ምሥጢረ ዕርቂ ዝኾነ ምሥጢረ ንስሓ ምሥጢር ሓጐስን ምሕረትን እዩ! ፕያቸንሳ
ዜና ቫቲካን!
ዓመት መጸ ኣብ ዘመነ ጾመኣርባዓ ናይቲ ዓመት ሓደስቲ ካህናትን ካልኦት ግዱሳትን ብዛዕባ ምሥጢረ ንስሓ ዚኣክል መረዳእታ ንክረኽቡ ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ በለክስዮ ማጂስትራሊስ ማለት ትምህርቲ መምህር ብዝብል ኣርእስቲ ጽዑቅ መደብ ኣስተምህሮታት የካይድ። ሎምዘመን ንመበል 32 ግዜ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎምዘመን ትምህርቲ 800 ከምዝሳተፉ እንክምልከት ካብዚኦም 250 ብኣካል ኣብቲ ኣዳራሽ ተረኺቦም እንክከታተልዎ እቶም ዝተረፉ 550 ከኣ ብመራኸቢ ብዙሓን ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለምና ብሓባር ይስዕብዎ ኣለው። እዚ ብቀንዱ በዚ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ርሕቀትካ ንምሕላው ዝተገብረ እዩ። ኣብቲ ዝውሃብ ትምህርቲ ጒዳይ ሞራልዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ሕገቀኖናዊ መምርሒታትን ብዘፊሑ ክትንተኑ እዮም። ብቀንዱ ዘተኩሩሉ ከኣ ኣብ ምሥጢረ ንስሓን ኣተዓዳድላኡን ኰይኑ እቲ ኣብ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ንፍሉይ ጉዳያት ማለት ነቲ ንር.ሊ.ጳ ጥራይ ተሓዚኡ ብያኔ ካብ ር.ሊ.ጳ ዝጽበ ዝነበረ ጉዳያት ንክከታተልን ክፈትሕን ሥልጣን ዝተዋህቦ ቤትፍርዲ ምሕረትን ሓዋርያዊ መንበረ ናዝዞ ቅድስት መንበርን ሥልጣኖምን ሥራሓቶምን ብዝርኢ እውን መምርሒ ክወሃብ እዩ።
ምዝዛም ትምህርቲ ምስ ር.ሊ.ጳ
እቲ መደብ ትምህርቲ ብሰፊሑ ኪካየድ ድሕሪ ምቅናይ ኣብ መወዳታእታ ዕለት ማለት ዓርቢ ዕለት 25 መጋቢት 2022 ዓም ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተዘዋዊሩ ባዕሎም ር.ሊ.ጳ ዝመርሕዎ ሥርዓት ኪካየድ ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ኣብቲ ዕለት እቲ ልዕሊ ሰማንያ ካህናት ንምንዛዝ ምእመናን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስስ ይኹን ኣብ ውሽጢ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝህሉ እውን ተመልኪቱ። ቅዱስነቶም እውን ንሕጽር ዝበለ ግዜ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ኰፍ ቢሎም ንዝተወሰኑ ከምዘናዝዙ ተገሊጹ።
ኣብቲ ዕለት እቲ ዓለም ብምሉኡ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘሎ ዕላዊ ሥርዓተ ወፈያ ሩስያን ኡክራይናን ናብ ንጹሕ ልበ ድንግል ማርያም ካብ ሃገረ ፖርቱጋል መካነ ንግደት ቅድስት ድንግል ማርያም ደብረ ፋጢማ ክካየድ ብምዃኑ ቅዱስነቶም ብቀጥታ ምስ መላእ ዓለም ብምሕባር ነቲ ሥርዓት ክፍጽሙ ትጽቢት ይግበር።
ጣዕሚ ምሥጢረ ንስሓ!
ብዕለት 21 መጋቢት ነቲ ትምህርቲ ዝኸፈቱ ዓቢይ ናዛዜ ሓዋርያዊ መንበረ ኑዛዜ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፕያቸንስ፣ ‘ምሥጢረ ዕርቂ ማለት ምሥጢረ ንስሓ ምሥጢረ ምሕዋይ ጥራይ ዘይኮነ መተካእታ ኣልቦ ምሥጢረ ታሕጓስ ማለት ሰማያውን ምድራውን ታሕጓስ ሰብኣውን ክርስትያናውን ታሕጓስ እዩ’ እንክብሉ ዕብየት ምሥጢረ ንስሓ ገለጹ።
ብፁዕነቶም ትርጉም ምሥጢረ ንስሓ ብዕምቈት ኣብ ዝተንተኑሉ ህሞት ምሥጢረ ዕርቂ ነቲ ሓጢኣት ብምፍጻምና ዝስምዓና ወቀሳ ሕልና ዝድምስስ ወይውን ደው ዘብል ሰብኣዊ ስምዒት ከይመስለና ምጥንቃቅ ከምዘደሊ ብቀንዱ ምሉእ ብምሉኡ ብእግዚአብሔር ከምዝተመሓርካ ምፍላጥ እዚ ከኣ ክርስትያናዊ ታሕጓስ ኰይኑ ካብ ሰብኣዊ ስምዒትን ሥነኣእምሮን ዘይኮነ ምሉእ ብምሉኡ ካብ እምነት እዩ ዝውለድ እንክብሉ መጠን ዕምቈት እምነትናን ሓቅነቱን ምዃኑ ገለጹ። በዚ ከኣ ተመኲሮ መንፈሳዊ ታሕጓስ ምሥጢረ ንስሓ ምሕረት ማለት ካብ ሓጢትካ ፍትሓት ምርካብ እዩ። ንምሥጢረ ንስሓ ክውን ዝገብሮ እግዚእብሔር ብዓቢኡ ኰይኑ በዚ ዘደንቅ ሥራሕ ኣምላኽ እቲ ተነሣሒ ብሓቂ ዳግም ይትንሥእ እቲ ዘናዝዝ ከኣ ንእግዚአብሔር የዕቢ እዚ ከኣ ወትሩ ካብቲ ዕለት ዕለት ክሕደስ ዘለዎ ሕይወትናን ብመርመራ ሕልና ዝግለጸልና ሓጢኣትና ብምንዛዝን ይፍጸም እሞ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ሓደስቲ ፍጥረት ንኸውን። መለኮታዊ ምሕረትከስ ብጐይታ ትውፈ ንሕና ኸኣ ክንቅበላ ኣሎና። እዚ ከኣ እቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ዘድንቅ ሥራሕ ድሕነት እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ምሥጢረ ንስሓ ምሥጢረ ምሕዋይ ምሥጢረ ዕርቂ ምሥጢረ ደስታ ንብሎ። ምሥጢረ ንስሓ ብኣንብሮ ኢድ ካህናት ብፍትሓት ካህናት ጥራይ ከምዝፍጸም ብምብራህ ቃሎም ደምደሙ።