ዩክረይን፥ ደቂ ኣንስትዮ ኣብነት ተስፋን ብርታዐን ፍቕርን እየን!
ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2022 ዓ.ም. ብዙሓት ደቂ ኣስንትዮ ብዝተፈላለየ ጸገም ተደሪኸን ኣብ ዝስደዳሉ ብፍላይ ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ኣብ ዝሃድማሉን ንዝተፈላለየ ሽግር ኣብ ዝተቓልዓሉ እዋን ይበዓል ምህላዉ ናይ ዜና ቫቲካንን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርነሊ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፥ ደቂ ኣንስትዮ ንደቀን ንምዕቋብ ካብ ኣባይተን ክወጻን ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ፈተናታት ይገጥማን እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ ኣብ ዝጽልያሉ እዋን ይዝከር። እተን ኣብ ጐድኒ ሰብኡተን ኴይነን ነቲ ኣብ ሃገረን ዘጋጥም ዘሎ ወራር ክቃወማን ውግእ ይኣክል ይብላን ኣለዋ። እተን ኣብ ፍርስራስን ኣብ ትሕቲ ባርዕ ሞርታርን ዕሸላት ድቃተን ዘጥቡዋን ኣባይቲ ስድራኤን ክዕንግላ መግቢ ከናድያን ገሊኣተን እውን ኣብዚ እዋን ውግእ ህይወትን ሓድሽ ተስፋን ዝወልዳ ከምኡ እውን ካብቲ ዘሎ መዓት ንኸምልጣ ንኽስደዳ ኣብ ዶባት ሃገረን ዝርከባን ዓበይቲ ማካይን ዘንቀሳቕሳ ህዝቢ ንምድሓን ዘጓዓዕዛ ኣብ ቍርን ኣስሓይታን ደቃተን መሪሐን ብእግሪ ዝጓዓዛን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እንርእየሉ እዋን ዝዝከር እዩ። ሓደጋ ሞት ዘጋጠመን ዝተዓመጻን ቦምብታትን ጠያይትን ዝህረማ። ነዚ ዅሉ ራዕዲ መን ኰን ክቕበሎ ይኽእል? ካብ ዩክረይን ወጻኢ እውን ረድኤት ዝእክባን ኣብ ፖለቲካ ጒዳያት ዝዓያ ፍታሕ ንምርካብ ክሌኣዊ ናይ ስነ መላ ርክባት ዘተባብዓን ነቲ ዘሎ ቅልውላው ዝቃወማን ኣደዳ ማእሰርትን መግረፍትን ዝዀና ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እንርእየሉ እዋን ዝዝከር ዘሎ መዓልቲ ደቂ ኣስንይቶ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ፥ ኣዋልድን ኣሓትን ኣዴታትን ፈተውቲ ማሕበርሰብን ንምሕናጽን ቍጠባ ንድጋፍ ትምህርትን መሃዝነት ንኽህሉ ፍጥረት ንምሕላውን ንምዕቋብን ዘይሕለላ እያተን። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ እዚ ሕጂ ኣብ ዩክረይን - ኣብ ኤውሮጳ ዝረአይ ዘሎ ውግእ ገና ከየንጸላለወ እንከሎ፥ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ማህሰይቲ ዓመጽን ዘርዚሮም “ንደቂ ኣንስትዮ ምጒዳእ ንኣምላኽ ምቑጣዕ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ይዝከር። መብዛሕቲኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት እያተን፡ እዚ ማለት ከኣ ናይ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ከምኡ እውን ብዘይ ፍቓደን ኣብ ትሕቲ ዕድመ እንከለዋ ከይተረፈ በስገዳድ ክምርዓዋን ንዝተፈላለየ ሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስር ንሓድሽ ጊልያነት ይቃልዓን ኣብ ንኡስ ዕድመአን ድዩ ደሓር እውን በስጋዳድ ንጒልበት ስራሕ ክቃልዓን ክቕተላን ደቃተን ኣብ ውግእ ክሞቱ ዝርእያን ኮይነን እውን ኣለዋ። ነዚ ኵሉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ እናረኣየ ሱቕ ክብል ዝኽእል መን እዩ? ኣብ ዓለም ዕንወት ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን እውን ይዅን ድጋፍን ሓገዝን ዝዀና ዝመርሓን ደቂ ኣንስትዮ ጀጋኑን ተባዓትን እያተን። ኣብ ኵሉ ክፍልታት ዓለም ዚርከባ ደቂ ኣንስትዮ ሓድነት ንኺህሉ መታን ነቲ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምፍልላይ ጽልኢን ዚጻረራ፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት ቅዱሳት ኣብቲ ከምቲ ኣብ ዝነበራሉ ግዜ ሎሚ ኣብቲ ምጒዳል ፍትሕን ዘስካሕክሕ ነገራትን ኣብታ ዝቖሰለት ኤውሮጳ ብርሃነ ክርስቶስ ዝምስክራን ብርሃነ ክርስቶስ ዘብጽሓ ብዙሓት እያተን። ከም በዓል ቅድስቲ ብሪጂት ቅድስቲ ሂልደርጋርድ ዘቢንገን ቅድስት ተረዛ በነደታ ዘመስቀልን ቅድስቲ ካተሪና ዘሲየናን ሓለውቲ ኤውሮጳን ናይዛ ክፍለ ዓለም እዚኣ ጀጋኑ ደቂ ቤተ ክርስቲያን እያተን። ኣብ ዩክረን ንዘሎ ኵሉ ዓመጻ ምእንቲ ከብቅዕ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ብሰላም ምእቲ ክነብር ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ነታ ኣደ ኣምላኽ ንዝዀነት ማርያን ንምዕቈብ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርነሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።
(Andrea Tornielli)