ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ፥ ንማሕበረሰብ ዩክረይን ሮማ “ብርቱዓት ዅኑ”
ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ዕለት 2 መጋቢት ናይ 2022 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም መኸፍቲ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ረቡዕ ናይ ሓሙኽሽቲ ብዝብል መጸውዕ እትሰርዖ ሊጡርጊያ ነቶም ኣብ ሮማ ዝርከቡ ካቶሊክ ምእመናን ማሕበረሰብ ዩክረይን ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኣብዚ ዘሕዝን እዋን እዚ ንማሕበረሰብ ዩክረይን ኣብ ሮማ በይንዅም ኣይኰንኵምን ኣብ ሓይሊ ጸሎት እምነት ይሃልወና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያን ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 2 መጋቢት ናይ 2022 ዓ.ም. ምጅማር ዓቢይ ጾም ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ፥ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን እዩ ቢሎም፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ ናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኣብ ሮማ ናይ ግሪኽ ስርዓት ዝኽተሉ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ዩክረይን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ ዝኽተሉ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ዩክረይን ኤዛርቃ ብጹዕ ኣቡነ ዲዮኒስጅ ልጃቾቪች ተሰንዮም ስነ ስርዓት ረቡዕ ናይ ሓሙሽኽቲ ሰሪዖም ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክራይ መሪሖም ከም ዘዕረጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ንዅሎም እቶም ኣብዚ ዘሕዝን እዋን እዚ ኣብ ሃገሮም ስቓይ ዝወርዶም ዘሎ ዩክራይናውያን ልባዊ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።
ብጸሎት
ብጹዕነቶም ዘስምዕዎ ስብከተ፥ “ብዙሕ እንብሎ ቃላት የብልናን ጸሎትናን ምህለላናን ብቅድስቲ ድንግል ማርያን እመ ኣምላኽ ንግስቲ ዩክረይን ኣማላድነት ነቕርብ፥ ፍጥረት ሰብ እቲ ዘጋጥሞ ዘሕፍር ተግባር ብኻልእ ዘሕፍር ተግባር ዘይኰነ ብጸሎት ይመልሶ፡ ኣጽዋርና ጸሎት እዩ”
ቃላት የብልናን ሚሳይል የብልናን ሸጓጉጥ ታንክታት የብልናን ካልእ ዝኽፈል ዋጋ ዝሓትት ሓይሊ ዓመጻ እውን የብልናን ነቶም ናይ ዓለምን ምድርን ሓያላት እነቕርቦ ብርታዔ ትሕትናን እዩ። ንፍጥረት ኣዳም ብዙሕ ሕፍረትን መከራን እናጋጠሞ ክነሱ እቲ እንገብሮ ጸሎት ጥራይ እዩ፥ ኣጽዋርና ጸሎት እዩ!
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ብርታዔ ጸሎት ይሃልዅም
ቤተ ክርስቲያን ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ዩክረይን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ፍቑራቶም ቀረባኦም እያ። እቲ ዝተሰቕለ ጐይታና ኢየሱስን እታ ቅድስቲ ኣዲኡ ምስናን ምሳኻትኵምን ምስኣታቶም እያቶም ስለዚ ጽንዑ ብርታዐ ድማ ይሃልኵም” ቢሎም ቃላት የብልናን ሓይልና ጸሎት እዩ እሞ ኣብ ጸሎት ንበርትዕ ኣጽዋርና ጸሎት ምዃኑ ብቓልን ተግባርን ጸላያን ብምዃን ንመስክሮ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።