ቅድስቲ መንበር፥ ክትባት ጸረ ኮቪድ 19 ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውን ጻውዒት ተቕርብ
ኣብ ጀነቭ ኣብ መበል 49 ክፍለ ጒባኤ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቤት ምኽሪ ሓልዮ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ቅድስቲ መንበር ክትባት ጸረ ኮቪድ 19 ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውን ሓቲታ፡ ሃገራትን ምሁራትን ናይቲ ናይ ጸረ ኮቪድ 19 ክትባት ናይ በዓል ንብረት መሰል ንግዚኡ ሓዲጐም ንመላእ ህዝቢ ዓለም ክባጻሕ ኣብ ዝብል መደብ ክዋስኡ ከም ዝሓተተት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድስቲ መንበር ከምቲ ወትሩ ደጋጊማ እትብሎ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉ ህዝቢ ዓለም ውሑስ ክኸውን ብፍላይ ለብዒ ኮቪድ 19 ድሕሪ ምክሳቱ ዝተረኽበ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውንን ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕና ንዅሉ ከይኸውን ብግብኡ ከይዝርጋሕ ዝገብር መተዓናቕፎ ክውገድን እቲ ዝተረኽበ ክትባት ጸረ ኮቪድ 19 ንዅሉ ካባጻሕ መታን እተን ነቲ መድሃኒት ዝረኸባ ሃገራት ናይ ዋኒን መሰለን ንግዚኡ ደው ኣቢለን መላእ ህዝቢ ዓለም ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ክረክብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክተሓባበራን እዚ እውን ሰብኣውን ግብረ ገባውን ሓላፍነት እዩ ቢላ ጻውውዒት ከም ዘቕረበት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓባራዊ ጥቅሚ ምስዓብ
ሓለፈ ረቡዕ ዕለት 16 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ መበል 49 ዓውደ ኣኼባ ዝተረኽቡ ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ናይጀሪያዊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፎርቱናቱስ ንዋቹክዉ፥ ብዙሓት ድኻታት ሃገራትን ዜጋታታ ዓለምን ከይንጸሉን ኣብ ተጠቓምነት ኵለ መዳያዊ ምዕባለ ቦታ ክህልዎም ሓቲቶም፡ ኣብ ቍጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ኪደት ሓባራዊ ጥቕሚ መሰረት ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥
ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉ ስነ ምግባራዊ ግዴታ እዩ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉ ክባጻሕ ምግባር ስነ ምግባራዊ ግዴታ እዩ እንክብሉ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ሓሳብ መሰረት ገይሮም ኣብ ጀነቭ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ንዋቹክዉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ናይ ሃገራትን መንግስታት ስርዓትን ሕግን ስሉጥ ምትሕብባር እናሰፍሔ ክኸይድ ዝገብር ኣብ ማዕርነት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኣምን ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ንምድንፋዕ ተባሂሉን ካብ ናይ ስነ ፍልጠትን ስነ ምርምርን ከምኡ ካብ እተበጽሐ ምዕባለ ዝንጸል ሰብ ከይህሉ ዝብል ዕላማ ኣብ ግብሪ ምውዓል ክኡል መታን ክኸውን ኣብ ዝብል እምንቶ ዝጸንዔ እዩ፡ ስለዚ ኣብ መላእ ዓለም ኵሉ ክትባት ጸረ ኮቪድ-19 ክረክብ መታን ነቲ ክትባት ዝውንና ናይ ዋኒን መሰል ዘለወን ሃገራት ነዚ መሰለን እዚ ንግዚኡ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ከረጋግጻ ቅድስቲ መንበር ትምሕጸን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።