ክራየውስኪ፥ ውግእ ኣብ ዘለሉ ዞባ ናይ ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ሰላም አብጽሕ
ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ገበዝ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ኣብ ኡክረይን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ ብምቕጻል ድሕሪ ከተማ ለዮፖሊ ናብ ማእከል ከተማታት እታ ሃገር ኣብ ምንቃሎም ኣብ ከተማ ለዮፖሊ ምስ ዝርከቡ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ዩክረይን ኣዚዩ እተራቐቐ ኣጽዋር ወንጌልን ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን ሒዘ እርከብ” ኢሎም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብቲ ውግእ ዘለሉ ዞባ እውን ከይተረፈ ወንጌልን ሓገዝን ተስፋን ተዓጢቕካ ነቲ ኣብ ጽንኵር ኵነት ዘሎ ሰብ ቀረባ ንምዃን ሓገዝ ንምቕራብ ብዝብል መንፈስ ኣብ መንጐዅም እርከብ” ነዚ ዝበሉ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ገበዝ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ኣብ ከተማ ሊዮፖሊ ምስ ዝርከቡ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ “ሎሚ ዩክረይን ስቓይ ዝመልኣ ሃገር እኳ እንተ ዀነት መላእ ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ኣብቲ ከቢድ ጸገም ዝርከቡ ቅርበታ ብርሑቕ ዘይኰነ ኣብቲ ኵነት ተረኺባ እያ እተረጋግጽ” ኢሎም።
ኣብዚ ምርኻብኵም እንታይ ትርጒም ኣለዎ? ኣብዛ ትደምይ ዘላ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ክትራኸቦ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ኣብኡ ክትህሉ ኣሎካ። ርግጽ እዩ ስነ ምግባራዊ ሓገዝን ዘሎና እምነት ሒዝና ካብቲ ዘሰቅቕ ኵነት ንኽንወጽእ ተስፋ ነቕርብ። ንዩክረይን ብክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብቲ ቦታ ምርኻብ ንገዛእ ርእሱ ጭቡጥ ሓገዝ እዩ።
ዕለት 9 መጋቢት ኣብ ጥቓ ኪየቭ ከተማ ማሪዮፖል ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻናት ደብዳብ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን እቲ ኣብ ቱርኪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ክትብሎ ይከኣል? ኣነ ናይ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ልኡኽ ኣይኰንኩን ትርትዓዊ ኣተሓሳስባ ወንጌል ሒዘ እየ ዝመጻእኩ። ኢየሱስ እውን ከምኡ እዩ ዝገበረ። ወትሩ ኣብ ጐድኒ እቶም መከራን ሓሳርን ዝወርዶም ዝነበሩ ሰባት እዩ ዝነበረ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ወንጌል እዮም ዝጥቀሙ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ከኣ ኣብዚ ዘሎና። ከመይሲ ኣጽዋርና እምነትን ተስፋን ፍቕርን ስለ ዝዀነ። ከም ንቡር ወንጌል ብዛዕባ ዚዩ ዝተራቐ ሰለስተ ኣጽዋር እዩ ዝዛረበና፡ ማለት ብዛዕባ ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን - ግብረ ሰናይን እዩ ዝዛረበና። ሎሚ ዓለም ብምልእታ ምእንቲ ዩክረይን ትጽሊ። ስለዚህ ምጽዋት ማለት ዝጐድኣኒ ነገር ማለት እዩ። ምስ ካልኦት ክካፈል ስለ ዘሎኒ እቲ ዘሎካ ከተማቕል የሳቕየካ እዩ፥ ተሪፉካ ዘይኰነ እታ ርካብካ ምክፋል ስለ ዝሓትት። ሎሚ ነዚ ኢና ንገብር ዘሎና። ኣብ ኤውሮጳ እውን ከይተረፈ ብምኽንያት እዚ ግጭት እዚ ዝለዓለ ወጻኢታት ንኸፍል ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ከምቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ጸሎት ነቶም ዝኵህኵሑ ማዕጾ ይኽፈተሎም እቶም ዝጽልዩ - ዝልምኑ ክቕበሉ እያቶም ይብለና። እዚ ግና ቀጻሊ ክኸውን ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ሳልሳይ ጸሎት ማለት ጾም እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥኻ ምዕዳም ማለት እዩ። ህላወኡ ምድላይ ማለት እዩ። ንኣኡ ዝዀነ ቦታ ነቕርበሉ፡ እዚ እዩ ኣጽዋርና። እምነት ነቲ ዕሽነት ዝመልኦ ውግእ ይትረፍዶ ንኣኽራን ከተንቀሳቕሶ ዘኽእል ሓይሊ እዩ። ናይ ዩክረይን ሓይላ ንሱ እዩ። ነቲ ውግእ ብእምነትን ንዓዶምን ስድራ ቤቶምን ብዘለዎም ፍቕሪ ኣቢሎም ይቃወምዎ ኣለዉ። በዚ መገዲ ፍቕሪ ኣዚ ኣቢሎም ንዓዶም ክድሕንዋ እዮም።
ምስ ተመዛበልቲ ተራኺብኵም . . . ክንየው ኪየቭ ክትበጽሑ መደብ እለኵም ዶ? ብእተኻእለ መጠን እውን ካብ ለዮፖሊ ርሒቐ ነዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ሰላም መልእኽን ጸሎትን ከብጽሕ እየ፡ ነዚ ብርቱዕ ኣጽዋር እዚ እነብጽሕ ዘሎና . . . ነቶም ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ዘውርዱ ንዘለዉ እውን ከርዕድ ዝኽእል ኣጽዋር እዩ። ንኣኻትኵም አመስግን ኣብዚ ምርኻብኵም እውን ዝምስገን እዩ፡ ንስኻትኵም እውን ከከም ሓላፍነትኵምን ሙያዅምን ንዩክረይን ብዙሕ ኢዅም ትገብሩ ዘለዅም እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።