ኣባ ሎምባርዲ፥ ካብ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሓቂ መንፈሳዊ መግቢ!
ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ 16 መጻሕፍቲ ዘጠቓልል ሻምናይ ተኸታታሊ ናይ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ድርሳን ዕለት 2 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ጀርመናዊ ተቕዋም ንንባብ ከም ዝበቕዔን እቲ መጽሓፍ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብዛዕባ ስነ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ከም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቕ መጠን በዚ መንጽር እዚ ዝሃብዎ ሰፊሕ ትንታነ መሰረት ገይሮም “ኣብ መንጐ ህዝብታት ምልክት ቤተ ክርስቲያን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኣከበ ዓሚቕ መጽሓፍ ንንባብ ከም ዝበቕዔ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ማሕበር ጆሰፍ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ኣቦ መንበር ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ነቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቲ ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መጻሕፍቲ ናይ ራትዚንገር እተፈላለየ ስነ ምርምራዊ ሓሳብ ብሜላ ዝኣከበ መጽሓፍ ምዃኑ ከም ዝሓበሩን ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ውሁድ ልቢ ጳጳሳዊ ተቛም ልሂቅ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፓውል ጆሰፍ ኮርደስ ናይ ኣስፐን ኢጣሊያዊ ተቕዋም መምህር ፕሮፈሰር ጁሉዮ ትረሞንቲ ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነንባቢ ምሉእ ትሕዝቶ ስነ ሓሳብ ራትዚንገር ዘብጽሕ መጽሓፍ እዩ፡ ስለዚህ ሓድነት ዘለዎ ጥርኑፍ ግንዛበ ክህልወካ ዝገብርን ካብ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳብ ህዝበ እግዚኣብሔር ቅዋሜ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውነት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ማሕበርሰብን ሲኖዳውነትን ዝብሉ ኣምራት ብሰፊሕ ዘብርህ ብዛዕባ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ርድኢት ክህልወካ ዝገበር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣
ኣባ ሎምባርዲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እዚ ተኸታታሊ መጽሓፍ እዚ መጀመሪያ ብቛንቋ ጀርመን ዝቐረበ እውን እንተዀነ ናብ ካልኦት ቋንቋታት እውን ተተርጒይሙ እዩ። ተኸታታሊ መጽሓፍ ብዙሕ ግዜ ንዓበይቲ ሊቃውንቲ ንፈላስፋታትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ንዝተፈላለየ ናይ ስነ መጽናዕቲ ጨናፍር ሊቃውንቲ ዝምልከት እዩ። ካብቶም ዓበይቲ ሊቃውንቲ ማለት ኣብ ቲዮሎጊያዊ መጽናዕቲ ኣብ ዘመንና ራትዚንገር ብዝለዓለ ደረጃ ዝጥቀሱ እዮም፣ በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ስነ ኢየሱስ ስነ ክርስቶስ ቲዮሎጊያ ስነ ቤተ ክርስቲያንን ስነ ፍጻመ ህይወትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ኣርእስታት ሰፊሕ መብርሂ ይህቡ። ምስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተኣሳሰር እውን እዩ። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ቅድም ምሕራዮም ዘካየድዎ ዝነበረ ምርምራት እዩ። ስለዚ ከም ሓደ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዘቕረብዎ እዩ። ብሓፈሻ ክትርእዮ እንከለኻ እውን ናይ ድሕነት ታሪኽ ዝምልከት እዩ። ናይቲ ናይ ራትዚንገር ጽሑፋት ማእከል ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ርትዓዊ ብዝዀነ ቲዮሎጊያዊ ምርምር ሓቂ ዝትንትን ምዃኑ ይገልጹ።
ከም እንፈልጦ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ቀዳማይ ዓዋዲ መልእኽቶም “Deus Caritas Est - እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ እዩ። ስለዚ ንብምሉኡ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ኣብ ትሕቲ እዚ ኣምር እዚ እዮም ዘእተዉ። ራትዚንገር ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ መንፈሳውነትን ቲዮሎጊያን ፍልፍናን ኣመለኻኽታ ተኸታሊ እዮም ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ተመሃራይ ቢልካ እውን ክትገልጾም ዝከኣል እዩ እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።