸውን ብርእየት ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

“ዝኸበርኩም መንእሰያት! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ጠመተይ ናብ ዝመጽእ ወርሒ ነሐሰ 2023 የተኲር ኣሎ። ሓደ ዓመትን ቁሩባት ኣዋርሕን ይተርፋና። ሃገረ ፖርቱጋል አቋምት ኣሎኹ! ከተማ ሊስቦና አቋምት ኣሎኹ! ደብረ ማርያም ዘፋጢማ ኣማዕዱ ኣሎኹ፣ ምሳኹም ምስ ኩልኹም ዝራኸበሉ ናብ ዝራኸበሉ ዕለት እጥምት ኣሎኹ። ንስኹም እውን ኣብ ፖትቱጋልን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዘሎኹም ጠመተኹም ምስ ናተይ ሓደ ኰይኑ ብወለንታኹም ትሰርሑ ኣሎኹም። እዚ ቀሊል ኣይኮነን! ቀሊል ዘይገብሮ ከኣ ካብ ቅልውላው ናብ ቅልውላው ብምጒዓዝና እዩ። ካብ ለበዳ ኮቪድ 19 ሰጊርና ቅልውላው ቊጠባ ሓሊፍናዮ ኣብ እንብለሉ ግዜ ሕጂ ኸኣ ካብቶም ክወርዱና ዝኽእሉ ዝሓሰሙ ጒዳያት ሓደ ዝኾነ ኣብ ቅልውላው ውግእ ኣቲና። ኣብ መንጎ እዚ ኩሉ ቅልውላው ኰንኩም ፍጻሜ ነሓሰ 2023 ፍጻሜ መንእሰያት ሓዲስ ፍጻሜ ሕያው ፍጻሜ ሓያል ፍጻሜ ፈጠራ ዝመልኦ ፍጻሜ ንክኸውን ክትሰናደውን ክትተሓባበሩን ኣሎኩም። ኣብ ጽላል ካልእ ፍጻሜታት ክትሕብኡ ኣይትፈትኑ። ንስኹም ባዕሉኹም ርክባት ክትፈጥሩ ኣሎኩም። ናይ ፈጠራ ክእለትኩም ክተደንፍዑ እንተዘይክኢልኩም ገጠምትን ሥነጥበበኛታትን እንተዘይኰይንኩም እዚ ርክብ እዚ ክስጉም ኣይኮነን! መበቆላዊ እውን ክኸውን ኣይኮነን፣ ቅዳሕ ናይ ካልኦት ርክባት እዩ ክኸውን። ጣልያናዊ ብፁዕ መንእሰይ {ካርሎ ኣኩቲስ} ይብሎ ከምዝነበረ፣ ነፍስወከፍኩም ብምትሕብባር ናይ ኩሎም መበቆላዊ እምበር ቅዳሕ ናይ ካልኦት ክኸውን የብሉን። ንስኹም ክትፈጥርዎ ኣሎኩም። ኣጆኹም ትብዓት ይሃሉኹም! ንድቅድሚት ገስግሱ። ቅልውላዋት ብሓባር ኰንካ እምበር ብውልቀ ኣይሽነፉን እዮም። ዝበለጽና ኰና ክሳብ ንሰግሮም ከኣ ቅልውላዋት ኣብ ወጥሪ የእትውና። ካብ ቅልውላው ብዘይምንም ለውጢ ኣይስገርን እዩ። ወይ ዝሓሽካ ኰንካ ወይውን ዝሓምቅካ ኰንካ ይስገር። ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ዘሎ ዚዓበየ ግድልከስ ካብዚ ቅልውላው እዚ ከመይ ቢልና ዝበለጽና ኰና ንወጽእ እዩ። ካባኹም እንጽበዮ ዝበለጸ ጒዳይከስ ናይ ፈጠራ ሰባት ንክትኮኑ እዩ። ንስኹም ናይ ፈጠራ ሰባት ሥነጥበባውያን ገጠምቲ ኢኹም። ናብ ነሐሰ 2023 እናኣማዕዶኹምከስ ነዛ ናይ ፈጠራ ግጥሚ ድረስዋ። ካብዚ አሰንየኩም ኣሎኹ፣ ስለኹም ክጽሊ እየ ስለይ ከኣ ጸልዩ፣ ስለእቶም ብኣካል ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉን ስለ እቶም ብመራኸቢ ቡዙሓን ከካብ ዘለውዎ ዝሳትፉን ስለ ኩሉኹም መንእሰያት እጽሊ ኣሎኹ። እዚ ርክብ እዚ ፈርያንም ንክኸውን እጽሊ ኣሎኹ። ነፍስወከፍና ካብቲ ዝመጻእናሉ ዝሓሽና ኰና ንስገር። ስለይ ክትጽሊ ሓደራ እብለኩም፣ ከመይ ኣነ እውን ብጸሎት ምድጋፍ የድልየኒ እዩ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ይባርኽኩም! ድንግል ማርያም ከኣ ትሓሉኹም። ኣብ ዝመጽእ ነሐሰ 2023 ብደሓነ ሰላም የራኽበና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
07 Mar 2022, 17:52