ኲናት ኣብ ፈተነ የእትወና! ካብዚ ፈተነ ብሓባር ንውጻእ! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሐሰ 2023 ዓም ኣብ ከተማ ሊስቦን ሃገረ ፖርቱጋል ክግበር ተመዲቡ ንዘሎ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ዘሰናድው ዘለው መንእሰያት ‘ኣጆኹም ትብዓት ይሃሉኹም! ካብዚ ቅልውላው ዝበለጽና ኰና ንሳገር’ እንክብሉ ናይ ርእየት ማለት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ከምዝሰደዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ዜና ቫቲካን!
ምድረሰማይ ከምዚሎሚ ካብ ቅልውላው ናብ ቅልውላው እናተሳገረ ቀውጢ ከይኮነ ኩሉ ደሓን ኣብ ዝነበረሉ እቲ ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ዝተሠረተ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራ ብዘይምቊራጽ ዝካየድ ዝነበረ ንመጨረሻ ኣብ ሃገረ ፖላንት ከተማ ክራኩቭ ናይ መጨረሻ ወርሒ ሓምለ 2016ዓም ብዓቢ ድምቀት ምስ ተገብረ ስዒቡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሊስቦን ሃገረ ፖርቱጋል ክኸውን እኳ ተመዲቡ እንተነበረ ብምኽንያት ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ 19 እናተሰጋገረ ብደሓን የጽንሓና ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ 2023 ክኸውን ተወሲኑስ ወለተኛ መንእሰያት ብምዕሩግ መንገዲ ኪካየድ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው። ቅዱስነቶም ነዞም ወለተኛታትን ንኩሎም መንእሰያትን ዝኸውን ብርእየት ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
07 Mar 2022, 17:52