ድለ

ዩክረይን፡ ካርዲናል ፓሮሊን፥ እቲ ውግእ ደው ንምባል ቅድስቲ መንበር ክትሽምግል ስንድውቲ እያ! ዩክረይን፡ ካርዲናል ፓሮሊን፥ እቲ ውግእ ደው ንምባል ቅድስቲ መንበር ክትሽምግል ስንድውቲ እያ! 

ዩክረይን፡ ካርዲናል ፓሮሊን፥ እቲ ውግእ ደው ንምባል ቅድስቲ መንበር ክትሽምግል ስንድውቲ እያ!

ብጹዕነቶም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምስ ሚኒስትር ወጻእ ጉዳያት ፈደራላዊት ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ብስልኪ ተራኺቦም ከም እተመያየጡን ብወገን ሩሲያ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ደው ንምባል ቅድስቲ መንበር ክትሽምግል ስንደውቲ ምዃና ዝቐረበ ሓሳብ ከም ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ዝርኣይዎ እውን እንተዀነ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቶም ብዝተረኽቡ ናይ ኢጣሊያ ቲጂ ኮም 24 ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ጋዜጠይናታት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ነዚ ውግእ እዚ ደው ክብልን ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦን ቅድስቲ መንበር ክትሽምግል ስንድውቲ እያ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎን ደሓር እውን ዝደገምዎን እቲ ተቐባልነት ዘይብሉ ኣብ ዩክረይን ዝተለዓለ ግጭት ደው ንምባል ቅድስቲ መንበር ዝከኣላ ኵሉ ንምግባር ድልውቲ እያ እንክብሉ ገሊጾም። ብጹዕነቶም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምስ ሚኒስትር ወጻእ ጉዳያት ፈደራላዊት ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ብስልኪ ተራኺቦም ከም እተመያየጡን ብወገን ሩሲያ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ደው ንምባል ቅድስቲ መንበር ክትሽምግል ስንደውቲ ምዃና ዝቐረበ ሓሳብ ከም ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ዝርኣይዎ እውን እንተዀነ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ምልክት ግን ኣይቀረበን” ኢሎም። ብተወሳኺ እውን እ “ቅድስቲ መንበር ዘቕረበቶ ዕድመ ግድን ተቐባልነት ክረክብ ዘይኰነስ እቲ ዘገድስ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ምባል እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ እቲ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ንኽርከቦ ዝግበሩ ዘለዎ ጻዕርታት ብእወታዊ ኣገባብ ክዛዘም ተስፋ ከም ዘለዎም ድማ የመላኽቱ።

ብዙሓት ንሰላም

በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ፥ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ትጽዕር ኣላ - እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ልመናን ምእንቲ ዩክረይን ናይ ጸሎት መደባትን ዝተፈላለዩ ተበግሶታትን ምስቶም ኣብ ኪየቭ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብምትሕብባር ብቐጻሊ ዝግበር ርክብ ይሳለጥን ብዙሓት ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መደባት ምእንቲ ሰላም ከም ዝሓብሩ ገሊጾም፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን እተላዕለ ግጭት ደው ንምባል ዝግበር ብዙሕ መርኣያታት ኣድላዩ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ኣብ ሩሲያ እውን ሰላም ክርከብ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን እዚ ዅሉ ምልክት ተስፋ ምዃኑ ይገልጹ።

ናይ ር.ሊ.ጳጳሳትን ናይ ኵሉ ስቓይን

ናይ ሃገረ ቫቲካን - ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 13 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዘስምዕዎ ቃል ሓያልን ዘነቓቕሕን ጥራይ ዘይኮነስ ብፍላይ እቲ ግጭት ዝፈጥረሎም ዘሎ ጓሂ ዘስምዕ እውን እዩ። እዚ ትርጒም ዘይብሉ ውግእ እዚ ንብዙሓት እውን ምኽንያት ጓሂ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Mar 2022, 17:38