ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክረይን ውግእ ደው ክብልን መተሓላልፎ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቀድ ትሓትት
ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ካቻ ኣብቲ ናይቲ ውድብ ዛዕባ ህልው ኵነታት ዩክረይንን ሰብኣዊ ቅልውልላውን ኣማእኪሉ ኣብ ዝተመያየጠ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኣቢልካ ናብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተ ምምላስ የድሊ እንክብሉ ናይ ዘተ መድርኽ ክተባባዕ ሓቲቶም፡ እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ ነቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ንዝመዛበሉ ዘለዉ ዜጋታት ምቕባልን ምዕቋብን ምሕጋዝን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብህጹጽ ደው ምባልን ናብ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ዘት ምምላስን ዝብል ሓሳብ ብሓጺሩ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብርኤለ ጆርዳኖ ካቻ ናይቲ “ሓባራዊ ሰብኣዊ ጻውዒትን ንኵነታት ተመዛበልትን ስደተይናታት ዩክረይን ክፍለ ዓለማዊ መልሲ ምሃብ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል 11 ህጹጽ ፍሉይ ሓፈሻዊ ኣኼባ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተረኺቦም ናይ ዝሃብዎ ክልተ መግለጺ ማእከል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 27 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ነቶም ብሰንኪ እቲ ግጭት ምስ ዝሳቐዩ ዘለዎ ሰባት ቀረባ እየ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ነቶም ገዛእ ርእሶምን ህይወት ኣባላት ኣባይቲ ስድራኦምን ንምድሓን ንዝመዛበሉን ዝስደዱን ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝኸእል ናጻ መተሓላልፎ ክህሉ እሓትት። ነቶም ኣብ ጽንኵር ኵነት ንዝርከቡ ዜጋታት ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ምውፋር ሕጹጽን ሓላፍነት እውን እዩ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ግብረ ሰናይ ንህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ቀዳምነት ክወሃንቦ ዘለዎ ተግባር እዩ። ስለዚ ቅድስቲ መንበር እቲ ውግእ ብህጹጽ ደው ምባልን ናብ ናይ ሰላም ዘተ መድርኽ ምምላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ተተሓሳስብ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ናይ ረድኤት ማሕበራታ ኣቢላ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብቲ ሰብኣዊ ጸገም ኣብ ዘለሉ ክፍሊ ዓለም ተዋፊራ ኣገልግሎት ተቕርብ ምህላዋ እውን ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅድስቲ መንበር “ነቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታት ሓንጐፋይ ቢልካ ምቕባልን ምዕቋብን ምሕጋዝን” ንቡር ሓላፍነት ኵሉ እዩ። ነቶም ድሕነት ደልዮም ዝሃድሙ ዘድልዮም መሰረታዊ ነገራት ንምምላእ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ትሕቲ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕጊ “ንዝስደዱ ናብ ዝመጽሉ ዘይምምላስ ዝብል መሰረታዊ ስርዓትን ሓባራዊ ግዴታታትን ክኽበርን ብዘይ ኣድልዎ ንዅሉ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ መወዳእታ ብጹዕ ኣቡነ ካቻ፥ ቅድስቲ መንበር ወትሩ “ንጽቡቕ ፍቓድን ንዘተን ግዜን ቦታን ኣሎ፡ ወጋኒ ረብሓ ዜወግድን ትምንቲ ነፍሲ ወከፍ ዚሕሉ ከምኡ እውን ንዓለም ካብ ጽላለን ዜስካሕክሕን ውግእ ዜናግፍ ጥበብ ንምጥቃም ቦታን ግዜን ከም ዘሎ እምነታ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።